ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ኣመና' ከምዘሻቐሎ ሓላፊ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/Jean Marc Ferré
ብኩነታት ናይቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ኣመና' ከምዝተሻቐለ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ፊሊፖ ግራንዲ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕትታት፡ ጭውያታት፡ ማእሰርትን ጎነጽን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተፈጸመ እሙንን ዝተረጋገጸን ሓበሬታ ኣለና" ኢሉ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ መንጎ'ቶም ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ዝጸንሑ ተጻረርቲ ወገናት ዝተቐርቀሩ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ "ጎነጽን ምፍርራሕን" ደው ክብል ድማ ጸዊዑ።
"በቲ ብፍላይ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ኣካላት ዝተፈጸመ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሓፈሻዊ ገበናት ሰንቢደ ኣለኹ" ይብል እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ዕጡቓት "ሚሊሻ" ናብ መዓስከር ማይ-ዓይኒ ብምእታዉ፡ ንገለ ብምቑሳል ንብረት ዘሚቶም ከምዝኸዱ ምንጭታት ካብቲ መዓስከር ሓቢሮም ነይሮም።
ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ተቐርቂሮም ግዳይ ቅትለት፡ ጭውያ፡ ጥምየትን ምብትታንን ምዃኖም ይፍለጥ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማታት መቐለን ሽረን ከምዝተኣስሩ ብምጥቃስ፡ ካብ ሰብመዚ ትግራይ መብርሂ ክወሃቦም ከምዝሓተቱ'ውን መግለጺ ፊሊፖ ግራንዲ ይሕብር።
"ብዘይ ሕጊ ዝተኣስሩ ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ብህጹጽ ክፍትሑን [ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት] ክበጽሖም ክፍቀደሉን ጸዊዕና ኣለና" ድማ ኢሉ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ብኣሚት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሽረ ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ "ዘይተረጋገጸ" ሓበሬታ በጺሕዎ ምንባሩ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
ብዛይካ'ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ካልእ "ከቢድ ክስታት ጎነጽ" ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ ጸብጻብ ከምዝበጽሖ ብምግላጽ፡ "ፈደራላዊ መንግስቲን መንግስቲ ክልል ትግራይን" ወግዓዊ መርመራ ከካይዱ ጸዊዑ።
እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል: ረዲኤት ብምብጻሕን ልዕለዎት ሰራሕተኛታቱ ብምስዳድን ግብረመልሱ ክብ ከምዘበሎ ዝሓበረ ግራንዲ፡ ንዘካይድዎ ንጥፈታት ዝሕግዝ መሳለጥያታት ንምርካብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለን ሽረን፡ ከምኡ'ውን ኩሎም ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ኣፍደገታት ክኽፈቱ ተማሕጺኑ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ዝተወለዓሉ እዋን፡ ኩሎም ሰራሕተኛታት ረዲኤት ካብተን መዓስከራት ክወጹ ብምግዳዶም፡ ኩነታት ናይቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ነይሩ።
ጸጥታዊ ውሕስነቶም ፈሪሱ፡ ብዘይ መግቢን ሕክምናዊ ኣገልግሎታትን ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብቲ ግጭት ተቐርቂሮም ኣሕሊፎሞ።
ኣብ መፋርቕ ጥሪ 2021 ድማ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ ምውላዕ እቲ ኲናት ንመጀመርታ ግዜ ናብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ክኸዱ ኪኢሎም።
ኣብተን ንነዊሕ እዋን ክብጽሓ ዘይተኻእላ ካልኦት ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ግን "ቅትለትን ጭውያን" ከምዝተፈጸመ "ርጡብ ጸብጻባት" ከምዝበጽሖ ኣብቲ እዋን፡ ሓላፊ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ፊሊፖ ግራንዲ ተዛሪቡ ነይሩ።
መዓስከራት ሕጻጽን ሸመልባን ኣብቲ ኲናት ድሕሪ ምዕናወን፡ ኣብተን መዓስከራት ዝነበሩ ልዕሊ 21 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገሊኦም ናብ መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን ማይ ዓይንን ክግዕዙ እንከለዉ ዝተረፉ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ከምዝተበተኑ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ናብ ከተማታት ሽረን መቐለን ዝሃደሙ ከምዝነበሩ'ውን ይፍለጥ።
ኩነታት ኣብ መዓስከራት ዓዲ-ሓሩሽንማይ-ዓይኒን እንታይ ይመስል?
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ከባቢ እተን ክሳብ ሕጂ ዘለዋ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ውግእ ይካየድ ከምዘሎን፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ "ከቢድ ወጥሪ" ከምዘለዉን ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።
ሓደ ካብቶም ኣብ መዓስከር ዓዲ-ሓርሽ ዝነብሩ ስደተኛታት ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ከባቢ ውግእ ክካየድ ከምዝቐነየን፡ እቲ ቃለመሕትት ኣብ ዘካየድናሉ እዋን፡ እቲ ዝስማዕ ዝነበረ ተዂሲ ሃዲኡ ከምዝነበረን፡ "እቲ ከባቢ ጸጥ ኢሉ" ከምዘሎን ተዛሪቡ።
ኣብ ክልቲኡ መዓስከራት ኣብ "ወጥሪ" ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ስደተኛ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ውሑስ ቦታ ከውጽኦም ይሓቱ ምንባሮም ገሊጹ።
ኣብ መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ ዝርከብ ስደተኛ "ኩሉ ንብረቱ ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ፡ ገሊኡ ኸኣ ኣብ ዘለዎ ኮፍ ኢሉ'ሎ።
"ካባይ ጀሚርካ፡ ንብረቱ ጠቕሊሉ ተዳልዩ'ዩ ዘሎ፡ ብህጹጽ ዝለዓል፡ ንእግሪ ዝኸውን [ክማላእ] ማለት'ዩ . . . ከምቲ መደብ ዩ-ኤን-ሲ-ኤች-ኣር እንተዘልዕለና፡ ንብረትካ፡ ብዙሕ ዝበለ ክዳውንቲ ከተልዕል ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ግን፡ ብምሉኡ ጉሒፍና፡ ከክልተ ቅያር ገለ ኣብ ቦርሳ ሒዝና ተዳሊና ኣለና" ክብል ንኩነታቶም ገሊጽዎ።
ኣቐዲሞም፡ ካብቲ መዓስከር ከይወጹ ኩሉ 'ብሎኮታት' (ኣፍደገታት) ተዓጽዩ ምጽንሑ፡ ናብ ውሑስ ዝበልዎ ክወጹ ከምዘይክኣሉ ይዛረብ።
ብዓይኒ ዝረአ ነገር'ኳ እንተዘየሎ፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ከባቢ ተቖጻጺሮሞ ኣለዉ ዝብሉ ሓበሬታታት ከምዝበጽሖም'ውን ተዛሪቡ።
ከም ቴለፎንን ኢንተርነትን ዝበሉ መስመራት መራኸቢታት ኣብቲ ክልል ተቛሪጾም ብምህላዎም፡ እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን።
እቲ ከባቢ ዶብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ መዓስከራት ዝጥቀመሉ መስመር ቴለፎን'ውን ከምቲ ዝድለ ዝሰርሕ ዘይምዃኑ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







