ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ጸብጻባት ቅትለት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ እንታይ ይብል?

ኤርትራውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ማይ ዓይኒ፡ ትግራይ

ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ቅትለት ከምዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዘሻቐልዎ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣፈኛ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሽረ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ ሓበሬታ "ካብ መርበብ ኢንተርነትን ካልኦት ምጭታትን" ከምዝረኸበ ሓቢሩ።

"ነዞም ጸብጻባት እዚኦም ብዕቱብ ኢና ንርእዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ቀልጢፍና ምስ ሰራሕተኛታትና፡ መሻርኽትናን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሽረን ተራኺብና" ክብል ኣፈኛ ነቨን ክረንኮቪች ብኢሜል ኣብ ዝሃቦ መልሲ ተዛሪቡ።

"ክሳብ ሕጂ ነቶም ዝበጽሑና ክስታት ከነጣልሎም ኣይከኣልናን ዘለና፡ እንተኾነ ግን፡ ንሓቅነት ናይቶም ጸብጻባት ንምርግጋጽ ዝሕግዙና ኣገደስቲ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ንርከብ" ኢሉ።

ገለ ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ከምዝብልዎ፡ እቶም ስደተኛታት በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝበጽሖም ይገልጹ ኣለዉ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መራኸቢታት ተዓጽዩ ብምህላዉ ነቶም ጸብጻባት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ።

"ውሕስነት ናይቶም መዓስከራት ብቐንዱ ኣብ ሰብመዚ ዝወድቕ ብምዃኑ፡ ጸጥታን ሓለዋን ናይቶም ስደተኛታት ንምርግጋጽ ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሰብመዚን፡ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ (ኣራ) ንሰርሕ ኣለና" ይብል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት።

እንተኾነ ግን፡ እቶም ካብቲ ክልል ጠቕሊሎም ወጺኦም ዝብሃሉ ዘለዉ ሰብመዚ ፈደራል ብኸመይ ውሕስነት ናይቶም ስደተኛታት ከረጋግጹ ከምዝኽእሉ ንጹር ኣይኮነን።

ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን፡ ኣስታት 100,000 ስደተኛታት ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ናብቲ ክልል ኣብ ዝኣተውሉ እዋን፡ ክልተ ካብቶም መዓስከራት ዓንዮም፡ እቶም ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ፋሕ-ፋሕ ኢሎም ጸኒሖም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብቶም ኣብተን መዓስከራት ዝነበሩ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ትካላት ረዲኤት ይገልጹ።

ነቲ ከባቢ ተቖጻጺሮሞ ዝነበሩ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ኮይኖም ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ኤርትራ ንገለ ካብቶም ስደተኛታት ጨውዮም ከምዝወሰድዎም ተጣበቕቲ ክኸሱ ጸኒሐም'ዮም። ይኹን እምበር፡ ሰብመዚ ኤርትራ ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።

እተን ዝዓነዋ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ካብ ዶብ ኤርትራ ኣዝዩ ርሑቕ ዘይኮነ ከባቢታት ዝተደኮና'የን ነይረን።

ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይቲ ግጭት፡ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ካብተን መዓስከራት ክወጹ ብምግዳዶም፡ እቶም ስደተኛታት ንኣዋርሕ ብዘይመግብን ኣገደስቲ ቀረባትን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም ነይሮም።

ንገለ ካብቶም ነተን ክልተ መዓስከራት ገዲፎም ዝሃደሙ ንምዕቋብ፡ ሓድሽ መዓስከር ክሃንጹ ኣብ ክልል ኣምሓራ መሬት ከምዝተዋህቦም'ውን ኣፈኛ ናይቲ ትካል፡ ክረንኮቪች ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊጹ።

ብዛዕባ ውሕስነት፡ ናይቶም ኣብ መዓስከራት ዓዲ-ሓሩሸን ማይ-ዓይንን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ ኩነታቶም ንምውሓስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ይሰርሑ ምህላዎም ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ገሊጹ'ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዓስከራትን ካብኡ ወጻኢን፡ ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውን ከምዝጸንሑ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ይሕብሩ።