ሃለዋት ኣብ 2 መዓስከራት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ድቃስ ከሊኡና ዘሎ ጉዳይ'ዩ' ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር

መዓስከር ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዝስተ ማይ ንምርካብ ናብቲ ከባቢ ዘሎ ሩባ ክወርዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቦም

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልተ ኣብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ክበጽሕ'ኳ እንተኽኣለ፡ ኩነታት ናይተን ካሎኦት ክልተ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከባ ግን ሓበሬታ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣፈኛ ናይቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ: ክሪስ መልዘር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ባዕሉ ኣብ ክልተ መዓስከራት ከምዝበጽሐ ብምጥቃስ፡ እቶም ኣብኡ ዝጸንሕዎም ስደተኛታት ብጥምየት ተጠቒዖምን ዝርካቡ ንብረቶም ብዕጡቓት ተዘሚቱን ከምዝጸንሕዎ ሓቢሩ።

ብሰንኪ'ቲ ብ4 ሕዳር እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፡ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቒቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ መዓስከራት ኣብቲ ኵናት ዝካየደሉ ቦታ ስለዝርከብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሖም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ምጽንሖም ይፍለጥ።

ሕጂ ግን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት መዓስከራት ዓዲ-ሓሩሽን ማይ -ዓይኒን ከምዝበጽሐ ብምግላጽ፡ ናብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ክኣቱ ከምዘይተፈቕደሉ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብተን ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ'ዩ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።

እዞም ስደተኛታት ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዛት ከይበጽሖም: ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምጽንሖም ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

"ንዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዝኾነ መግቢ ይኹን ጽሩይ ማይ ክረኽቡ ኣይጸንሑን፡ ማይ ክረኽብሉ ዘይክኣሉ ምኽንያት እተን ናብቲ መዓስከር ማይ ዝጭንጉዓ ሞተራት ነዳዲ ስለዘይብለን እዩ፡ ስለዚ ካብቲ ጽሬት ዘይብሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሩባ እዮም ማይ ዝሰትዩ ዘለዉ" ኣፈኛ ክሪስ መልዘር ተዛሪቡ።

"ኣብቲ መዓስከር ዝነበራ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ጥዕናን'ውን ስለዝተዓጸዋ ካብ ኩሉ እዮም ተሓሪሞም ዘለዉ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ናብ መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን ማይዓይንን ውሑድ መግቢ ኣብጺሑ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ኣፈኛ፡ ኣብተን ክልተ መዓስከራት "ንቡር ሓገዛት ክንጅምር ኢና ወጢንና ዘለና" ኢሉ።

"ህላወ ናትና ነቶም ኣብቲ መዓስከር ዘለዉ ስደተኛታት መሰረታዊ ቀረባት ንኽረኽቡን ፖሎቲካዊ ጽላል ንኽረኽቡን ሓጋዚ እዩ፡ እዚ ንኽንገብር ኸኣ ሓቲትና ኣለና።"

ናብ ኩለን መዓስከራት ክበጽሑ ዘይክኣልሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ ክሪስ መልዘር፡ "እዚ እቲ ድቃስ ከሊእና ዘሎ ጉዳይ እዩ" ክብል ይገልጽ።

እተን ክለተ መዓስከራት ናብ ዶብ ኤርትራ ዝቐረባ ምዃነን ዝገለጸ እቲ ኣፈኛ፡ ቅድሚ እዚ ኵናት ምጅማሩ ብውሕዱ 30 ሽሕ ስደተኛታት ተዓቍበሙለን ምንባሮም ጠቒሱ።

"ናብዘን ክልተ መዓስከራት ክንከይድ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቃድ ስለዘይረኸብና ክንከይድ ኣይከኣልናን፡ እቲ ክንርድኦ ንኽእል ግን እዘን መዓስከራት እዚን ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዛት ስለዘይበጽሕን እቶም ኣብኡ ተዓቒቦም ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት እዮም ዘለዉ"

ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ: ሰራዊት ኤርትራ ንገለ ካብቶም ኣብተን ክልተ መዓስከራት ዝነበሩ ናብ ኤርትራ ወሲድዎም ዝብል ጸብጻት'ውን ነቲ ብዓልመዚ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪብሉ ነይሩ።

"ነዚ ኣመልኪትና ንኣማኢት ስደተኛታት ኣዘራሪብና ኢና፡ ኣብተን ዝበጻሕናየን ክልተ መዓስከራት ዝኾነ ጭውያ ከምዘይነበረ ከነረጋግጽ ክኢልና ኢና።

"እቶም ዘዘረራብናዮም ስደተኛታት ግን ንሶም'ውን ኣብተን ካልኦት መዓስከራት ሰባት ተጨውዮም ዝብል ሕሜታ ከምዝሰምዑ ነጊሮሙና፡ ሓቂ'ዩ ወይ ሓሶት'ዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና ምኽንያቱ ከነረጋግጽሉ ንኽእል ዕድል ኣይረኸብናን።"

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ መሬቱ ዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ጸጥታ ውሕስነት ክህቦምን፡ ኣባላቱ ናብተን ክልተ መዓስከራት ሰብኣዊ ሓገዛት ንኸብጽሕ ናብቲ መዓስከራት ክኣቱ ከፍቅድን እቲ ትካል ጸዊዑ'ሎ።

እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ንነዊሕ ዝቐጸለ ምትፍናን ብ4 ሕዳር ናብ ቅሉዕ ኵናት ምዕራጉ ይዝከር።

እቲ ኣብ ህይወት ሰብ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ዝንገረሉ ዘሎ ግጭት ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ዕንወትን ሰብኣዊ ቅልውላዉን ኣስዒቡ'ሎ።