ትካል ስደተኛታት፡ አብ ትግራይ ምስ ዘለው ኤርትራውያን ሰደተኛታት ክራኸብ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, IOM
ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቝቦም ዘለው ኤርትራውን ሰደተኛታት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ፈዴራልን ክልል ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ኵናት፡ ሕጽረት መሰረታውያን ነገራት፡ መግብን መድሃኒትን ከምዘጋጠሞምን ንህይወቶም ሰጊኦም ከምዘለውን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቶም ኣብ ኤርትራ ውሕስነት ስኢንና ተሰዲድና ዝበሉ ስደተኛታት፡ ሓላፍነት ክወስድ ዝግበኦም ኣባላት ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 'ዩኤንኤችሲኣር' ካብቲ መዓስከራት ወጺኦም ከምዝኸዱ ሓቢሮም።
እዞም ስደተኛታት፡ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ከምኡ'ውን ትካላት ሓዋላ ( ካብን ናብን ገንዘብ እትሰደሉን እትቕበለሉን ኣገልግሎት) ተዓጽዩ ብምህላው ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘው ገሊጾም።
ዝሓለፈ ሰሙን ተወካሊት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣን ኢንኮንቱሬ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ዩኤንኤችሲኣር፡ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ስደተኛታት፡ ኣገልግሎታት ከቕርብ ተጸጊሙ ምህላዉ ሓቢራ ነይራ።
እታ ተወካሊት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት "ነቶም ኣስታት 100 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣገልግሎት ከቕርቡሎም ኣዝዮም ተጸጊሞም ኣለዉ" ኢላ።
ትማሊ፡ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ካብ ወኪል ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምስቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ርክብ ክገብር ከምዘይካለ ገሊጹ።
ኣፈኛ ናይቲ ትካል (UNHCR)፡ ጁሌት ስቲቨንሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቶም መዓስከራት ክኣትዉን፡ ወሳኒ ናይ መግቢ ሓገዝ ክዕድሉ ክፍቀደሎም ጠሊባ።
"እቲ ተዋሂብዎም ዘሎ መቑነን ክሳብ መወዳእታ ሕዳር ጥራይ ዘጽንሖም'ዩ፡ ስለዚ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ቦታ ክኣትዉን፡ ተወሳኺ መግቢ ክዕድሉን ክፍቀደሎም ኣዝዩ ወሳኒ'ዩ" ክትብል ካብ ለንደን ተዛሪባ።
እቲ ትካል ምስቶም ኣብ ከተማ ሽረ ዘለዉ ሰራሕተኛታቱ ዉሱን ርክብ ጥራይ ከምዘለዎን ብምጥቃስ፡ "ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ውሕስነት ጸጥታ ኩሎም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስደተኛታት ዝርከብዎም ሲቪላውያን ኣዝዩ ተሻቒሉ ኣሎ" ኢላ ስቲቨንሰን።
ትማሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ 48 ሰዓታት ምስቶም ናብ ከተማ ሽረ ዝወጽኡ ሰራሕተኛታቱ ኮነ ምስቶም መዓስከራት ንምርኻብ ተጸጊሙ ከምዘሎን እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ።
እታ ኣፈኛ ከምዝበለቶ፡ "ናብቲ መዓስከራት ዘእቱ መስመር ርክብ ብህጹጽ እንተዘይተኸፊቱ፡ ነቶም ስደተኛታት ከቢድ ጸገም ከጋጥም እዩ" ኢላ።
እቲ ትካል ይኹን ካልኦት ናይ ረዲኤት ትካላት ዘድልዮም ቀረብ ንምዕዳግ ገንዘብ ከውጽኡ፡ ነዳዲ ክረኽቡ፡ ርክባት ክገብሩን ብዘይምኽኣሎም፡ እቶም ስደተኛታት ካብቶም ማዓስከራት ብምውጻእ እግሮም ናብ ዝመርሖም ፋሕ ክብሉ ከምዝኽእሉ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ኣጠንቂቑ።
ስብአዊ ቅልውላው
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ክልል ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ኵናት መዓልታዊ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ይሰግሩ ምህላዎም ጸብጻባት ይገልጹ።
በቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣስታት 36,000 ሰባት ካብቲ ናይ ኵናት ዞባ ሃዲሞም ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ሱዳን ሓቢራ ኣላ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቲ ከባቢ ገዚፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝፈናቐሉ ዘለዉ ዕጽፍታት ናይቶም ናብ ሱዳን ዝስደዱ ዘለዉ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ። ናብ ትግራይ ከእትዎም ዝኽእል መስመራት ስለዝተዓጽወ እቲ ተጻባይ ረድኤት ስደተኛን ህዝብን ኣብ ጸገም ከምዘሎ ኣመልኪቶም።
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ።
ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።
ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።
ነቲ ሕዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንክልተ ሰሙናት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







