ቅልውላው ትግራይ፡ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ነጺጉዎ

ምንጪ ስእሊ, FABRICE COFFRINI
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ደ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረክርስቶስ፡ ነቲ ብሰብመዚ ኢትዮጵያ ዝቐረበሉ: ኣብቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ንትግራይ ወጊኑ ዝብል ክሲ ነጺግዎ።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ብዛዕባ ዓደይ ኢትዮጵያ ልበይ ተሰይሩ ይርከብ፡ ኩሎም ወገናት ንሰላም ክሰርሑን፡ ውሕስነት ሰላማውያን ከረጋግጹ፡ ከምኡ'ውን ናይ ጥዕናን ሰብኣውን ሓገዛት ክኣቱ ከፍቅዱን እጽውዕ" ኢሉ።
ትማሊ ረቡዕ ኢታ ማጆር ሹም (ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ) ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንህውሓት ንምድጋፍ "ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን" ድሕሪ ምባል "ኣጽዋር ንክረኽቡ ሰሪሑ'ዩ" ክብል ከሲሱ ነይሩ። ዝኾነ ጭብጢ ግን ኣየቕረበን።
ዶ/ር ቴድሮስ ብወገኑ፡ "ኣብዚ ኩነታት'ዚ ወገን ከምዝወሰድኩ ዝገልጽ ጸብጻባት ተሰሚዑ ነይሩ። እዚ ሓቂ ኣይኮነን። ኣነ ናይ ሓደ ወገን ጥራይ'ዩ ዘለኒ፡ ንሱ ኸኣ ናይ ሰላም ወገን'ዩ" ክብል ነቲ ክሲ ነጺጉዎ።
"ብቑልዕነተይ ኣዕናዊ ባህሪ ናይ ኲናት ርእየ እየ። እቲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ጉድኣትን ቅጅል ይብለኒ ከም ዓቢ ሰብ፡ ነቲ ብቐረባ ዝሓለፍኩዎ ተመክሮ ንሰላምን ዝዋግኡ ወገናት ተቐራሪቦም ክላዘቡ ንምግባርን ሰሪሐሉ'የ" ኢሉ ኣብ መግለጺኡ።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣቐዲሙ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ኮይኑ፡ ድሕሪ'ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ሰሪሑ'ዩ። ንሱ፡ ኣባል መሪሕነት ህወሓት ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።
ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብውሕዱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።
በቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ዝተፈናቐሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሳምንቲ ናብ ሱዳን ኣትዮም ኣለዉ።
እቲ ኣብ 2017 ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዝኾነ ዶ/ር ቴድሮስ ኮሮናቫይረስ ምስ ተኸስተ ኣብ ምሉእ ዓለም ተፈላጥነት ዘጥረየ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ'ሎ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ደው ክብል ሓላፊ ጉዳያት ወጸኢ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን ጸዊዑ።
ኣንቶኒ ቢሊከን፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ፡ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎነጽን፡ ኣብቲ ዞባ ከስዕቦ ዝኽእል ዘይምርግጋእን ከምዘሻቐሎ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ግጭት ደው ኣቢሎም ሰብኣዊ ሓገዛት ክኣቱ ከፍቅዱን፡ ውሕስነት ሰላማውያን ሰባት ከረጋግጹን ኣለዎም ድማ ኢሉ።
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።
ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ እውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







