ቅልውላው ትግራይ-ኢትዮጵያ፡ ብሓጺሩን ብሰፊሑን ክግለጽ እንከሎ

ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገዛኢ ውድብ ህወሓት ዘመሓድራ ትግራይ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ግጭት ኣምሪሓ ትርከብ

እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌዴራልን ክልል ትግራይን ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ነታ ሃገር ናብ ዕገርግር ኣእትዩዋ ኣሎ።

እቲ ውግእ ንልዕሊ ክልተ ሰሙናት ተኻይዱ ኣሎ፤ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝባ ካልአይቲ ዝኾነት ሃገር ድማ ህድኣት ኣስኢንዋ ይርከብ ። ብሰንኩ፡ ዛጊድ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሞይቶም ኣለዉ።

ካብቶም ነቲ ጎንጺ ዘባርዑ ጉዳያት፡ ንሕንሕ ስልጣን፣ መረጻን ፖለቲካዊ ለውጥታትን ይርከብዎም።

እቲ ኲናት ሕጽር ብዝበለን ስፍሕ ብዝበለን፡ ብ100፣ 300ን ብ 500 ቃላት ብኸምዚ ኣስፊርናዮ ኣለና።

ኲናት ኢትዮ-ትግራይ፡ ብ100 ቃላት

እቲ ጎንጺ 4 ሕዳር ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኲናት ምስ ኣወጀ፡ እዩ ተወሊዑ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከብ ወተሃደራዊ ናቑጣ ተጠቒዑ ካብ ዝብል ተበጊሱ እዩ ነቲ ስጉምቲ ወሲዱ።

እዚ ዝኾነ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲኦም ሓይልታት ንኣዋርሕ ዝዘለቐ ፍሕፍሕ ስዒቡ እዩ።

ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት፡ ዳርጋ ን30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዓብሊሉ ዝጸንሐ እዩ።

ኣንጻር መሪሕነት ኢህወዴግ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞታት ተላዒሉ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣንጻር መሪሕነት ኢህወዴግ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞታት ተላዒሉ ነይሩ

ኣብዪ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝነበሮ ጽልዋ እናንቆልቆለ መጺኡ።

ኣብዪ ዝበገሶም ፈተነታት ጽገናታት፡ ካብ ትግራይ ተቓውሞ ምስ ገጠሞ፡ ፖለቲካዊ ቅልውላው ድማ እናኸረረ ከይዱ።

ኲናት ኢትዮ-ትግራይ፤ ብ300 ቃላት

መንቀሊ ናይዚ ቅልውላው ካብ ሱር መሰረቱ እንትረአ ግን፡ ጉዳይ ህንጸት ስርዓት ሃገረ-መንግስቲ እዩ።

ካብ 1994 ዓ/ም ጀሚሩ፡ ኢትዮጵያ ብሄረ ብሄረሰባት ዓርሶም ዘመሓድርሉ ፌዴራላዊ ስርዓት ተግቢራ ነይራ።

በዚ ስርዓት ዝተዋቐራ 10 ክልላት ነይረን: ምስዛ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝቆመት ክልል ሲዳማ ሓዊሱ።

ኣብቲ እዋን እቲ ዝሓየለ ፖለቲካዊ ውድብ[ ሰልፊ] ህወሓት እዩ ነይሩ። ነዚ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ድማ ዓብዪ ተራ ነይርዎ።

ስርዓት ደርጊ ኣብ 1991 ካብ ስልጣን ምስተኣለየ፡ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ግንባር ኢህወዴግ፡ ዝዕብልሎ ንሱ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን እታ ሃገር ህድኣትን ምዕባለን ዝዓሰላ እያ ነይራ። እንተኾነ፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ስክፍትታት ይለዓሉ ነይሮም።

እቲ ህዝባዊ ዘይዕግበት ከይዱ ከይዱ፡ ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣስዒቡ፤ ካብኡ ድማ፡ እቲ ግንባር ውሽጣዊ ተሃድሶ ክገብር ተገዲዱ። በዚ መገዲ ኣቢሉ እዩ ኣብዪ ናብ ቅድሚት መጺኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ።

ኣብዪ፡ ነቲ ዝነበረ ፖለቲካ ንፋስ ኣእትይሉ፡ ብልጽግና ዝበሃል ሕድሽ ፓርቲ ድማ ኣጣይሹ፤ ገለ ብገበናት ግዕዝይናን ብወጽዓን ዝኸሰሶም ተጋሩ ድማ ኣልዩ።

ኣብ መንጎኡ ፡ ነቲ ምስ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ምትፍናን ሰላም ስለዘውረደ፡ ሽልማት ኖቤል ክረክብ ክኢሉ።

እዚ ስጉምቲ ንኣብዪ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነት ክረክብ'ኳ እንተ ኣኽኣሎ፡ ፡ ብኻሊእ ወገን ምስ ትግራይ ዝነበሮ ርክብ እናተመሓየሸ ኣይከደን።

መራሕቲ ትግራይ፡ ስጉምትታት ኣብዪ፡ ስልጣን ናይ ምጥቕላልን ፌዴራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስን ተግባር ገይሮም እዮም ዝርድእዎ።

እቲ ቅርሕንቲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ዝበለ ግን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክልላዊ መረጻ ከካይድ ምስ ወሰነ እዩ።

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ መረጻ ክናዋሕ ዝወሰነ ማእከላይ መንግስቲ ነቲ መረጻ ‘ዘይሕጋዊ’ ኢልዎ።

እቲ ፍሕፍሕ መሊሱ ዝተጋደደ ድማ፡ ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ፌዴራል ዓመታዊ ባጀት ክልል ትግራይ ጠጠው ምስአበለን ርክባቱ ምስ በተኸን እዩ።

ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ እዚ ኲናት ከም ምእዋጅ ይቑጸር ኢሉዎ ነይሩ።

ቀጺሉ: ኣብዪ፡ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ‘ሃንደበታዊ ግን እትጽበዮ’ ዝበሎ ገይሩ፤ ትግራይ፡ ‘ቀይሕ መስመር ሓሊፋ’ ኢሉ።

ሓይልታት እቲ ክልል፡ ኣጽዋር ንምውሳድ፡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣጥቂዖም ክብል ድማ ከሲሱ።

ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ እውን ኣዚዙ።

እቲ ኲናት ብ500 ቃላት

ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ እዛ ጥንታዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ለውጥታት ርእያ እያ።

እዚ ካብ ዓሌት ኦሮሞ ዝመጽአ ሰብ፡ ኣብ ናይ ፈላማ መደርኡ ፖለቲካዊ ምምሕያሽ፣ ዕርቅን ሓድነትን ሰቢኹ ነይሩ።

እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ኣጀንዳ፡ ነቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ዲሞክራሲ ዝጠልቡ ዘተባብዕ እዩ ነይሩ።

እቶም ንዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸብለልታ ዝነበሮም መራሕቲ ህወሓት ናይቲ ጸገም ኩሉ ተሓተትቲ ተገይሮም።

ስርዓት ደርጊ ኣብ ምእላይ ዓብዪ ተራ ዝነበሮ ህወሓት፤ ምስተዓወተ ፖሊቲካ እታ ሃገር ኣብ ምቕላስ ዓብላላይ ተራ እዩ ነይርዎ።

እቲ ንሱ ዝሃነጾ ስርዓት፡ ንክልላት ርእሰን ከመሓድራ ዘኽኣለ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ማእከላይ መንግስቲ ስልጣን ተቖጻጺሩ ንተቓወምቲ’ውን መንቀሳቐሲ ኣስኢኑዎም ተባሂሉ ይንቀፍ።

እቲ ፓርቲ ሕዚ ንባዕሉ ናብ ምቅዋም ብርኪ ወሪዱ ኣሎ።

ኣብ 2019፡ ምስ ኣብዪ ንምቕጻልን ምስቲ ሓድሽ ውድብ ብልጽግና ንምስራሕን ፍቓደኛ ኣይነበረን።

እዚ ፍልልይ እዚን፡ ካልኦት ምትፍናናትን እናስዐበ ከይዱ ኣብዚ ሕዚ ዘለዎ ብርኪ በጺሑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ወርሒ መስከረም መረጻ ከካይድ ምውሳኑ፡ ውሳነ ማእከላይ መንግስቲ ብምጽራርን ዘይተለምደን እዩ ነይሩ።

ካብኡ ንደሓር፡ ክልቲኦም መንግስታት፡ ነንሕድሕዶም ኣፍልጦ ተናፋፊጎም ጸኒሖም።

ትግራይ እዚ ናይ ኣብዪ መንግስቲ ብህዝባዊ መረጻ ዝመጸ ኣይኮነን፡ ከይተመርጸ እዩ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኢላ እያ ትምጉት።

ከምኡ’ውን ትግራይ፡ ርክባት ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዘይመትከላዊ ክትብል እያ ትነቕፎ።

ኣብ መንጎ እቶም ብዶብ ዝዋሰኑ ትግራይን ኤርትራን ዝጸንሐ ዘይምስናይ ኣሎ። ኣብ 1998፡ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኲናት ብዶባዊ ምስሕሓብ ዝተበገሰ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ናይ ሕዚ ኲናት፡ 4 ሕዳር ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጰውያውያን ንሱዳን ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ከምዝሞቱ ይሕበር። ኣብ ገለ ድማ፡ ጅምላዊ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ይዝረብ።

ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ርክባት ኣብ ትግራይ ተቋሪጹ ስለዘሎ፡ ብዝሒ ሞትን ዝበጽሐ ጉድኣትን ምዝራብ ኣይከኣልን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ፡ ናይ ሽድሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ይርከብ።

እቲ ናብ ስሩዕ ኲናት ዝቕየር ዘሎ ጎንጺ፡ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእል እዩ።

“ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ብርቱዓት ብምዃኖም እቲ ኲናት ክናዋሕ ይኽእል እዩ” ይብል ክራይስስ ግሩፕ።

“ትግራይ፡ ወተሃደራዊ መልክዕ ዘለዎ ፍሉይ ሓይልን ተሪር ምልሻን ሓዊስካ ተደሚሩ ልዕሊ 250 ሽሕ ዕጡቕ ትውንን” ይብል።

እዛ ዓባይ ሃገር ኢትዮጵያ፡ ህድኣት ዞባ ኣብ ምውሳን ዓብዪ ተራ እዩ ዘለዋ።

እቲ ኲናት ብኸምዚ እንተቐጺሉ፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክዘልቕ ይኽእል እዩ።

ድሮ’ኳ፡ ትግራይ ናብ ኤርትራ ሚሳይላት ተኲሳ ኣላ። ልዕሊ 27 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ።

እቲ ግጭት ኣብ ምሉእ ሃገር ዓሌታዊ ጎንጺ ከየልዕል እውን ከቢድ ስግኣት ኣሎ።