ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብኸመይ ክጸልዎም እዩ?

ኤርትራውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, IOM

ኣብ መንግስታት ፈዴራልን ክልል ትግራይን ክዓርግ ዝጸንሐ ምትፍናን ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ክልል ትግራይ ዓስኪሩ ንዝነበረ ሰሜን እዝ ብምቁጽጻር ዝጀመረ ጎንጺ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ጽዑቕ ኩናት ኣኸቲሉ ኣሎ።

እቲ ኵናት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣርባዕተ መዓስከራት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብሉ ከባቢ ይካየድ ብምህላው ኣብቶም ስደተኛታት ሻቐሎት ፈጢሩ ምህላው ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ቤተሰብን መቕርቦምን እቶም ኣብ መዓስከራት ዘለው ስድራቤታትን ሃገራውያንን ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ድሕነትን ውሕስነትን እቶም ስደተኛታት ክዕቀብን ክሕሎን የተሓሳስቡ ኣለው።

እቶም ኣብ መዓስከራት ዓዲ ሓርሽ፡ ማይ ዓይኒ፡ ሕጻጽን ሽመልባን ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ቅድሚ እዚ ጎንጺ'ውን ብስግኣት ለበዳ ኮቪድን፡ ብሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ኣገልግሎት ሕክምናን ማይን ክጣርዑ ምጽንሖም ንቢቢሲ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ንስደተኛታት ዘሻቕሎም እንታይ እዩ?

ዳርጋ ኣርባዕቲኡ እቲ ኤርትራውያን ዝርከቡሉ መዓስከራት ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ እዩ ዝርከብ። ካብኡ ናብኡ ከኣ ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ናብዚ ሕጂ ኩናት ይካየደሉ ዝበሃል ዘሎ ከባቢ ዳንሻ ብዙሕ ርሑቕ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ከኣ እዩ፡ ነበርቲ እቲ መዓስከርን ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዓለምን ሻቕሎቱ ዝገልጽ ዘሎ።

“ብዙሕ ግዜ ኣብ ኩናት ሰላማዊ ህዝቢ እዩ ግዳይ ዝኸውን። ኣብ ነዊሕ ናይ ኩናት ተመኩሮና ከኣ ቖልዓ ሰበይቱ ብደብዳብ ነፈርትን መዳፍዕን ክሞቱን ክስንክሉን ስለዝረአና፡ ሕጂ ተመሳሳሊ ስግኣት ከየጋጥም ክንስከፍ ግድን እዩ” ይብል ገዲም ተጋዳላይ መጎስ ብርሃነ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ።

ሓደ መድሃኔ ብዝብል ስም ክጽዋዕ ዝመረጸ ነባሪ መዓስከር ዓዲ ሓርሽ፡ “ ክሳብ ሕጂ ደሓን ኢና ዘሎና። ግን እቲ ኩናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ካባና ርሑቕ ስለዘይኮነ ከቢድ ሻቕሎት ኣሎና” ክብል ንቢቢሲ ተዛሩቡ።

እቲ ኩነታት ዘሰከፎም ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሻቕሎቶም ዝገልጽ ግጥምታት ይጽሕፉ ኣለው። ሓደ ካብኦም መንእሰይ ዮሴፍ ወርቀ እዩ። ዮሴፍ፡ “ ንገሩለይ ነቦይ” እትብል ግጥሙ ከምዚ ክብል ጽሒፉ።

ማይ ዓይኒ’የ ዘለኹ - መቕርብ ዓዲ ሓሩሽ

ስደተኛ ስመይ - ተኾርምየ ዝድቅስ

ሸመልባ’የ ዘለኹ - ቀረባ ንሸራሮ

ንሕሰም መንብሮይ - ባዕለይ ዝጻወሮ

ሕጻጽ’የ ዝነብር - ሽረ እንዳስላሰ

ብናፍቆት ስድራይ - ወትሩ ዘይድቅሰ

ንገሩለይ ነቦይ - ናብ’ዚ ከይትኵሰ። ብምባል ምናልባት ብሸነኽ ሰሜን ኩናት ከየጋጥም እሞ፡ እቲ ኣብ መዓስከራት ተዓቚቡ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ብነዋሕቲ ብረት አሕዋቱን ወገኑን ከይህረም ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ።

ኣብ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ የማነይቲ ኢዳ ዝተቖርጸት ስምይቲ ገጣሚት ሩማና ብርሃኑ'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢታት ስእላ ብምልጣፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኲናት በላዕ ሰብ ምዃኑ ንዓይ ርእዮም ክመሃሩ ኣለዎም ክትብል ጽሒፋ ኣላ።

ሩማና ኩናት ንዘስዕቦ ዕንወትን ምዝንባል ማሕበራዊ ህይወትን ብዝምልከት ሓያሎ ተዘካሪ ግጥምታት ዝጸሓፈት መንእሰይ እያ።

ዕርቀ ሰላም ምስተፈጥረ ዝነበረ ተስፋ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቀ ሰላም ምስ ወረደ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክውሕዙ እኳ እንተጀመሩ ኣብቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መዓስከራት ብምጽንሖም ዓዶምን መሬቶምን ዝናፈቑ ኤርትራውያን ግን “ደጊም ንዓድና ክንምለስ ኢና!” ዝብል ስምዒት ሓዲሩ ምንባሩ ይዛረብ መድሃኔ።

እንተኾነ እቲ ዋሕዚ ምስ በዝሐ እቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣራ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት እንዳባጉና ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኣርባዕቲአን መዓስከራት ዝውዝዕ ትካል ኣባላት ሰራዊትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝነበሩ እንተዘይኮይኖም ካልእ ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ።

በቲ ውሳነ ዝተማረሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ቢቢሲ ዝገበሩዎ ዝርርብ ብ 27 ጥቅምቲ 2020 ምቅላሑ ዝዝከር እዩ። ።

እቶም ናብ መዓስከራት ኣትዮም፡ እቲ ካብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክረኽብዎ ዝግበኦም ደገፍ ዝተነፍጉ ኣስታት 900 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሸራሮ፡ ዓዲ ነብሪ ኢድ፡ ዘላምበሳ፡ ዓዲ ግራትን ገርሁ ስርናይን ገሊኦም ምስ ሰብ ተጸጊዐም ገሊኦም ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ተዓቊቦም ይነብሩ ከምዘለው ሓቢሮም ነይሮም።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትካላትከ እንተይ ይብላ?

ንመሰል ደቂ ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ጥሪ 2020 ጀሚሩ፡ እቲ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ዘአንግደሉ መስርሕ ብዘይወግዓዊ መገዲ ከምዝቐየሮ ብምሕባር፡ ስደተኛታት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ክኽበር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ወጽዓን በደልን መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጊሙ ክሓስበሉ ብምጽዋዕ ማሕበረ ሰብ ዓለም እውን ኣቓልቦ ክህቦ ብተደጋጋሚ ጸዊዐም።

ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ!

እቶም ኣብ መዓስከራትን ካብ መዓስከራት ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ምምጻእ ኮሮናቫይረስን ሓደሽቲ ሕጋጋት ኣመዛግባ ስደተኛታትን ኣብ ጸገም ምህላዎም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ሕጂ ድማ ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብቲ ክልል ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ነቶም ስደተኛታት ናብ ዝኸፈአ ሻቕሎትን ስግኣትን ሸሚምዎ ይርከብ።

ሓፈሻዊ ኩነታት ስደተኛታት ዓለም

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2019 ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 79.5 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቂሎም ከምዝተሰደዱ ይሕብር።

ካብዚኦም እቶም 40 ሚእታዊት ትሕቲ ዕድመ ክኾኑ እንከለዉ እቶም 73 ሚእታዊት ድማ ናብ ጎሮባብቲ ሃገሮም ዝተሰደዱ እዮም። እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ ኤርትራውያን’ውን ኣብዚ ቁጽሪ እዚ እቱዋት እዮም።

“ እቶም ካብ ኤርትራ ተሰዲድና ዝመጻእና ዝተፈላለየ ምኽንያት ክህልወና ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ንኹላትና ናይ ሓባር ረቛሒ ኣሎና። ዝሓሸን ሰላማውን ህይወት ምንባር እዩ ዕላማና” ይብል ስሙ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ሕጂ ምስ ስድርኡ ኣብ ሽረ ዝርከብ ስደተኛ።

እዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኵናት ግን ናብ ዝኸፈአ ሓደጋ ከየቃልዖም ከቢድ ስግኣት ከምዘለዎ ከኣ ይገልጽ።

“እቲ ኩነታት ኣይኮነን’ዶ ናብ ኵናት ዓሪጉ ብቐደሙ’ውን ምስ ምምጻእ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ምትእትታው ሓደሽቲ ሕጋጋትን ተጸጊምና ኢና ጸኒሕና” ከኣ ይብል።

ኵናት ሃገር ዘባድም፡ ሃብቲ ሃገር ዝህሙኽ ብዓቢ’ኡ ድማ ህይወት ሰብ እዩ ሓደገኛን አዕናውን እዩ።

እቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ን24 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ብዶብ ዝተመኽነየ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ በሰልኡ ክሳብ ሕጂ ኣይሓወየን።

“ እቲ ኩናት ቈልዑ ኣዘኽቲሙ፡ ዓዲ ኣባዲሙ፡ ነቶም ዝተረፍና ኸኣ ናብ ስደት ከምነምርሕ ገይሩና። እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ከኣ ካልእ በሰላ ከምዝፈጥር ኣይጠራጠርን ስለዚ ብኣግኡ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ኣለዎ” ይብል ንሕሉፍ ተመኩሮኡ ኣብ ግምት ብምእታው።