ኣብ ጸበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት እንዳባጉና - 2017

ምንጪ ስእሊ, IOM

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት እንዳባጉና - 2017

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት "ወተሃደራትን ሰራሕተኛታት መንግስትን" ዘይኮንኩም ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኣይትኣትዉን ተባሂልና እንትብሉ መረረቶም ይገልፁ ኣለዉ።

ካብ ዝተፈላለለያ ከባቢታት ኤርትራ ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ እቶም ኤርትራውያን፤ ኣብ ሸራሮ፣ ዓዲ ነብርእድ፣ ራማ፣ ዘላምበሳ፣ ዓዲግራትን ገርሁስርናይን ይርከቡ።

ቅድሚ ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ምስኣተዉ: ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ኣብ ግዚያዊ መፅንሒ ኣቀባብላ ይግበረሎም ምንባሩ ይዝከር።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ግና: እተን ግዚያዊ መፅንሒ ተሪፈን: ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ጉዳይ ስደተኛታት ኢትዮጵያ: ካብቲ መዓስከር ናብቲ ኤርትራውያን ዝተወሸቡለን ኣብ ዶብ ዝርከባ ከተማታት ብምምፃእ ወተሃደራትን ሰራሕተኛ መንግስትን ዝነበሩ መምዮም ይወስዱ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ድሕር ምውሻብ: ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክ ዓዲግራት ካብ ዘዕቖቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ገሊኦም ንቢቢሲ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ።

ስማ ካብ ምፅራሕ ዝተቖጠበት ጓል 22 ዓመት ኤርትራዊት "ኣብ ዞባ ማእከል: ኣስመራ ኩሉ ልዕሊ 18 ዕድመ ዝገበረ ኤርትራዊ ናብ ሳዋ ክወርድ ስለዝተኣዘዘ: ስለዘይኣመንክሉ ሃዲመ መፂኤ" ትብል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ግዜ ውሸባ ወዲኣ ምስ ወፀአት: ኣብ ዓዲግራት ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣዕቒባ ከምዘላ ትገልፅ።

ካብቲ መዓስከር ስደተኛታት: በብግዜኡ ዝመፅኡ ሰራሕተኛታት 'ወታሃደራት ንዝነበሩን ሰራሕተኛታት መንግስትን ፈልዮም ይወስዱ ኣለዉ' ትብል።

"ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ንኹሉ ማዕረ ከምዝርኢ ኢና ንፈልጥ: ኣብዚ መፂእና ግን ሌላን ጉሌላን ክግበር ንርኢ ኣለና። ወታሃደር ንዝኾኑ ይወስዱ ኣለዉ:: ንሕና ከኣ ውትድርና ፈሪሕና ኢና መፂና" ብምባል ርእይቶኣ ሂባ።

ክሳብ ሎሚ ህዝቢ ዓዲግራትን ገበርቲ ሰናይን ምግቢ እናዋፀአ ቁርሲ ምሳሕ ድራር ይሕግዞም ከምዝነበረ ድማ ገሊፃ፤ ኣብዚ ክልተ መዓልታት ግን ከምዝተቛረፀ ትዛረብ።

"ኣብዚ ሰዓት'ዚ ድማ፡ እቲ ኮለጅ ትምህርቲ ክህብ ምፅርራያት ይግበረሉ ስለዘሎ፡ መዕለቢና ኣይፈለጥናን" ብምባል ሻቕሎታ ትገልፅ። "ኣንፈትና ናበይ እዩ ከብል ኣብ ሻቕሎት ኣለና" ኢላ።

ካልእቲ ርእይቶ ወሃቢት ካብ ዞባ ደቡብ ሰንዓፈ ዝመፀት ጓል 19 ዓመት ተምሃሪት 11 ክፍሊ ምዃና ትዛረብ።

ንሳ "ዕቑባ ክሓትት ዝመፀአ ሰብ ስለምንታይ እዩ መሰሉ ዘይረክብ?" ብምባል ዝተሰመዓ ቅርታ ትገልፅ።

ካብ ሰንዓፈካብ እትመፅእ ወርሒን ክልተ ሰሙንን ኣብ ውሸባን ዕቑባን ከምዘላ ብምግላፅ "ስለምንታይ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ዘይተእይትዉና ዝብል ሓቲትና ንፁር መልሲ ዝሃበና ኣካል የለን" ኢላ::

ኣብ ከተማ ዓዲግራት 130 ኤርትራውያን ከምዝነበሩን ነቶም 30 ዝሓለፈ ሰሙን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝወሰድዎም እታ ወሃቢት ርእይቶ ወሲኻ ገሊፃ።

"ቋንቋ ዘይክእላ ቆልዑ ዝሓዛ ኣደታት ደም ይነብዓ ኣለዋ" ብምባል ነቲ ዝበፅሕ ዘሎ ዝበለቶ ፀገም ትገልፅ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓዲግራት 105: ኣብ ራማ 95: ኣብ ዘላምበሳ 44: ኣብ ገርሁስርናይ 124: ኣብ ዓዲ ነብርኢድ 53 ከምኡ እውን ኣብ ሸራሮ 460፡ ብድማር 881 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መዓስከር ንምእታው ይፅበዩ ከምዘለዉ፡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ::

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ፡ ናብ መዓስከር ስደተኛ ንምእታው ዝኾነ ይኹን እገዳ ከምዘይነብሮ ድማ ይፍለጥ።

ካብ መፈለምታ 2020 ኣትሒዙ ግና: እቶም ኣብ ዶብ ዝነበሩ ግዚያዊ መፅንሒ ማእከላት ተዓፅዮም፡ ብዘይካ ወተሃደራትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ንኸይኣትዉ ከምዝተኸልኡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደጋጊሞም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ንመሰል ደቂ ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ጥሪ 2020 ጀሚሩ፡ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ዘአንግደሉ መስርሕ ብዘይወግዓዊ መገዲ ቀይርዎ እዩ ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ኢትዮጵያ ንሓተትቲ ዑቕባ ኣይምዝግብን ምባላ፡ እቶም ስደተኛታት ናብቲ ዝሃደምዎ ሕማቕ ኩነታት ክምለሱ ዘገድድ እዩ ብምባል፡ እዚ ድማ "ንዓለምለኻዊ ሕጊ ስደተኛታት ዝጥሕስ እዩ" እውን ኢሉ ነይሩ።

ቢቢሲ ዝተወከሶ ትካል ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን (ኣራ) ኣብ ዝሃቦ ምላሸ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ንኹሉ ምቕባል ደው ኢሉ እዩ፡ ድሕሪ ምባል፡ ብመሰረት እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ምቕባል ስደተኛታት ኣብ ውልቀ መመያ ዝተመስረተ ኮይኑ ከምዝፍፀም ገሊፁ::

ንሱ ወሲኹ፡ ብፍላይ ብነፋሪት ብኣዲስ ኣበባ ገይሩ ዝኣተወ፡ ናብ መዓስከር ክኣቱ ኣይፍቀደሉን ኢሉ::