ስለምንታይ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ይሰግሩ ኣለው?

ንዓዲ እንግሊዝ ዝኣተው ዘለው ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, PA Media

እዋኑ ማዕበላት ዝሃድእሉ ኩነታት ኣየር ውዕይ ዝብለሉ ስለዝኾነ ካብ ፈረንሳን ስጳኛን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝሓስቡ ስደተኛታት ነዚ እዋን ከም ምቹእ ግዜ’ዮም ዝወስድዎ።

እዚ መራኽብ ብብዝሒ ዝንቀሳቐሳሉ ቦታ፡ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ነብሰ ጾራትን ህጻናትን ዝርከብዎም ስደተኛታት በዚ ቦታ ኣቋሪጾም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽኣትዉ ብብዝሒ ፈተነታት ከምዘካይዱ ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ነዚ ባሕሪ ብንኣሽቱ ጀላቡ ብምቁራጽ ናብ ገማግም ኬንት ከምዝኣተዉ ተገሊጹ ነይሩ።

ንምዃኑ እዞም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምእታው ዕቁባ ዝሓቱ ዘለዉ ስደተኛታት ካበይ ዝመጽኡ’ዮም ምኽንያቶም'ከ እንታይ’ዩ?

ኤርትራ

ዶባዊ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም እያ።

እታ ሃገር 1.5 ሚልዮን ካብ ህዝባ ኣብ ስደት ዝነብር ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝባ ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምንጽጻር ሓደ ሕምሲት ይውክል።

እቲ ቀንዲ ምንኽንያት ስደት ኮይኑ ዝጥቀስ ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግዱድን መወዳእታ ዘይብሉን ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ።

ኣብታ ሃገር ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 50 ዝኾኑ ዜጋታት እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝምልከቶም’ዩ ዝፍለጥ።

ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብሰንኪ ዶባዊ ኵናት፤ ውለቀ መላኺ ኣመራርሓን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ብሕቡራት ሃገራት ንትሽዓተ ዓመታት ተነቢሩ ዝነበረ እገዳን ብኸቢድ ተሃስዩ እዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ክልትኣዊ ምሕዝነትን ምኽታም ውዕል ሰላምን ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጠባዊ ኵነታትን ዋሕዚ ስደትን ከፍኵሶ ትጽቢት ተነቢሩሉ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ንሓጺር እዋን ዝተኸፍተ ዶባት ተመሊሱ ተዓጽዩ።

መንግስቲ ኤርትራ'ውን ሎሚ ዓመት ንዝኽሪ ክልተ ዓመት 'ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን' ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ስምምዕ "ኤርትራ ካብ ውግእን ወረ ውግእን ተገላጊላ ኣብ ሰላማዊ ምህናጽ ከተድህብ ባብ ዘርሃወ ስምምዕ ሰላም" ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ከምቲ ተስፋ ዝተነብረሉ ከም ዘይሰጎመ ግና ኣፍሊጡ።

እቲ ንግዳውን ቁጠባውን ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክልቲአን ሃገራት'ውን ኣይሰጎመን ኢሉ።

የመን

ብኵናት የመን ዝዓነወ ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

የመን ሓንቲ ካብ ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ኮይና ኣብዚ እዋን ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተሸሚማ ዘላ ሃገር’ያ።

እዛ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ ሃገር ክልተ ሃይማኖታዉያን ጉጅለታት እታ ሃገር ኵናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምሩ ኣስታት 10 ዓመት ኣቑጺሮም ኣለዉ።

እቲ ኵናት ሓድሕድ ጎረባብቲ ሃገራት ስለዝተሓወሰኦ ድማ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዓሪጉ ይርከብ።

እዚ ኵናት ሓድሕድ ኣብታ ሃገር ሰፍ ዘይብል ሰብኣዊ ቅልውላው ብምስዓብ ነቲ ህዝቢ ናብ ስደት ንኸምርሕ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ የመን ብጅሃዳውያን ጉጅለታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፤ ብልሽውናን ሽቕለት ኣልቦነትን ተደራሪቡ ነቲ ህዝቢ ናብ ኣደዳ ሕሰም ደርብይዎ ይርከብ።

ጫድ

መስመር ነዳዲ-ኣብ ጫድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጫድ ብመሬት ዝተኸበበት ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኮይና ዝበዝሐ ክፋል መሬታ ምድረ በዳ’ዩ።

መንግስቲ እታ ሃገር ኣንጻሩ ንዝተለዓሉን ንዝቃወምዎን ተጻዋርነት ዘይብሉ መንግስቲ እዩ።

እዛ ሃገር ብወርቅን ዩራኔምን ኣዝያ ሃብታም ኮይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝረኸበቶ ጭቃ ነዳዲ’ውን ንሰደድ ክትልእኽ ጀሚራ’ያ።

እንተኾነ፡ ካብ ፈረንሳ ነጻ ካብ እትወጽእ ኣትሒዛ ዕግርግርን ዘይርግኣትን ዘይተፈለያ ሃገር ኮይና እያ ትርከብ።

እቲ ኣብታ ሃገር ዝልዓል ዝበዝሐ ዘይምርግጋእ ኣብ ሞንጎ እቶም ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝርከቡ ኣስላምን ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ዝርከቡ ክርስተያንን ብዘልዓል ግርጭት እዩ።

ሃገረ ጫድ ትሑት ትሕተ ቅርጺ መጓዝያን ዋሕዲ ቀረብ ናውቲ ህንጻን ከምዘለዋ’ውን ይፍለጥ።

ምስ ጎረባብታ ብምንጽጻር ሃገረ ጫድ ድኽነት ዘስፋሕፋሓላን ማሕበራዊ ኣገልግሎታ ድኹም ዝኮነትን ሃገር’ያ።

ግብጺ

ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እዛ ኣስታት 85 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ግብጺ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝርከባ ሃገራት ጸላዊ ተራ ዘለዋ ሃገር’ያ።

እዛ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኣብ ዓለም ሓደ ካብ ቀንዲ መተሓላላፊ ናይ ንግዲ መራኽብ ዝኾነ ስዊዝ ካናል እትውንን ሃገር እያ።

መንግስቲ እታ ሃገር ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ኣብ ልዕሊ ባህላውን ማሕበራዊ ሜድያን ምቁጽጻር ኣብ ምግባር ይርከብ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝተራኣየ ፖሎቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ንቁጠባ እታ ሃገር ዓቢ ሃስያ እዩ ኣውሪድሉ። ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ተደመሮ ድማ ናብ ዘኸፈአ ደረጃ ወሪዱ ይርከብ።

ምዕቡል ትሕተ ቅርጽን ካብ ቱሪዝም ጽቡቕ እቶት እትረክብ ግብጺ፡ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ እስላማዊ ዑጡቃት ኣብቲ ምስ እስራኤል ዘዳውባ ቦታታትን ኣብ ካልእ ‘ውሑስ’ ዝብሃል ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ በጻሕቲ ሃገርን ቤርጌሳውያን ብተደጋገሚ መጥቃዕቲ ስለዝፍጽሙ ድማ ነታ ሃገር ሰላማ ዘይርጉእ ንኽኸውን ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።

ሱዳን

ሱን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሱዳን ሓንቲ ካብ ወነንቲ ቀይሕ ባሕሪ ኮይና ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት እታ ዝዓበየት እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻር ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ብዝተለዓለ ናዕቢ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝመርሓ ውልቀ መራሒ ካብ ስልጣን ኣልያ ሓዲሽ መንግስቲ ክትተክል ክኢላ እያ።

እንተኾነ፡ ኣብታ ሃገር ሓዲሽ መንግስቲ’ምበር እቲ ሰላምሲ ኣይመጽአን ዘሎ።

ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ደቡብን ሰሜንን ሱዳን ብዝተኻየደ ክልተ እብረ ኵናት ሓድሕድ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ሃሊቑ’ዩ።

ኣብ ሞንጎ ማእከላይ መንግስትን ዞባ ዳርፉርን ዝካየድ ዘሎ ኵናት’ውን ጠንቂ ምምዝባል ኣስታት ክልተ ሚልዮንን ሞት ልዕሊ 200,000 ኮይኑ እዩ።

እታ ሃገር ኣብ 2011 ኣብ ክልተ ተፈልያ፡ ደቡብ ሱዳን ሓዳሽ ሃገር ኮይና ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተመዝጊባ።

ኣብታ ሃገር ማእከላይ ዕድማ ደቂ ሰባት ካብ 63 ክሳብ 66 ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ መብዛሕተአን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ማዕከናት ዜና ብመንግስቲ ዝውነና ወይ’ውን መንግስቲ ምቁጽጻር ዝገብረለን’የን።

ኢራቕ

ዒራቕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

እዛ ኣስታት 37 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ቱርኪ’ያ ትርከብ።

ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ ካብ ኣርእስትታት ዜና ኣይተፈለየትን ዘላ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ብዝለዓል ኵናት፡ ሕንፍሽፍሽ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን’ዩ።

ሃገረ ኢራቕ ብዘለዋ ዑቑር ነዳዲ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት እኳ እንተኾነት፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእን ቁጠባዊ እገዳታትን፡ ቁጠባ እታ ሃገር ሕቑኡ ንኽምሰስ ምኽንያት ካብ ዝኾነ እቶም ቀንዲ’ዮም።