ቅልውላው የመን፡ 85 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Mohammed Awadh/Save the Children
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ኲናት የመን፡ 85 ሽሕ ዝጽግዑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት የመን ብምኽንያት ከቢድ ሕጽረት መግቢ ሞይቶም ኢሉ ሓደ ገባሪ ሰናይ።
ሴቭ ዘችልድረን፡ እዚ ቑጽሪ እዞም ህጻናት፡ ክንድ በዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ብሪጣንያ በርኒንግሃም ከምዝኾነ ይሕብር።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 14 ሚሊዮን የመናውያን ብጥምየት ክጥቅዑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
የመን ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ናብዚ፡ ብሰንኪ ኲናት ዓንያ'ያ። ስዑዲ እትመርሖ ጥምረት ኣንጻር ዕጡቓት ሖቲ ድሕሪ ዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ኣብ የመን ዘሎ ግጭት ብቐጻሊ ክሃድእ ኣይከኣለን።
በዚ፡ 66,800 ንጹሃት ዜጋታት ሞይቶም 10,700 ድማ ቖሲሎም። ካልኦት 22 ሚሊዮን ዜጋታት ድማ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ክረኽቡ ናብ ዘይክእሉሉ ብርኪ ኣብጺሑ። እዚ ድማ 1.2 ሚሊዮን ህዝቢ ግዳይ ሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ) ገይሩ።
ሰራሕተኛታት ሓገዝ ከምዝብልዎ ግን፡ ትካላት ጥዕና እታ ሃገር መሊአን ኣገልግሎት ዘይህባ ብምዃነን፣ ዝበዝሑ ድማ ሕክምና ንምርካብ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም፡ ትኽክለኛ ቑጽሪ ግዳያት ሞት ዝኾኑ ሰባት ምፍላጥ ኣይከኣልን።
ወሰኽ ዋጋ መግብን ምንካይ ዋጋ መተዓዳደጊ ገንዘብ እታ ሃገርን ድማ ብዙሓት ንሕጽረት መግቢ የሳጥሕ ምህላው፡ መድሕን ህይወት ህጻናት (ሴቭ ዘችልድረን) ይገልጽ።
እታ ሃገር ገጢሙዋ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ምፍታሕ እንተዘይተኻኢሉ ድማ በብዓመቱ ካብ 20-30 ሚኢታዊት ህጻናት ክሞቱ'ዮም።
"ህጻናት ብጠያይትን ቦንባን ይሞቱ'ኳ እንተሃለው፡ ብዙሓት ድማ ክትከላኸሎ ብእትኽእል ጥምየት ይሞቱ'ዮም ዘለው" ኢሉ ኣብ የመን ዳይሬክተር እቲ ትካል ታመር ኪሮሎስ።
"ወለዲ ኩሉ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብምዃኑ፡ ደቆም እናርኣዩዎም ይሞቱ"።

ስግኣት ሓንቲ ኣደ
ወዲ 13 ወርሒ ህጻን ኑርሳዲ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ተጠቒዖም ዘለው ህጻናት የመን ከም ዝኾነ ትካል መድሕን ህጻናት።
ኣብ ወርሒ ሰነ ሕክምና ረኺቡ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ግና ዳግም ተጠቒዑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Mohammed Awadh/Save the Children
ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ንሱን ኣዲኡን ኣብ ዝነብርሉ ዝነበረ ከባቢ ዝነበረ ኲናት እናበርተዐ ብምምጽኡ፡ ናብ ዝበለ ሆስፒታል ናብ ዘይረኽብሉ ርሑቕ ከባቢ ክግዕዙ ተገዲዶም።
"ክድቅስ ኣይኽእልን። ዘለሉ ኩነታት ዘሳቕቕ ብምኻኑ ብዛዕባ ወደይ ኣዝዩ'ዩ ዝጨንቀኒ። ኽፉእ ነገር እንተመጺኡ ድማ ምንባር ኣይኽእልን" ኢላ ኣዲኡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







