የመን፡ ውግእ የመን እንደገና ኣብ ወደብ ሁዳይዳህ ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሞንጎ'ቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረትን ተቓወምቲ ሓይልታት ሁቲን መጥቃዕቲ ደው ንምባል'ኳ ኣብ ስምምዕ እንተተበጽሐ፤ ዳግማይ ውግእ ኣብ ከተማ የመን ሁዳይዳህ ከም ዝተጀመረ ተሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ ዝተላዕለ ግጭት፡ ወተሃደራዊ ነፈርቲ እቲ ጥምረታዊ ሓይሊ ቦንባታት ከዝንባ ጀሚረን።
እዚ፡ ሕቡራት መንግስታት፡ ንምጅማር ዘተ ምዝዛም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ግጭት 3 ዓመታት፡ ኣብ ዝዳለውሉ ዘለው እዋን'ዩ።
ብተወሳኺ እዚ ግጭት፡ ኣብ ልዕሊ የመናውያን መቀዘፍትን ብርቱዕ ጥምየትን ከም ዘስዓበ ይፍለጥ።
እቲ ጎንጺ ዝተፈጥረ ጥመረት ሓይልታት፡ ኣብ'ተን ሁቲ ዝቆጻጸረወን ከተማታት ደብዳብ ነፈርቲ ድሕሪ ምክያዶም ምዃኑ እቲ ብ ኤ ኤፍፒ ዝቀረበ ጸብጻብ የረድእ።
ዝሓለፈ ሰሙን ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ሃገራትን ግጭት ሁዳይዳህ ደው ክብል ኣዚዘን ኔረን። እዚ ዝገበርናሉ ምኽንያት ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ዝርርብ ንምድጋፍ እዩ ኢለን።
ልኡኽ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን፤ ማርቲን ግሪፍቲዝ በወገኑ፡ እቲ ናይ ሰላም ዝርርብ ቅድሚ መወዳእታ ናይ'ዚ ዓመት'ዚ ክካየድ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ሓይልታት ሁቲ ነቲ ኣብ'ቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ከም ዘይተረኽቡ ይፍለጥ።
እዚ ግጭት ኣብ 2014 ዝተጀመረ ኮይኑ ካብ 2015 ድማ ናብ ዝኸፍእ ጠርዚ በጺሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







