የመን፡ ወደባዊት ከተማ ሑደይዳ ብጻዕቂ ደብዳብ ትነድድ ኣላ

ብደብዳብ ነፈርቲ ዝሰዓበ ዕንወት፡ የመን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣንጻር የመን ዝዋጋእ ዘሎ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ንወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ምሉእ ንምሉእ ንምቁጽጻር ቀጻሊ መጥቃዕቲ የካይድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ህንጻታትን ትሕተ ቕርጽን እታ ከተማ'ውን ከምዝዓነዉ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተል ዘሎ ኤርትራዊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብታ ከተማ ዝነብሩን ብዝተፈላለየ ንግዳዊ ንጥፈታት ክመሓደሩ ዝጸንሑ ተወለድቲ ዓፈርን ደሴታት ዳህላክን ኤርትራውያን፡ እታ ብደብዳብ ነፈርትን ከቢድ ብረትን እትዓኑ ዘላ ሑደይዳ፡ ናብቲ ዝነበረቶ ደረጃ ንክትምለስ ብሕጂ 50 ዓመታት ከምዘድልያ ብምሕባር፡ እታ ከተማ ምርኣይ ምግጋይ ኮይና ከምዘላ ገሊጾም።

ላዕለዋይ ተጸዋዒት ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ፕረዚደንት ቺለ ነበር ሚቸለ ባቸለት፡ እቲ ኣብ ሑደይዳ ዝካየድ ዘሎ ኩናት "ዘሰቅቕ ህልቂት" እዩ ኢላቶ።

እቲ ኲናት ንህዘቢ የመን ንሞት ህልቂትን ዘቃልዕ ንህጻናትን ኣዴታትን ዝቐዝፍ ሓደገኛ ምዃኑ ክዝረበሉ ጸኒሑ እዩ።

ነቲ ኣብዚ ቐረባ ዕለታት ኣብታ ከተማ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ነፈርትን ከቢድ ብረትን፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ቅልጡፍ ስጉምቲ ብምውሳድ ደው ከብሎ እንተዘይኪኢሉ እቲ ሳዕቤን ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ከምዝኸውን ኣተሓሳሲባ።

እታ ኮሚሽነር፡ እተን ንመንግስቲ ዓብደልመንሱር ሃዲ ዝድግፋ ዘለዋ ሓይልታት ልፍንቲ፡ ስዑድን ኢመሬትን ኮነ ንዐአን ዘዕጥቓ ሃገራትን ከምኡ እውን ንሖታውያን ኣጽዋር ዘስንቓ ሃገራት ደገፈን ከቋርጻ ብምምሕጻን፡ ኩለን እተን ክሰምዓን ከስምዓን ዝኽእላ ሓያላን ሃገራት ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስዳ ኣተሓሳሲባ።

"ከምቲ ብሓደ ኢድካ ከተጣቕዕ ዘይከኣል፡ እቲ ሓደ ወገን ኩናት ከጓሃህር እቲ ካልእ ከኣ ክሕየብ ኣይክእልን እዩ። ኩናት እውን እንተኾነ ክጥሕሶ ዘይግበኦ ዓለማዊ ሕጊ ኣሎ። ኩሎም ተቐናቕንቲ ሓይልታት ብኣህጉራዊ ሕጊ ክግዝኡን ካብ ህልቂትን ጥፍኣትን ሰላማዊ ህዝብን ህጻናትን ክቑጠቡ ኣለዎም" ብምባል፤ ክልቲኦም ወገናት ልፍንታዊ ሓይልታት ኪዳን ስዑድን ዕጡቓት ሖቲን ካብ ዕንወት ክግትኡ ብትሪ ጸዊዓ።

ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ካብ 31 ጥቅምቲ ክሳብ 6 ሕዳር፡ ኣብ ሳዓዳ ሑደይዳን ሰንዓን 110 ናይ ኣየር ደብዳብ ተኻይዱ ኣሎ።

ብድሕሪኡ እውን ብዝተዓጻጸፈ ቀጺሎ ኣሎ።

ነፈርቲ ሓይልታት ልፍንቲ ኣብታ ከተማ ትሒተን ይበራን ይድብድባን ስለዘለዋ፤ ዑጡቓት ሖቲ ከኣ ጸረ ነፈርቲ ሚሳይልን ሞርታራትን ይትኩሱ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ 23 ሲቪል ሞይቶም 445,000 ሰባት ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።

ከምኡ እውን ኣስታት 900 እሱራት ኣብ ዝሓዘ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሞርታር ደብዳብ ብምክያዱ ሓሙሽተ እሱራት ከምእተወቕዑን ናይ ማይን መብራህትን ኣገልግሎት ከምእተቛረጸ መግለጺ ላዕለዋይ ተጸዋዒት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣስታት 29 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሖደይዳ ተቐይዶም ከምዘለውን ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ካልኦት ሓያሎ ዜጋታት ከኣ ብሰንኪ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ይጭነቑ ምህላዎምን ገሊጹ።

ማሕበረ ሰብ ዓለምን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ድማ ቆላሕታ ክገብረሎም ይምሕጸኑ ምህላዎም እሙናት ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እታ ኮሚሽነር፡ እቲ ኩናት ብቕልጡፍ እንተዘይተቛሪጹ ኣስታት 14 ሚልዮን ህዝቢ የመን ንጥሜትን ሞትን ከምዝቃላዕ ብምትሕስሳብ፤ ካብ 26 መጋቢት 2015 ክሳብ 8 ሕዳር 2018 6,872ሲቪል ዝርከቡዎም 17,640 ከምዝሞቱን 10,768 ሰባት ከምዝተጎድኡን ሓቢራ።

እቶም 10,852 ሰባት ብመጥቃዕቲ ኣየርን ከቢድ ብረትን ሓይልታት ልፍንቲ ስዑድን ኢመሬትን ከምዝተጎድኡ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

እዛ ኣብ 1454-55 ሑደይዳ ዝተሰምየት፡ ምስ ምምጻእ ኦቶማን ስሉጥ ወደባዊ ኣገልግሎት ክትህብ ጀሚራ።

ኣብ ቀዳማይ ኩናት ዓለም ስልኪ ኣልቦ መራኸቢ ዝተሃነጸላ፡ ካብ 70-80ታት ኣብ ዝነበረ እዋን መደበር-ባሕሪ፡ ሕብረት ሶቬት ዝነበረት ንእሽቶን ጽብቕትን ከተማ ኣስታት 100 ዝኾኑ ጥንታውን ዘበናውን መሳጊድ ከምዘለውዋ ይፍለጥ።

ሕጂ ግን ኣባይታን ትሕተ ቕርጻን ብኩናት ይዓኑ ምህላው ናይ ዓይኒ መሰኻኽር የረጋግጹ።

ሃገረ የመን ኣብ ታሪኻ ሓያሎ ኩናት ሓድሕድ ኣካይዳ ኣላ። ኣብ ሓደ እዋን ደቡብን ሰሜንን ተባሂላ ብኽልተ መንግስትን ስርዓትን ትመሓደር ነይራ።

ኣብ 1990፡ ደቡብን ሰሜንን ተወሃሂደን፡ ሪፖብሊክ መስሪተን።

ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ከኣ፡ ክሳብ ብ2011 ብጸቕጢ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ንምክትሉ ነበር ፕረዚደንት ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ ስልጣን ኣረኪቡ ዝእለ፡ ከም ፕረዚደንት ኣገልጊሉ።

እንተኾነ ኣብ ምስግጋር እቲ ስልጣን ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ኣብታ ሃገር ቅልውላው ተፈጢሩ። ብሖቲ ዝስመ ኣንጻር ብልሽውና ዝቃለስ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ከኣ ነቲ ፖለቲካዊ ሃጓፍ መሊኡ ስልጣን ተቖጻጺሩ።

እዚ ሓይሊ እዚ ብኢራን ይድገፍ እዩ ስለዝተባህለ ከኣ ስዑድያ እትመርሐን ሃገራት፡ ኪዳን መስሪተን ብ26 መጋቢት 2015 ኣንጻር ዕጡቓት ሖቲ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ከፊቶም ይዋግኡ ኣለው።

እታ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ድኻታት ሃገራት ዓረብ ዝደኸየት የመን፡ ኣብ ሞንጎ እሙናት ደገፍቲ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ መንግሰቲ ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲን፡ ምንቅስቓስ ልፍንታዊ ዕጡቓት ሖቲን ብዝተወለዐ ኲናት ኣብ ከቢድ ቅልውላው ትርከብ።