ጎንጺ የመን፡ ብመላይን ዝቑጸሩ ህጻናት የመን ጠምዮም

ምንጪ ስእሊ, Mohammed Awadh/ Save the Children
ተወሳኺ ካልኦት ሓደ ሚሊዮን ህጻናት የመን ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዩዎም ኣሎ ኢሉ ምድሓን ህይወት ህጻናት።
ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎንጺ ዝተፈጠረ ምኽባር ዋጋ መግብን፡ ምንካይ ዋጋ መተዓዳደጊ ገንዘብ እታ ሃገርን፡ ጸገም ቐረብ መግቢ ክስዕብ ከመዝገበሩ ይግለጽ።
ካብዚ ሓሊፉ ግና፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሁዳይዳህ ዘሎ ጎንጺ ካልእ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ኤጀንሲ ምድሓን ህይወት ህጻናት ከምዝበሎ ድማ፡ 5.2 ሚሊየን ህጻናት የመን ጠምዮም ኣለዉ።
"ብምልዮን ዝቑጸሩ ህጻናት ብግቡእ ክረኽቡዎ ዝግብኦም መግቢ ካበይን መዓዝን ከምዝመጽእ ኣይፈልጡን" ኢሉ ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ ትካል ሄሌ ትሮኒንግ ስቸሚድ።
"ኣብ ሓደ ሆስፒታል የመን ዝረኸብኹዎም ህጻናት ክበኽዩ'ዉን ዓቕሚ የብሎምን። ሰብነቶም ብጥምየት ማሲኑ'ዩ"።
"እዚ ኵናት፡ ብምኽንያት ጥምየትን ምክልኻል ዝከኣሉ ሕማማትን ንወለዶ እታ ሃገር ተደራራቢ ስግኣታት የይፈጥር'ዩ ዘሎ' ኢሉ።
ቅድሚ ወርሒ እቲ ትካል፡ ከባቢ 400 ሽሕ ህጻናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዘጥቕዖምን፡ እቶም 36 ሽሕ እዚ ዓመት ኸይተወድአ ክሞቱ ከምዝኽእሉን ገሊጹ ነይሩ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



