ኢትዮጵያዊ ኣሰልጣኒ፡ ንሃገራዊት ጋንታ የመን ናብ ዋንጫ ኤስያ ኣብቂዑዋ

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Alkass
ብዂናት ትሕመስ ዘላ የመን ናብቲ ኣብ 2019 ሕቡራት ዓረብ ኢመሬትስ እተእንግዶ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ኤስያ ሓሊፋ።
የመን ብኢትዮጵያዊ ኣሰልጣኒ ኣብርሃም መብራቱ ተመሪሓ ናብቲ ውድድር ክትሓልፍ ኣብ ታሪኻ ንመጀመርታ ግዜኣ እዩ።
እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ቀጠር-ዶውሓ ንዝገጠመታ ጋንታ ኔፓል ብምስዓር'ያ ናብቲ ዋንጫ ዝሓለፈት። ኣብ መፃረይ ውድድራት'ውን ፅቡቕ ውፅኢት እናመዝገበት መፂኣ'ያ።
"ነዛ ሃገራዊት ጋንታ እናሰልጠንኩ ናብ ዋንጫ እስያ ብምሕላፍና ሕጉስ'የ" ዝበለ ኣሰልጣኒ ኣብርሃም ተጻወትቱ ንፈተንቲ ኩነታት በዲሆም ናብዚ ከምዝበቕዑ ሓቢሩ።
ቅድም ክብል ንሃገራዊት ጋንታ የመን ትሕቲ 23 ዓመት ዘሰልጠነ ኣብርሃም ኣብ ኲናት ንዘላ የመን ዓብዪ ዓወት ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
"ብሰንኪ'ቲ ኣብ የመን ዘሎ ኲናት ካብ 2014 ጀሚሩ ዝኾነ ዓይነት ውድድር ሊጋት ኣይካየድን ዘሎ። ኣብ ሜዳና ክነካይዶም ዝግብኡ ፀዋታት ናብ ካልኦት ሃገራት እናኸድና ኢና ኣካይድናዮም" ኢሉ።
ኣሰልጣኒ ኣብርሃም ካብ መፋርቕ 1990ታት ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያን ናይ ኣሰልጣንነት ተሞክሮኡ እናዓበየ መፂኡ። ኣብ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ቴክኒካል ዳይሬክተር ኮይኑ ካብ ምግልጋሉ ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ካፍ ንዝወሃብ ስልጠና ንኢትዮጵያውያን ዳያኑ ብምስልጣን ይፍለጥ።
ኢትዮጵያዊ ኣሰልጣኒ ንናይ ደገ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ንዓብዪ ውድድር ከሰልጥን ከሎ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







