ኤርትራ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዓይኒ ደቂ ኣንስትዮ

ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gmeskel/Twitter

ኣብ ብዙሕ ጸብጻባት ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጾታዊ ግህሰትን ዓመጽን ደቀንስትዮ ርኡይ ምዃኑ ይግለጽ እዩ።

ግን ጾታዊ ግህሰትን ዓመጽን ማለት እንታይ ማለት እዩ?

ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ተቓሊሰን ማዕርነተን ኣረጋጊጸን፤ ተኣምር ሰሪሐን እየን።

ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ብመሪር ቃልስን መስዋእትን ንዝተረጋገጸት ልዑላዊት ሃገር ክዕቅባን ከወቅባን፡ ከም ዓበይቲ ኣሓተን ማዕርነተን ብተሳታፍነተን ንኸረጋግጻ ሕድሪ ሰማእታተን ተቐቢለን ንሳዋ ወሪደን - ኣብ ሃገራዊ ድሕነትን ህንጸትን ሃገርን እጃመን ኣበርኪተን።

ኣብ ምዝገባ መንነትን መስርሕ ረፈረንደምን ሃገራዊ ኣገልግሎታ ፈጺማ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክትወስድ ንሳዋ ዝወረደት ኣባል ቀዳማይ ዙርያ ሰናይት ተስፋይ፡ ዋላ እውን ኣብቲ ኣቐዲማ ዝፈጸመቶ ኣገልግሎት ምስ ብጾታን መሳርሕታን ክሳብ ርሑቕ ገጠራት ትጓዓዝ እንተነበረት፡ እቲ ምሕደራን ኣልያን ይኹን ሕጽረት መሰረታዊ ጠለባት ቀረብ ሳዋ፡ ካብ ትጽቢታ ንታሕቲ ምንባሩ ትዛረብ።

"ንሳዋ ከንነቅል እንከለኹ ተጋደልቲ ኣሕዋተይ፡ ታዕሊም በዳሂ ምዃኑን ስነ-አእሙራዊ ምቅርራብ እንተዘይገይረ ክኸብደኒ ከም ዝኽእልን መኺሮሙኒ'ኳ እንተነበሩ፡ እቲ ዘጋጠመና ግን ካብቲ ኣብ ሓሳበይ ዝነበረ ኣዝዩ ርሑቕ'ዩ ነይሩ" ብምባል ንዝተሰመዓ ምረት ትገልጽ።

ኣብ ዝኾነ ሃገር፡ ብወተሃደራዊ ዕስክርና -ብሃገራዊ ኣገልግሎት ይኹን ብምዱብ ሰራዊትነት ዝሓልፍ መንእሰይ፡ ኣብ መስርሕ ከጋጥም ንዝኽእል ብደሆታት ብብቕዓት መታን ክገጥሞ ብጸቢብ መገዲ ክሓልፍ፡ ብጽኑዕ ድሲፒሊን ክቕየድ፡ ግድን እዩ።

ስለ ዝኾነ ታዕሊም ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣተሓሕዛኡን ጽንኩር ዝኾነሉ ምኽንያት ካብዚ ዓለማዊ ወተሃደራዊ ክውንነት ዝነቐለ ክኸውን ዝኽእል ይብል ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ወሲዱ ዓላሚ ዝነበረ መሓሪ ክብሮም።

ኣባል ራብዓይ ዙር ሃገራዊ ኣግልግሎት ዮዲት በኹረጽየን

ምንጪ ስእሊ, YODIT

መግለጺ ስእሊ, ኣባል ራብዓይ ዙር ሃገራዊ ኣግልግሎት ዮዲት በኹረጽየን

ኣባል ራብዓይ ዙርያ ዮዲት በኹረጽየን ምስ መሰልታ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንሳዋ ክትከይድ እንከላ፡ ብመጠኑ እውን እንተኾነ ብዛዕባ ሳዋ ደሃይ ነይሩዋ።

ኣብ ሃገራዊ ቓልሲ ውፉይ ሓፋሽ ውድባት ነበር ወላዲኣ፡ ንሳዋ ክትወርድ እንከላ ጽብቕቲ ደያሪ ገዚኡ፡ ካብታ እትብገሰላ እዋን ኣትሒዛ ንኹሉ ዘጋጥማ ነገራት ብዝርዝር ክትጽሕፎን ክትስንዶን መኺሩ ኣተባቢዑ እዩ ኣፋንዩዋ።

ንሳ ግን ነቲ ዘይተርፍ ሃገራዊ ግቡኣ ፈጺማ ካብኡ ንደሓር ናብ ውልቃዊ ህይወታ ናብ ስርሓን ትምህርታን ክትከይድ ብምድላይ፡ ነቲ " ዘይተርፍ ዕዳ!" ዝበለቶ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትፍጽም ንሳዋ ወሪዳ።

ሒዙወን ዝኸደ መራሕ ኣውቶቡስ "ንዓና ኣብጺሑ ቀልጢፉ ናብ ካልእ ስርሑ ግዲ ክምለስ ደልዩ ኮይኑ" ትብል ንሳ፡ ኣብ ጥውይዋይ ኣጻድፍ መገዲ ከረን ከም ኣብ ጎላጉል ብፍጥነት እናተሓምበበ ኣስታት ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ንሳዋ ስለ ዘእተወን ከቢድ ድኻም ከም ዝነበረን ትዝክር።

ናብቲ ቀንዲ መዓስከር ቅድሚ ምእታወን ንዝደኸመ ኣስታት ፍርቂ ሰዓት ጉዕዞ ኣብ ዝወስድ ርሕቀት ኣራጊፎም ሰሳንጥአን ተሰኪመን ብእግሪ ክጓዓዛ ምስ ሓበሩወን ሰምቢደን።

እቲ እዋን ፍርቂ ለይትን ጸልማትን ስለ ዝነበረ ኩሉ ነገር ከቢዱወን ሳናጡአን ደርብየን ከም ዝተጓዕዛን ብዘይ መንጸፍን ክዳንን ከም ዝሓደራ ትዝክር። ንጽባሒቱ ኩለን እተን ሳንጥአን ደርብየን ዝመጽኣ ከም እተቐጽዓ እውን ትዝክር።

እቶም ኣለይትን ዓለምትን ኣብታ መጀመርታ ንሳዋ እግረን ዝረገጻላ መዓልቲ ብመቕጻዕትን ታህዲድን ስለ ዝተቐበሉወን ከኣ "ኣብ ዘይፈልጦ ገሃነመ እሳት ዝኣተኹ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ" ትብል።

ታዕሊም ምስ ጀመራ ግን በብቑሩብ ነቲ ኩነታት እናተለማመደቶ ከይዳ። ኣብ መበል 19 ዙርያ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝወረደት መኣዛ እውን ተመሳሳሊ ዝኽሪ እዩ ዘለዋ።

ንትሕተ ቕርጺ ሳዋ ብዝምልከት ካብቲ ቀዳሞት ዙርያታት ዘማርርሉ ተመሓይሹ ስለ ዝጸንሐ ተቐቢላቶ እያ። ነቲ ኣተሓሕዛን ኣልያን ከኣ ወተሃደራዊ ታዕሊም ስለ ዝኾነ ንዝኾነ ጽንኩር ክትዳሎ ካብ ሰለስተ ተጋደልቲ አሕዋታ ስለ ዝተመኽረት ኣይተማረረትን - ንዘጋጠማ ኩሉ ተቐቢላቶ እያ።

ታዕሊማ ወዲኣ ኣብ ሰራዊት ምስተወዘዐት ግን ኣብ ልዕሊ ሓደ - ሓደ ደቀንስትዮ ዝነበረ ኣተሓሕዛን ወጽዓን ይስማዓ ምንባሩ ትገልጽ።

ነቲ ብዝተፈላለያ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራትን ትካላትን "ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝርከባ ደቀንስትዮ ጾታዎ ዓመጽን ግህሰትን የጋጥም እዩ" ንዝብል ጸብጻብ፡

"ኣብ ክንዲ እተን ኣጋጢሙና ዝብላ ደቀንስትዮ ኮይነ፡ ዓመጽን ግህሰትን ኣይነበረን ክብል ኣይክእልን እየ። ኣነ ግን ኣይረኣኹን ኣየጋጠመንን ከኣ" ትብል።

ዮዲት እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዋ። "ኣነ ጥራሕ ዘይኮንኩ አሕዋተይ አውን ኣገልጊለን እየን እሞ፡ ብሓይሊ ተደፊርናን ተዓሚጽናን ዝብላ ግን ኣየጋጠማንን፡ ኣነ እውን ኣይረኣኹን። ግን ከኣ ስለዘይረኣኹ ኣይነበረን ክብል ኣይደፍርን እየ" ትብል ኣብ ስደት ምስ ወጽአት ግን ሓያሎ ደቀንስትዮ ተዓሚጽና ክብላ ከም ዝሰምዐት ትዛረብ።

ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት

እቲ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጾታዊ ዓመጽ ተባሂሉ ዝግለጽ ነገር ብኸመይ እዩ ዝዝርዘር? ፕሮፌሰር ገይም ክብረኣብ መግለጺ ኣለዎ። ጾታዊ ዓመት ንጾታዊ ድፍረትን ግህሰትን ጥራሕ ኣይኮነን ዝገልጽ።

ንምጽራፍ፡ ንምንሻው፡ ንምፍርራሕ፡ ብምድላል፡ ብምትላል፡ ወዘተ ወዘተ እዩ ዝሓቁፍ" ብምባል ነቲ ንብዙሓት ዝመስለና ጾታዊ ድፍረት ጥራሕ ከምዘይኮነ የረድእ።

ዮዲት፡ ሰናይት፡ ትኹን መኣዛ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ፡ ከቢድ ብደሆን ፈተነን እኳ እንተነበሮ፡ ፍቕሪ ስራሕ፡ ተጻዋርነት፡ ሓቢርካ ምንባር ምክእኣል ከም ዘምሃረን ይኣምና።

ዮዲት፡ "ቅድሚ ንሳዋ ምኻደይ ባዕለይ ዘትረፍኩዎ መግቢ ዘይበልዕ ኣዝየ ጸያን፡ ምስ ሰባት ዘይቀርብ ሓፋር እየ ነይረ። ሳዋ ግን ምስ ሰባት ተኸኣኢልካን ተኸባቢርካን ስለዘምሃረና እዚ ናይ ሕጂ መንነተይ ካብኡ እየ ረኺበዮ" ትብል።

ሰናይት እውን ኣብ ሳዋ ዘጥረየቶም አዕሩኽ ኣወዳትን ኣዋልድን ክሳብ ሕጂ ናይ ቀረባ ስድረኣ ኮይኖም ምህላዎም ትሕብር።