ፕሮፌሰር ዓወት፡ "ዜጋታት ሒዝካ ኢኻ ሃገር ተውሕስ"

ንብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ፤ ህልው ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ኤርትራ፡ እዛ ሃገር ናበይ ገጻ እያ ዘብል ሕቶ ክፈጥር ይኽእል ይኸውን።
እዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ "ጽላሎት እቲ ናይ ቀደም ምስላ እያ" ክብል ንዝገልጽ ምሁር ታሪኽን ተንታኒ ፖለቲካ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል ግን፤ ኤርትራ ከመይ ነይራ? እንታይ ትኸውን ኣላ? ዝብሉ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ምርኣይ እኹል'ዩ እዩ።
"ቅድሚ 28 ዓመት ዓብዪ ፍናን ዝነበሮ፡ ብመስዋእቱ ሕፍርቲ ሃገር ዝወነነ ህዝቢ፡ ኣብዚ እዋን ነቲ ሓራ ዘውጽኣን ሓርነታ ዘውሓሰን'ውን ከይተረፈ ክትከውን ኣይከኣለትን። ካብዚ ዝኸፍእ ውድቀት ድማ የለን" ክብል ይገልጻ ዓወት ንዋሕዚ ስደት መንእሰያት ምኽንያት ብምግባር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ከም ዘጓነፋ ዝዛረብ ፕሮፌሰር ዓወት፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ስደት ዘሎ ዜጋ ተዳኺሙ፡ እታ ሃገር ተረሚሳ፣ ጽቡቕ ሓሳብ ኣምጺኡ ከተግብር ዘይክእል መንግስቲ ዘለዋ ሃገር ኮይና ተሪፋ፡ ከኣ ይብል።
ናይ ሎሚ ኤርትራ በቲ ግኡዝ ቅዋማ ብዶብን ሽምን እያ ዘላ ዝብል ዓወት " እቲ ንኤርትራ ኤርትራ ዝገብራ ክብርታት ተሸራሪፉ'ዩ። እዚ መንግስቲ ከኣ ነቲ ክብርታት ክመልስ እኹል ዓቕምን ውክልናን የብሉን" ይብል።
ሓሓሊፉ 'ግዱድ ዕስክርና' እናተባህለ ዝግለጽ፡ ዝተናውሐ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ነቲ ሕጂ ኤርትራ ኸሲራቶ ዝበሃል ዕድላት ሓደ ምኽንያት ምኻኑ ዝዛረቡ ውሑዳት ኣይኮኑን።
እዛ ኣብ ተሃዋሲ ዞባ ብዓበይቲ ሃገራት ተኸቢባ እትርከብ ኤርትራ፡ ናጽነታ ብዕጥቃዊ ቃልሲ እንትተረጋግጽ፡ ውሑድ ህዝብን ንኡስ ቁጠባን እዩ ዘለዋ።
ብምኻኑ ድማ፡ ሃገራዊ ጸጥታኣን ቁጠባዊ ዓቕማን ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዜጋታት ከተውሕሶ ግቡእ'ዩ ብምባል ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝቕበሉዎ'ኳ እንተሃለው፡ ኣብ ኣልያን ምሕደራን ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘሎ ክፍተት ግን ኩለንትናዊ ቅልውላው ኣስዒቡላ ይርከብ።
ፕሮፌሰር ዓወት፡ "እዛ ድሕሪ ነዊሕ ኲናትን ዕንወትን ሓራ ዝኾነት ሃገር፡ ንዝርካቡ ዓቕሚ ሰባ ነቲ ማንታ ስርሓት ዳግመ ህንጻን ምክልኻል ብቑዕ ክትጥቀመሉ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ጸገም [ሕቶ] ኣብ ኣተገባብራ'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gmeskel/Twitter
መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ እቶም ኣውሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ዝነበሩ ስርዓታት ኣመሪካን ኤውሮጳን፡ እቲ ንምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ምኽንያት ዝኾነ፡ ሕንገዳ 'ስርዓት ወያነ' ንትግባረ ብይን ኮሚሽን ዶባት፡ ንምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት እናመኽነዩ ንመንግስቲ ኤርትራ ጸለሎ ክቐብኡ ክፍትኑ ክሓፍሩ ምተገበኦም ዝብል ምጉት እዩ ዘቐምጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ 25 ዓመታት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ክሳብ 4ይ ዙርያ ዝነበሩ ኣባላት ጥራሕ'ዮም እተን ናይ 18 ኣዋርሕ ኣገልግሎቶም ምስ ዛዘሙ ዝተጣየሱ፤ ንሳቶም እውን ዳሕራይ ተጸዊዖም እዮም።
ኣብ ሓሙሻይ ዙርያ ኩናት ዶባት ስለ ዘጋጠመን፡ ብድሕሪኡ፡ 'ስርዓት ወያነ' ንብይን ኮሚሽን ዶባት ምትግባር ስለ ዝኣበየን ወጥሪ ዶባት ስዒቡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተናዊሑ፡ ዜጋታት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ከገልግሉ ተገዲዶም።
ኤርትራ ንዓቕሚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ተዋጋኣይ ሓይሊ ጥራሕ ስለ ዝሓዘቶ ብዝግባእ ክትጥቀመሉ ኣይክኣለትን። እዚ ከኣ ሓደ ዓብዪ ባኽኖት'ዩ ዝብል ፕሮፌሰር ዓወት፡ "ሕጂ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዳስ ሓውያ እዩ ኮይኑ፤ ዝኣቱ እምበር ወዲኡ ዝወጽእ ዳርጋ የለን" ክብል ይገልጾ።
ይኹን እምበር ሰበ ስልጣን ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብጉዳይ ንውሓት ሃገራዊ ኣገልግሎት እናኽሕተቱ፡ "ኣብ ክንዲ ንዓና ምንቃፍ፡ ቅድሚ ዝኣገረ እቶም ንውዕል ኣልጀርስ ዘውሓሱ ስርዓታት ነቲ ንወጥሪ ዶባት ክፈትሑዎ ክተብዑ ኣለዎም" ዝብል መልሲ እዮም ዝህቡ።
"ብግቡእ ተታሒዙ ነይሩ እንተዝኸውን . . . . . ."
ብዓይኒ ሙሁር ታሪኽ ፕሮፌሰር ዓወት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰያት ኤርትራ፡ መበቆሎም፣ ትውልዶም፣ ደረጃ ትምህርቶምን ኣተሓሳስብኦምን ብዘየገድስ፡ ምስ ሓድሕዶምን ሃገሮምን ክላለዩ ዘኽኣለ ባይታ'ዩ።
"ብጉዕዞ እግሪ ሃገርካ ትላለ [ከቢድ'ዩ]፣ ተጻዋርነት፣ ሓቦ፣ ሓባራዊ ስራሕ ዝኣመሰለ ክብርታት ተዕቢ፤ ልዕሊ ኹሉ ሃገራውነት ይደልድል። ብግቡእ ተታሒዙ ነይሩ እንተዝኸውን ከኣ እዚ ጸጋ'ዚ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን" ይብል።
ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንሃገሮም ን12 ኣዋርሕ ብነጻ ከገልግሉ እንከለው ቀሊል ኣበርክቶ ኣይኮነን ዝብል እዚ ሙሁር፡ ልዕሊኡ ግን እቲ ኣብ ነብሲ ወከፍ መንእሰይ ዝሰረጸ ሃገራዊ ፍቕርን ወንን እዩ ዝዓዘዘ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gmeskel/ Twitter
ኣብ ምክልኻል ሃገር'ውን እንተኾነ ኣብ ኲናት ዶባት ልዑላውነቶም ንምኽባር ብጅግንነት ተወፍዮም ተሰዊኦምን ኣብ ምህናጽ ሃገር ልዑል ኣበርክቶ ገይሮምን እዮም።
እቲ ምሕደራ ጽፉፍን ውርጹጽን እንተዝነብርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብስርዓትን ብመንፈስ እቲ ኣዋጅን እንተዝተሓዝ እቲ ኣበርክቶ ካልእ ምኾነ ብምባል ከም ፖሊሲ ዝንቀፍ ንድፊ ከም ዘይኮነ ይሕብር።
"ብዛዕባ ንህላወ ሃገር ዘውሓሰ ወለዶ ኢና ንዛረብ ዘለና" ዝብል ፕሮፌሰር ዓወት፡ እቲ ቑጠባዊ ወይ ትሕተ ቕርጻዊ ስራሕቱ'ውን ብዝግባእ ተጸኒዑ ኣብቲ ኣዝዩ ኣድማዒ ዝተብሃለ ጽላታት ቑጠባ እንተዝዋፈር ሲቪላዊ ኣገልግሎት ብተዓጻጻፊ ጎሊሑ ምተራእየ ይብል።
"ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተሰርሑ ጽርጊያታት፣ ዲጋታት ድዩ ዛላታት፡ ብቐሊል ዝርአ ዓቕሚ ሰብ ኣይፈሰሶን። ግቡእ ምርምርን መጽናዕትን ስለ ዘይተገበረሎም ግን፡ ዘይተኣደነ ዓቕሚ ሰብን ንዋትን ባኺኑ። ብኻልእ ገጽ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣሎ'ዩ"።
ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብሕንጋደ ትግባረ ብይን ኮሚሽን ዶባት መንግስቲ አትዮጵያ ዝተናውሐ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ምኽንያት ስደት መናእሰይን ምብዛሕ ናይ ውሽጥን ደገን ተቓውሞታት ኣኸቲሉ። እቲ ዝነበረ ጽቡቕ ድልየትን ድልውነትን ዜጋታት ከኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ወዲቑ።
እቲ ንምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዋህበ ምኽንያት ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ መንእሰያት ስለ ዘየዕገበ መንእሰይ ዘዝኽእሎ ምስ ገበረ ገገዲፉዎ ንህይወቱ ከድሕን፣ ንስድራ ቤቱን መጻኢኡን ከውሕስ ውልቃዊ ስጉምታት ክወስድ ከም ዝተገደደ እቲ ምሁር ይሕብር።
"ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣላ፡ ምስተባህለን ኣብ ሓደጋ ከም ምስ ተኣመነሉን መንእሰይ ተበገስ ከይተብሃለ እዩ ተበጊሱ። ሕጂ ምዝመዛ፣ ጭፍለቓ፣ መሰል ኣልቦነትን ምጥሓስ ሕግን ምስ በዝሖ'ዩ ግን ናይ ውልቂ ውሳነ ክውስን ተገዲዱ ይስደድ ኣሎ" ይብል ዓወት።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን፡ ንኤርትራ ንምድኻም ብዝተራቐቐ መደብ መንእሰያት ኤርትራ ሃገሮም ገዲፎም ከም ዝስደዱ ከም ዘተባብዕ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ።
ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዓብዪ ማሕበራዊ ቅልውላው ኮይኑስ ኣቦን ኣደን ብሓባር ውላዶም ከዕብዩ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ በጺሑ። ሽማግለታት ወለዲ ብጾር ደቆምን ደቂ ደቆምን ይሽገሩ ኣለው።
እቲ ጽቡቕ ድልየትን ሃገራውነትን ዜጋታት ኣብቲ ዝግበኦ መዓላ ስለ ዘይወዓለን በንጻሩ ሰብኣዊ መሰላቱ ስለዝተጋህሰን ማሕበራዊ ኣፋትል ውህደትን ክብርታትን ሕብረተሰብ ይዝርዘርን ይበታተኽን ኣሎ ይብል ፕሮፌሰር ዓወት።
ኣብዚ እዋን እዚ ግን ኣባለት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥራሕ ኣይኮኑን ሃገር ገዲፎም ዝስደዱ ዘለው፡ ዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያንን ከይተረፈ እውን እዮም ዝስደዱ ዘለው። ነዚኦም ከኣ መንግስቲ፡ "ሃደምቲ፣ ፈረሓት፣ ተምበርከኽቲ፣ ከድዓት እናበለ የናሽዎም። እዚ፡ መርኣያ ናይዚ ዘሎ ቅልውላው'ዩ" ይብል ዓወት።
ኤርትራ ድሕሪ ውዕል ሰላም
መስከረም 2018 ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግም ምስተኸፍተ፡ ወጥሪ 20 ዓመት ዘሊቑ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ምስ ፈተውቶም ተራኺቦም።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ከባቢ 12 ሚኢታዊት ዜጋታት ኤርትራ፡ ውሕስነት ብዘይብሉ ዶባትን መስመር ስደትን ጾታዊ ዓመጽን ጭውያን እናጋጠሞም እዮም ብጎረባብቲ ሃገራት ኣቢሎም ብኢትዮጵያን ሱዳንን ኣቢሎም ናብ እስራኤል፡ ኤውሮጳን ሃገራት ዓረብን ክሰደዱ ከም ዝጸንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እንተኾነ ድሕሪ ምኽፋት ዶባት እውን መጠን ስደት ከምዝወሰኸ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ካብ ጽባሕ ምኽፋት ዶብ ክሳብ 02 ጥቅምቲ 2018 ጥራሕ 10 ሽሕ ሰባት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gmeskel/Twitter
ህዝቢ ግን ምስ ምኽፋት ዶባትን ዕርቀ ሰላምን ካልእ ለውጥን ምምሕያሽን እዩ ተጸብዩ ነይሩ።
"እቲ ኣብ 2002 ዓለማዊ ውሳነ ዝተገበረሉ ዶብ ኣሎ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተሓንጸጸን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ተባሂሉ ዝተመስከረሉ ገና ኣይወጽአን፣ ሰራዊት ኤርትራ እውን ገና ኣይተጣየሰን። ብኣንጻሩ ኣገልግሎት ይቕጽል ኣሎ፤ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ግብራዊ ይኹን ዓይነታዊ ለውጢ የለን" ዝበለ ፕሮፌሰር ዓወት ክሳብ ድሕሪ ዶባዊ ኲናት ተኸቲሉ ዝሰዓበ ምምዝባል ህዝቢ ሕጂ'ውን ከም ዘይተቐየረ ይዛረብ።
"ብሕጂ ኣብ ኤርትራ ናይ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ለውጢ የድሊ'ዩ" ዝብል ዓወት እቲ ናብ ስደት ዝቐንዐ ኣተሓሳስባ ክግታእ ከምዘለዎ ይመክር፤ ግን ብኸመይ?
"ካባይ ጀሚርካ፡ ካብቲ ክንቃለሰሉ፣ መሰልና ከነረጋግጸሉ ዝግባኣና ባይታ ኣግሊልና ካብታ ሃገር ሃዲምና ኢና ዘለና። ከም ውጽኢቱ ከኣ እቶም ካባና ዝንእሱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣሰርና ተኸቲሎም ካብ ሃገር ይወጽኡ ኣለው። እዚ ከኣ ሕበረተሰባዊ ሕማም ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ብዓቕምና፡ ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ ተግባራት ክንገትኦ ክንክል ኣለና"።
መንግስቲ'ውን ኣተሓሳስቡ ክቕይር ኣለዎ ዝብል ምሁር ታሪኽ ፕሮፌሰር ዓወት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝወድኡ ዜጋታት ክፋነዉ ኣለዎም ጥራሕ ዘይኮነ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ልዕሊ ዝግበኦ ዘገልገለ፡ ሕጊ ብዝጠልቦ ናይቲ ዝያዳ ዘገልገሎ ክከሓስ ከምዝግባእ ይገልጽ።
"ዜጋታት ሒዝካ ኢኻ ሃገር ተውሕስ እምበር፡ ሃገር ሒዝካ ኣይኮንካን ዜጋታት ተውሕስ። ስለዚ መንግስቲ፡ ቀደምትነታቱ ኣብቲ ንሃገር ሃገር ዝገብራ ሰብ ከተኩር ይግባእ ። ሽዑ እቲ ህዝቢ ነታ ሃገር ከውሕሳ እዩ"።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







