ቅልውላው ትግራይ፡ እዚ ግጭት ብኸመይ እዩ ሰላም ጎረባብቲ ክዘርግ ዝኽእል?

ቅልውላው ትግራይ

እዚ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት፡ መጻኢ ዕብየት እታ ሃገር ክዕንቅፍን ሰላም ጎረባብቲ ክዘርግ ይኽእል እዩ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጎተረስ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ኣብ ምህዳህ፡ ''ርግኣት ኢትዮጵያ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ኵናት ኣብታ ልዕሊ 110 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋን ከምኡ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ቁጠባ እትውንን ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ሰፊሕ ጽልዋ ኣሎዎ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ፈደራል፡ ምስቲ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት ኣጋጢሙዎ ዘሎ ኵናት ብዲፖሎማስያዊ ዘተ ንክፍታሕ ዝቐርብ ዘሎ ምሕጽንታ ነጺጉ፡ "ውሽጣዊ ጉዳይ'ዩ" ብምባል መጥቃዕቲ ከፊቱ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፡ ነቲ ዘሎ ኩናት "ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ'ዩ'' ብምባል፡ ናይ ኢትዮጵያ ቁዋማዊ ስርዓት ንምዕናው ዝሕልኑ "ኣንጻር ውሑድ ጉጅለ" ዝግበር ቃልሲ ምዃኑ ይገልጾ።

እቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ውጽኢት ናይ ነዊሕ እዋን ኣብ ምትፍናን ዝነበሩ ህወሓትን ፈደራል መንግስትን እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንሱዳን ይሰግሩ ከምዘለውን፡ እዚ ድማ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ዘርኢ ምልክት እዩ።

ቅልውላው ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

''እቲ ጽልዋ ዓቢ'ዩ''

ተንታኒ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ራሺድ ኣብዲ "እቲ ኩናት ድሮ ዞባዊ" ኮይኑ'ዩ ክብል ይዛረብ።

"ሱዳናውያን ኣቲዮም እዮም። ኣብ ገለ እዋን ድማ ገለ ሃገራት ካብቲ ዞባን ክንኒኡን ክጽንበራ እየን። ምኽንያቱ፡ እቲ ዞባ ስትራተጂካዊ ብምዃኑ ጽልውኡ ዓቢ ክኸውን'ዩ"

ንሱ፡ እታ ምስ ክልል ትግራይ ነዊሕ ዶብ ዘለዋ ሃገረ ኤርትራ ኣብቲ ኵናት ክትኣቱ ከምእትኽእል ይዛረብ።

ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ምስ ህወሓት ድኹም ዝምድና እዩ ነይርዋ። ፕረዚደንት ኢሰይያስ ጉዳዩ ንምዕራፍ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓያል ዝምድና መስሪቱ ይርከብ።

ሰሜናዊ ትግራይ ዶብ ሰጊርካ መጥቃዕቲ እንተጀሚሩ፡ ሓዲሽ ወተሃደራዊ ስልቲ ከምዝኽፈት ዘጠራጥር የብሉን። እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ቅልውላው ኢድ ከምዘይብሎም ገሊጾም ኣለው።

መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ፡ ቆላሕትኡ ኣብ ትግራይ እንተገይሩ፡ ነቲ ኣብ ሶማልያ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝግበር ቃልሲ'ውን ኣብ ሓደጋ ከውርዶን ናቱ ምትሕግጋዝ'ውን ክዳኸም ይኽእል እዩ።

ኢትዮጵያ ድሮ ከባቢ 600 ዝኾኑ ወተሃደራታ ካብ ምዕራባዊ ዶባት ሶማልያ ስሒባቶም። እቶም ወተሃደራት ግን ምስቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ርክብ ዝነበሮም ኣይኮኑን።

"እቲ ኩነታት እንድሕሪ እናኸፈኣ ከይዱ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ካብቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣሚሶን ክስሕብ ክግደድ እዩ። እዚ ድማ ዓቢ ጸገም ክኸውን እዩ። ጉጅለ ኣልሸባብ ክዓብን ክተኣኻኸብን ዕድል ክረከብ'ዩ" ይብል ተንታኒ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ራሺድ ኣብዲ።

ዓለምለኻዊ ጉጅለ ክራይስስ ግሩብ፡ እዚ ኵናት ብህጹጽ ጠጠው እንተዘይኢሉ፡ ''ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዕናዊ ክኸውን'ዩ'' ክብል ኣጠንቂቑ።

ቁጽሮም ብርክት ዘበሉ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ይሰግሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዳእታ ናይ ኢትዮጵያ ብሄረ-ብሄረ ሰባት

ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ይጸንበሩ ኣይጸንበሩ ብዘይገድስ፡ እቲ ኵናት ንኢትዮጵያ ከም ሃገር ከዳኽማ ከምዝኽእልን ዞባዊ ሃሳዩ ዝኾነ ሳዕቤናት ከምዝህልዎ ተንተንቲ ፖሎቲካ ይዛረቡ።

ካልኦት ብሄራዊ ጉጅለታት ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ክቃለሱ'ውን ትብዓት ክህቦም ከምዝኽእል ይጠቕሱ።

ኣብዲ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ''እቲ ክልል ብቐንዱ ካብ ማእከል እናረሓቐ ክኸይድን፡ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ጽኑዕ ስጉምቲ ክወስደሉ ኣብ ዘይክእል ድኹም ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ" ይብል።

ሓላፊ ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሩ ትካል ማዕከን ክኢላታት ዝኾነ ሓሰን ካኢንጀ ብወገኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካልኦት ከምዚ ዓይነት ኩነታት ከይፈጥሩን ክኽተሉን ንትግራይ ናብ መስመር ክመልሳ ኣሎዎ ዝብል ሓሳብ ኣሎዎ።

''ኣቢይ ኣሕመድ እዚ ፍጻመ ንኻልኦት ክልላት መሪሕ ተራ ክይኸውን ስለዝኽእል ከም ሕማቕ ኵነት እዩ ዝርእዮ...ሓደ ዝደለዩ ስጉምቲ ወሲዱ ናብ ምንጻል ገጹ እንተኣምሪሑ፡ ምብትታን ኢትዮጵያ ስለዘስዕብ፡ እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ከምሃገር ህለወኣ ዝጎድእ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"እቲ ናይ መወዳእታ ግጥም ነታ ክልል ናብ ስርዓት ምምላስ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከም ስምርቲ ሃገር ምርጫ ምግባር እዩ እቲ ተስፋ ዘሎ። ብግብሪ ክትርእዮ ከለኻ ከቢድ እዩ፡ ግን ከኣ ዘይከውን ኣይኮነን''።

ክሳብ ሽዑ ግን፡ ብሰንኪ እዚ ቅልውላው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ይኽእሉ እዮም።

ትማሊ ዓርቢ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ቁጽሮም ብርክት ዘበሉ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ይሰግሩ ምህላዎም ብምግላጽ "ነቲ ዘሎ ዓቕሚ ኣዝዩ ክዓብዮ ከምዝኽእል" ኣፈኛ እቲ ትካል ንሮይተረስ ተዛሪቡ። መንግስቲ ሱዳን ንኣስታት 20,000 ዝኮኑ ስደተኛታት መዓስከር ከዳሉ ተሰማሚዑ ከምዘሎ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።

እቲ ዞባ ብዋሕዲ መግቢ ዝሽገርን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ እቲ ዝነበረ እኽሊ ብዕስለ ዓንበጣ ከምዝተበልዐን ካልኣይ ደግሲ ዕስለ ዓንበጣ ከምዝምለስን ጸብጻብ ሕብራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ቅልውላው ትግራይ

ናይ መጠረሽታ እቲ ዞባ ዘድልዮ

ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰብ ድሮ ብረድኤት ይናበር ከምዝነበረን፡ ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣስታት 7 ሚልዮን ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እዚ ዘሎ ኵናት እንተቐጺሉ፡ ቁጽሪ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ብቕልጡፍ ክዓቢ ከምዝኽእል'ውን ኣጠንቂቑ።

ዕብየትን ስተራተጂካዊ ኣገዳስነታን ኢትዮጵያን ካብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ፈሊኻ ክትርእዮ ኣጸጋሚ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብቕልጡፍ ከምዝውዳእን እቲ ጉዳይ ድማ ብቐንዱ ናይ ኢትዮጵያ ምዃኑ ገሊጹ። ግን እቲ ዘሎ ኵናት እተተናዊሑ ከቢድ ሳዕቤናት ክህለዎ ከምዝኽእል ይግለጽ።