ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ

ባህርዳርን

ትማሊ ምሸት ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህርዳርን ኣብ ቀረባኣ ኣብ እትርከብ ከተማ ጎንደርን መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዝተፈጸመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ፡፡

ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ኣብ ዘሎ ጎንጺ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሓበሬታ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ከምዝገለጾ፡ በቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ማእከላይ ጉድኣት ከምዝበጸሐ ሓቢሩ፡፡

ኣፈኛ ማእከላይ ኮማንድ ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ነፈርቲ ኵናት ኣብ ትግራይ ደብዳብ ድሕሪ ምክያደን፡ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ወተሃደራዊ ካምፕታት ጎንደርን ባህርዳርን ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ኣብ ቴሌቪዥን ገሊጹ።

ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን እንታይ ኣጋጢሙ?

ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ባህርዳር ሓያል ነትጒን ተኹስን ከምዝተሰምዐ ዝገለጸ ሪፖርተር ቢቢሲ ኣብ ባህርዳር፡ መንግስቲ እቲ ክልል መግለጺ ክሳብ ዘውጽእ ኣብ ነበርቲ እታ ከተማ ምድንጋር ተፈጢሩ ከምዝነበረ ተዛሪቡ፡፡

ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ እውን ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት፡ መኮድ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ባህርዳርን ኣዞዞ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ጎንደርን ዘጋጠመ ነትጒ ከምዝነበረ ብመራኸቢ ማዕከናት እቲ ክልል ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡

እቲ ነትጒ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ብቕልጡፍ ከምዝተቖጻጸርዎ መንግስቲ እቲ ክልል ገሊጹ ኣሎ፡፡

ኣብ ባህርዳር ዝርከብ ወኪል ቢቢሲ ድሕሪ እቶም ነትጒታት ክሳብ ምሸት ሰዓት 5፡20 ድምጺ ጠያይቲ ይስማዕ ከምዝነበረ ተዛሪቡ፡፡

ድሕሪ እቲ ነትጒ ኣብ ገለ ካበቢታት ኣገልግሎት መብራህቲ ተቛሪጹ ከምዝነበረ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ግና ካብ ካልእ እዋን ዝተፈለየ ከምዘይነበረ ኣፍሊጡ፡፡

ከተማ ባህርዳር ሎሚ ንጉሆ ናብ ንቡር ዕለታዊ ምቅስቓሳ ተመሊሳ ከምዘላ እውን ሪፖርተር ቢቢሲ ኣፍሊጡ፡፡

ትማሊ ምሸት መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ እቲ ነትጒ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተኣሳሰር እንተኾይኑ የጻሪ ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ሓይሊ ዕማም ሎሚ ንጉሆ እቲ ፍጻሜ ብክልል ትግራይ ተፈጺሙ ክብል ተዛሪቡ። ኣፈኛ ማእከላይ ኮማንድ ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነፈርቲ ኵናት ኣብ ትግራይ ደብዳብ ድሕሪ ምክያደን፡ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ወተሃደራዊ ካምፕታት ጎንደርን ባህርዳርን ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ገሊጹ።

ኣመዓባብላ እቲ ኵናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።