ቅልውላው ትግራይ: ቁጽሪ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝሃድሙ ዘለዉ ስደተኛታት ይውስኽ ኣሎ

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዘካይድዎ ዘለዉ ኵናት ቁጽሪ ናይቶም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ሰባት ይውስኽ ምህላዉ ኮምሽን ሰደተኛታት ሱዳን ሓቢሩ።
ሕቡራት መንግስታት ብወገኑ፡ ኣብቲ ናይ ኵናት ዞባ ኣገልግሎት ተሌኮምንኬሽን ምቁራጹን መንገዲ ብምዕጻውን ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ዕንቅፋት ኮይንዎ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ሰፊኑ ዝነበረ ወጥሪ፡ መንግስቲ ፈደራል ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ዝነበረ ሰሜናዊ እዚ ብ3 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ድሕሪ ምባሉ ናብ ቅሉዕ ውግእ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።
ኮምሽነር ኮምሽን ስደተኛታት ሱዳን ኣልሲር ካሊድ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ እትርከብ ከተማ ከሰላ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ክሳብ ትማሊ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰደተኛታት ከምዝኣተዉ ገሊጹ።
ኣልሲር ካልድ እዞም 5 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ብሓደ ሸነኽ ዝኣተዉ ምኳኖም ብምግላጽ ብሉግዲ ዝብሃል ዶብ'ውን ትማልን ሎምን 1100 ስደተኛታት ናብ ሱዳን ኣትዮም ከምዝተመዝገቡ ጠቒሱ።
ኣልሲር ካልድ ብምስዓብ "እቲ ቁጽሪ ስደተኛታት ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ኣብ ዝመጽእ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 20 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ክሰግሩ እዮም ኢልና ኢና ትጽቢት ገይርና ዘለና" ኢሉ።
እቲ ኮምሽነር ዋላ እኳ ቁጽሪ ስደተኛታት ይውስኽ እንተሃለወ፡ እኹል መግብን መጽለልን ክቕርብሎም ከምዘይክኣሉ ሓቢሩ።
"እኹል ቀረብ መግብን መጽለልን የለን፡ እቲ ዘለና ውሑድ እዩ፡ 300 ሰባት ጥራይ እዩ ከአንግድ ዝኽእል፡ እቶም ዘለዉ ግን ልዕሊ 5 ሽሕ እዮም" ብምባል ህሉው ኩነታት እቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣነጺሩ።
ኮምሽነር ኮምሽን ስደተኛታት ሱዳን ኣልሲር ካሊድ፡ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሓ ይኹና ኣብ ካልእ ቦታታት ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ውሃብቲ ረድኤትን ክሳብ ሕጂ ዘዕግብ መልሲ ከምዘይረኸቡ'ዩ ዚዛረብ።
"እቶም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ስንባደ እዮም ዘለዉ፡ ሰለስተ ኣርባዕተ መዓልታት ብእግሮም ተጓዒዞም እዮም ናብዚ በጺሖም፡ ኣብ መንግኦም ወተሃደራትን ሕሙማትን ኣለዉዎም" ይብል ኮምሽነር ኮምሽን ስደተኛታት ሱዳን ኣልሲር ካሊድ።
ሕቡራት ሃገራት'ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሱዳን ክስደዱ ዝኽእሉ ክውስኽ ከምዝኽእል'ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ሕቡራት ሃገራትን ኣዋሃሃዲት ሰብኣዊ ሓገዛትን ዶክተር ካትሪን ሶርዚ ንቢቢሲ ከምዝሓበረቶ፡ ኣብቲ ናይ ኵናት ዞባ ኣገልግሎት ቴሌኮምንኬሽን ምቁራጹን ጽርግያታት ብምዕጻዉን፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቲ ዞባ ንኸይኣቱ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ እያ ትሕብር።
ዶክትር ካትሪን ሶርዚ፡ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 800 ሰብኣዊ ሓገዛት ዘበርክቱ ሰባት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ቴሌፎን ብምቁራጹ ኣብ ስርሖም ዕንቅፋት ፈጡርሎም ከምዘሎ ትሕብር " ኣገልግሎት ቴሌፎን ምቁራጹ፡ ናይ ሰባት ምንቅስቃስ ንምክትታል ከቢድ ገይርዎ ኣሎ፡ እቲ ዘድሊ ሓገዛት'ውን እንታይ'ዩ ክፍለጥ ኣይከኣልን'የ" ኢላ።
"እንተኾነ ሕጽረት ከም መግቢ፡ ሓሩጭን ነዳድን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ነገራት ከምዘሎ ሓበሬታ ኣሎ፡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ብተደጋጋሚ ይቋረጽ ኣሎ፡ ባንክታት ብምዕጻዎም ነቶም ነበርቲ ጥራይ ዘይኮነ ዋላ ኣብ ስራሕና እውን ጸቕጢ ፈጢሩልና እዩ" ነበርቲ ሑመራ፡ ሽረን ሽራሮን ናብ ካልእ ክፋል ትግራይ ይፈናቐሉ ከምዘለዉ ሓበሬታ ከምዝብጽሖም'ውን ዶክተር ካትሪን ትጠቅስ።
ንሳ ብምስዓብ፡ ትካል ስደተኛታት ሱዳን ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት ልዕሊ 7000 ስደኛታት ናብ ሱዳን ምስጋሮም ናብ ቤት ጽሕፈታ ጸብጻብ ከምዝለኣኸ ንቢቢሲ ሓቢራ።
"ኣቐዲሙ'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 600 ሽሕ ረድኤት ከምዘድልዮም ጸብጻብ ነይሩ እዩ" እትብል ዶክተር ካትሪን፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ዝርከቡ ልዕሊ 96 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ እዚ ተደሚርዎ ኣብ ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከምዝበርከቱ ተዛሪባ።
ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ደፈራላዊ መንግስትን፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናወሐ ምስ ተሓበረ ምፍሕፋሕ ጀሚሩ።
በቲ ሓሳብ ከምዘይሰማማዕ ዝገለጸ መንግስቲ ክልል ትግራይ በይናዊ ክልላዊ ምርጫ ምስ ኣካየደ ከኣ እቲ ወጥሪ ናብ ምፍኽኻር ብምስጋር ኣብ ዕለት 3 ሕዳር ናብ ወግዓዊ ኵናት ኣትዮም።
ክልል ትግራይ ኣብ ወርሒ መስከረም ክልላዊ መረጻ ድሕሪ ምክያዳ፡ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ክልላዊ መረጻ ዘይሕጋውን ተፈጻምነት ዘይብሉን ድሕሪ ምባሉ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከምዘየካይድን ባጀት ከምዘይስልዕን ምስ ኣፍለጠ ወጥሪ ክልቲኦም ሰማይ ምዕራጉ ይዝከር።
እዚ ኣብ ሞንጎ ክልል ትገራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜናዊ እዚ መጠኑ ዘይተገለጸ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይ ወግዓዊ ኵናት ካብ ዝኣወጀሉ ሎሚ ንታሽዓይ መዓልቲ እቲ ኵናት ይቕጽል ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







