ስለምንታይ’ዩ: ዘረባ ኣብዪ ኣሕመድ ንብዙሓት ዘይተውሓጠሎም?

ዶክተር ኣብዪ፡ ኣብ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽአለን ቀዳሞት ኣዋርሕ፡ ድሕሪ ኣምቦን ጅግጅጋን ናብ ትግራይ እዩ ኣምሪሑ።

ኣብቲ መድረኽ፡ ነቲ ሽዑ ሓድሽ ኣቦ መንበር ህወሓት ዝኾነ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚከኤል፡ “ኣብ ክልልኩም ምንም ከይሰራሕኹም ኢኹም ኣብ ማእኸል ሃገር ኣንበሳ ኣንበሳ ትጨንዩ” ክብል እናሰሓቐ ትንክፍ ኣቢልዎ ነይሩ።

እቲ ብበዝሒ ካድረታትን ሓለፍትን ህወሓት ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዳራሽ ሰማእታት መቐለ፡ ዝተዳለወ መድረኽ፡ ብጣቕዒት ዝተዓጀበ ነይሩ።

ኣብዪ፡ ሓሳቡ ብትግርኛ ክገልጽ ዝፈተነሉ ናይ መጀመርታ ኣጋጣሚ ድማ ነይሩ።

እንተኾነ፡ “ትግራይ ሞተር ኢትዮጵያ እያ” ንዝብል ዘረባን ሞጎስን እምበር ነቲ ካልእ ዘድሃበሉ ኣይነበረን።

ብድሕሪኡ ኣብዪ ብዛዕባ ትግራይን ህወሓትን ብዙሕ ኣካታዒ ነገር ተዛሪቡ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ብትግርኛ ዝሃቦ ቃለ መሓትት እኳ ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃቦ ኣሎ።

ነቲ ናይ ቀረባ እዋን ቃለ መሓትቱ ብዙሓት ብጥርጣረ ከምዝረኣይዎ ገሊጾም እዮም። ግን ስለምንታይ?

ካብ ወረ ኲናት-ናብ ዕርቅን ዘተን

ኣብዪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ እዩ ብቋንቋ ትግርኛ ቃለ መሓትት ኣካይዱ።

ነቲ ንብዙሓት መተዓረቒ ዝመስል ሓሳቡ ቅድሚ ምዝራቡ ግን፡ ንኤርትራ ከይዱ ኣብ መሰልጠኒ ወተሃደር መዓስከር ሳዋ በጺሑ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ንሱ ዝመርሖ ፌደራላዊ መንግስትን፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ፡ እቲ ጸገም ምስ'ቲ ኣብታ ሃገር ዘተኣታተዎ ‘ዕርያታት’ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተዛሪቡ።

ዕጡቓት ኣብ ምርኢት

ንሱ ይኹን እቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምጉዳእ ኮነ ናይ ምውጋእ ሃቐነ ከም ዘይብሎም’ውን ገሊጹ።

ነቲ ወጥሪ ኣጋዲዱ ተባሂሉ ዝንገረሉ ጉዳይ መረጻ ግን ዕሽሽ ኢሉ ሓሊፍዎ። ኣፈላላዮም ብልዝብ ንምፍታሕ ድልው ምዃኑ'ዩ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ጉዳይ መረጻ ኮነ ካልእ፡ ዛጊድ ዝተጀመረ ዘተ ግን የለን።

እንተኾነ፡ በቲ ዘረባ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ ኣብዪ፡ ናይ ቅዋም ለውጢ ከምዝገበረ ገይሮም ዝተረድኡዎ ኣለው።

ንገለ ተወለድቲ ትግራይ ግን ኣይተዋሕጠሎምን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕጊ የማነ ካሳ፡ እቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዘረባ ከም ምስምስን ድራማን ገይሩ እዩ ዝርድኦ።

“ከምቲ ዝተለምደ እዩ፤ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ተኸታታሊ ድራማ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። እቲ ቃለ መሓትት ብትግርኛ ዝተኻየደሉ ዕላማ ‘ሰባት ብቋንቋኦም እንተተዛሪብካዮም፡ ኣዝዮም ይፈትዉኻን ይኣምኑኻን’ ካብ ዝብል ኣምር ዝነቐለ እዩ” ይብል።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ‘ኳ ዳአስ ነቲ ዝጸንሐ ጥርጠረታት ዘጋድድ ከይኸውን ይግምት።

“ኣብ ውሽጢ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ካልእ እዩ። እቲ ቑጠዐ ናብ ዘይምለሰሉ ብርኪ በጺሑ እዩ። ብኸምዚ ዓይነት ስነ ኣእምሮኣዊ ድራማ ዝቕየር ኣይመስለንን። እኳ ደኣስ፡ ነቲ ስምዒት ዘጋድድ ከይኸውን እየ ዝሰግእ” ይብል።

ኣብ ኣመሪካ ኒውዮርክ ዝነብር ምሁር ስነህንጻን ተዓዛቢ ፖለቲካን ኤርሚያስ ኣማረ ግን፡ ካብዚ ብተጻራሪ እዩ ዝርደኦ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብዪ ድርኡ’ውን ምስ መራሕቲ ህወሓት እምበር ምስ ህዝቢ ትግራይ ጸገም የብሉን።

“እቲ ሰብ ተረዲእዎ ዝነበረ ‘ኲናት’ ብዝብል እዩ። ንሱ ክብሎ ዝደለየ፡ ‘ሕጊ ብዝፈቕደለይ ስጉምቲ ክወስድ እየ’ ማለት ግን ማዕቀብ ምንባር ክኸውን ይኽእል፤ ነቲ መረጻ ኣፍልጦ ዘይምሃብ ክኸውን ይኽእል” ክብል ግምታቱ ይገልጽ።

“እቲ መረጻ ሕገ መንግስታዊ ከምዘይኮነን መንግስቲ ትግራይ ንዝገብሮ ዘሎ መረጻ ኣፍልጦ ከምዘይህብን እዩ ዝዛረብ ዘሎ” ድማ ይብል ኤርሚያስ።

ሃገራዊ መረጻ ብሰንኪ ኮቪድ -19 ዝተናወሐ እንትኸውን፡ ህወሓትን መንግስቲ ክልል ትግራይን ግን፡ ኣካል እቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ መሰል ርእሰ ምሕደራ ከምዝኾነን ምርጫ ከምዘካይዱን እዮም ዝገልጹ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ግልጺ ዘይምርድዳእ ከምዘሎ ዝኣምን ኤርሚያስ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ መረጻ ንባዕሉ ምትህልላኽ ዝወለዶ’ምበር ናይ እማን ካብ ልቢ ዝተሓሰበሉ ከምዘይኮነ እዩ ዝዛረብ።

“ን27 ዓመት ናጻ መረፃ ገይሩ ዘይፈልጥ ውድብ፡ በዚ ሕዚ ጥዑይ መረጻ ክገብር ምሕሳብ ለዋህነት እዩ። ድሮ’ኳ ንተናሓናሕቲ ውድባት ሽማሽም እናውፀአ ከግልሎም ጀሚሩ’ሎ። መረጻ ናይ ሃለዋት ጉዳይ ገይርካ ምርኣይ ናብ ከቢድ ወጥሪ ከእትዎም ይኽእል እዩ። ምስ ማእከላይ መንግስቲ ተሳማሚዑ ኣብ ሃገራዊ ህንፀት እጃሙ እንተዘወፊ ይሓይሽ” ክብል ርእይትኡ ገሊጹ።

የማነ ካሳ ብወገኑ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብዪ፡ ኣብ ጉዳይ ሰላማዊ ዘተ ዝተዛረቦ፡ ዘይእመንን፡ ንማለቱ ከምዝበሎን እዩ ዝኣምን።

የማነ፡ ምስቲ ዝቐረበ ናይ ዕርቂ ሓሳብ ካብ ኤርሚያስ ዝተፈለየ ርእይቶ እዩ ዘለዎ።

“ኣብ ጉዳይ ዕርቂ ዝተቐየረ ነገር ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን” ብምባል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቶም ናብ ትግራይ ዝኸዱ ሽማግለታት ሒዞምዎ ዝተመልሱ መተዓረቒ ሓሳባት ‘ ኣብዪ ኣስተናዒቑ ከምዝነጸጎ’ ይዛረብ።

ምስ ዶክተር ደብረጽዮንን ካልኦት ሰብ ስልጣንን እቲ ክልል ዝዘተዩ ሽማግለታት፡ ካብ ትግራይ ናብ ዶ/ር ኣብዪ ዝተላእኸ፡ “ንኻልኦት መዳርግቲ ኣካላት ዝሓውስ ሓበራዊ ሃገራዊ መድረኽ ይዳሎ’ ዝብል ጻውዒት እዩ ነይሩ።

ድሕሪኡ እዩ እምበኣር ዶክተር ኣብዪ፡ ‘እዚ እንተዘይተገይሩ ካብ መስከረም 30 ንደሓር ሕጋዊ መንግስቲ የለን’ ንዝብሉን፡ ክልላዊ መረጻ ንምክያድ ኣብ ልዕሊ ዝወሰኑን፡ መንግስቲ ስጉምቲ ከምዝወስድ ዝገለጸ።

ኣብቲ እዋን፡ ‘ኣዴታት ከይበኽያ’፣ ‘ደም ከይፈስስ’ ምባሉ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ "ኩናት ክንከፍት ኢና" ብዝብል እዩ ተተርጒሙ።

በዓል ኣይተ ጃዋር መሓመድ፡ በቀለ ገርባን ካልኦትን ዝርከብዎም መራሕቲ ወድባት፡ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ሓቲቶም ነይሮም። ግን ምላሽ ኣይረኸቡን።

ሕዚ ከኣ ምስ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተኣሳሰር፡ መብዛሕቶም እዞም መራሕቲ ተቓውሞ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዝርከቡ።

ሕዱር ሕማም

ኣቢዪ ድሕሪ ናይ መቐለ መገሽኡ ንኣመሪካ ከይዱ፡ ‘ዝሓለፈ 27 ዓመታት ናይ ጸልማት ዘበን’ዩ ነይሩ’ ምስበለ እቲ ፈለማ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ትስፉው ስምዒት ክበላሾ ጀሚሩ።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ተወለድቲ ትግራይ ንዝቐረብሉ ተረርቲ ሕቶታት ድማ፡ ‘ናትኩም ናይ ባዕልኹም ሕተቱ፤ ተላኢኽኩም ኢኹም" ብዝብል ስለዝመለሰሎም፡ ብዙሓት ቅንዕና ዝጎደሎ ምላሽ’ዩ ኢሎምዎ።

ርግጽ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ብዝምልከት፡ ‘ዝስተ ማይ ዝሰኣነ’፣ ‘ክከሓስ ዝግበኦ ህዝቢ’ ዝኣመሰሉን ርእይቶታት እዩ ዝህብ።

‘ጸገምና ምስ ውሑዳት ኣብ ኣመራርሓ ህወሓት ዝጸንሑ ብሕጊ ምስ ዝሕተቱ ሰባት እምበር ምስ ሓለፍቲ ህወሓት ኮነ ምስ ህዝቢ ትግራይ ጸገም የብልናን። ንህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ፈላሊና ክንርእዮም ኣሎና’ ክብል ጸኒሑ እዩ።

ዶክተር ኣብዪ፡ ኣብ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ጎስጓስ ብሕታዊ ሚድያታት፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ናይ ህወሓት ዓብላልነት ተኣሳሲሩ፡ ትግራይ ብፍሉይ ከምዝተረብሐት ገይርካ ምቑጻር ልሙድ እዩ።

ኣብዪ ግን፡ እዚ ኣረኣእያ’ዚ ክእረም ከምዝግበኦ ደጋጊሙ ገሊጹ እዩ።

እንተኾነ፡ ገለ ተዓዘብቲ፡ ዶክተር ኣብይ፡ ኣብ ማእኸል ሃገር ህዝባዊ ተቐባልነት ንምርካብ ነቲ ከም መሳልል ዝተጠቐመሉ ኢህወዴግ፡ ቀንዲ መስራቲ ዝኾነ ህወሓት ምንቃፍን ምኽንያት ምብስባስን ዝሓለፈ ስርዓት ምዃኑ ከም ስትራተጂ ከምዝተኸተሎ እዮም ዝዛረቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ሓድሽ ስርዓት ነቲ ዝሓለፈ ስርዓት ብምጽልላእ ተቐባልነት ክረክብ ምፍታኑ ልሙድ እዩ። ጽዕንቶ ናይ ዶር ኣብዪ ምጽልላእ ግን፡ ኣብ መንጎ እቶም ውድባት ዝተርፍ ኣይመስልን።

ጀነራል ክንፈ ዳኛውን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩ ፈሊኻ እንትእሰሩን፡ እቲ ተግባር ንውድብ ህወሓት ጥራሕ ከይኮነስ፡ ንህዝቢ ትግራይ’ውን ኣቖጢዑ እዩ።

ኣብ ሚድያ ዝቐረበሉ መልክዕ ድማ፡ ነቲ ህዝቢ ከም ምስኳን እዩ ተቖጺሩ።

ህዝቢ ብሰላማዊ ሰልፊ ቁጥዕኡ ገሊጹ። ኣብዝሓ ክልላዊ ተቓወምቲ ውድባት’ውን ነቲ ተግባር ኮኒኖምዎ እዮም።

እቲ ስጉምቲ፡ ኣብ ዓሌት ዘነጻጸረ ዝብል ስምዒት እዩ ፈጢሩ።

ዶክተር ደብረጽዮን፡ ‘ኩሉ ዘጠፋፍአን ዘበላሸወን ክሕተት ንሕና እውን ንደልዮ ነገር እዩ። ግን ንኹሉ ብማዕረ ዝምልከት ክኸውን ኣለዎ’ ኢሉ ነይሩ።

ከም በዓል ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ዝኣመሰሉ፡ነባር ኣመራርሓ ተቓዋምቲ እውን ኣብቲ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ንሕማቑን ንጽቡቑን ኩሎም መራሕቲ እቲ ግንባር ተሓተትቲ ክኾኑ ይግባእ። ምሕረት እንተኾይኑ እውን ኩሎም ክመሓሩ ይግባእ ኢሎም ነይሮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጸወዐ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ንዝተፈንጀረ ቦምባ “ጥቕሚ ዝጎዶሎም፡ ልምድን ክእለትን ዘለዎም እዮም ፈጺሞምዎ” ዝብል ዘረባን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ ጽልኢ ዘረባን ነቲ ጉዳይ ኣጋዲዱ ዓሌታዊ ምትፍናን ኣኸቲሉ።

ነቲ ምዕባለታት ዝተዓዘበ ኤርሚያስ፡ ‘ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ብሓሳብ ስለዝተፈላለየ ብዶክተር ኣቢዩ ከም ኣንጻር ሰላም ዝረአ ይመስል’ ይብል።

ምኽባብን ሕራነን

ኣብ ጽባሕ ቃለ መሓትት ኣብዪ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ሞሊቑ ወጺኡ ዝተባህለ ሰነድ፡ “ምስ ህወሓት ንዘይተርፍ ናይ መወዳእታ ኲናት ንዳሎ” ዘስምዕ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፡ ክልል ትግራይ ‘ምርጫ ንምክያድ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ደው ክብል፤ እንተዘይኮይኑ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግደድ’ መጠንቀቕታ ደብዳበ ጽሒፉ።

ነዚታት ምላሽ ብዝመስል፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ከኣ፡ ኣብ መቐለ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣካይዶም።

ፖለቲከኛታት ትግራይ ብፌዴራል መንግስቲ፣ ብክልል ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ከበባ ከምዘሎ ይስመዖም።

ብፍላይ ምስ ክልል ኣምሓራ ምስ ናይ ዶባት ምስሕሓብ ተኣሳሲሩ ብቐሊሉ ክለዓል ዝኽእል ጎንጺ ኣሎ።

ብኽልቲኡ ሓይልታት ክልል ትግራይን ኣምሓራን መዓልታዊ ዝስማዕ ናይ ቃላት ኩናት ዘሰክፍ እዩ ይብል ኤርሚያስ።

“እቲ ወጥሪ ግን ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን ተገይሩ እንተዘይውሰድ ይምረጽ” እዩ ዝብል።

ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ነበርን ተጋዳላይን ስየ ኣብርሃ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ “ኲናት ዝኾነ ሰብ ክጅምሮ ይኽእል እዩ። ዝውደኦ ግን ኣይፍለጥን” ዝበሎ ዘረባ፡ ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ ኮይኑ፡ ‘ኩናት ሓድሕድ እንድሕር ተጀሚሩ ኢትዮጵያ ክትወጽኦ ናብ ዘይትኽእል ቅልውላው’ ክትኣቱ ከምእትኽእል ኣአንፊቱ።

ሓደ ሓደ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ እውን ምስ ክልል ትግራይ ጎንጺ ከይህሉ ስክፍታ ከምዘለዎም ብምግላጽ ንኩናት ይኹንኑ ኣለው።

ኤርሚያስ ኣማረ፡ ብሓፈሻ ናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ጸገማት ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ዘይብሉ ሕገ መንግስቲ ምህለዉ እዩ ዝገልጽ።

ስለዝኾነ ከኣ ብልጽግና ኮነ ህወሓት ኣብ መግለጺታቶም ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎም ይመክር። ክልቲኦም፡ ምእንቲ ህዝቢ ክብሉ ጸገሞም ብልዝብ ክፈትሑ ከምዘግባእ ድማ የዘኻኽር።