ቅልውላዉ ትግራይ፡ 'ገበናት ኲናት" ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

ናብ ዞባ ውግእ ብመኪና ዝጓዓዙ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፌደራል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ናብ ዞባ ውግእ ብመኪና ዝጓዓዙ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፌደራል

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ጃምላዊ ቅትለት ሓቂ ምዃኑ እንተድኣ ተረጋጊጹ፡ "ገበናት ኲናት ክኸውን ከም ዝኽእል" ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብካራን ጎዞሞን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ምቕታሎም ዝገልጽ ጸብጻብ ክጻረ ሓላፊት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዓ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ቅትለት ሓይልታት ህወሓት ዝፈጸምዎ'ዩ ክብል ከሲሱ።

ሰበስልጣን ትግራይ፡ ኣብቲ ግፍዓዊ ቅትለት ኢድ ከምዘይብሎም ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ።

መራሒ ናይቲ ክልል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "መሰረት የብሉን" ክብል ነጺግዎ።

"እቲ ተፈጺሙ ዝተብሃለ ቅትለት ከጻርን ክምርምርን ንዝደሊ ሳልሳይ ነጻ ኣካል፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣድላይ ዘበለ ምትሕብባር ክገብር ከምዝደሊ ድማ የረጋግጽ" መንግስቲ ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ግን፡ ወታሃደራት ፌደራላዊ መንግስቲ ንምዕራባዊ ክፋል ትግራይ "ሓራ" ምስ ኣውጽእዎ ሓይልታት ህወሓት ኣብታ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ማይካድራ "ብግፍዒ" ንጹሃት ሲቪላውያን ቀቲሎም ኢሉ።

መሰኻኽር ብወገኖም፡ እቲ ቅትለት ብሓይልታት ህወሓት ከም ዝተፈጸመ ተዛሪቦም።

ጸብጻብ ናይቲ ቅትለት ብተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ምውጽኡ ይዝከር።

ሓቂ ምዃኑ እንተ ተረጋጊጹ፡ እቲ ጃምላዊ ቅትለት እቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ይግለጽ።

መስመራት ቴለፎንን ኣገልግሎት ኢንተርነትን ተበቲኹ ብምህላዉ ግን፡ ብዛዕባ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ።

ሓላፊት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ባቸለት፡ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት "ተሻቒላ" ከምዘላ ብምግላጽ፡ "ቀዳማይ ቀዳምነት፡ ነቲ ኲናት ደው ምባልን ተወሳኺ ግፍዒ ከይፍጸም ምግባርን'ዩ ኢላ።

ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስትን ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ንነዊሕ ዝኸደ ወጥሪ ተፈጢሩ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 03 ሕዳር 2020 ናብ ግጭት ምምርሑ፡ ክሳብ ደብዳብ ነፈርቲ ምክያድ በጺሑ'ሎ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዝኾነ ኣቶ ደመቀ መኮንን፡ ሎሚ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሰራዊት መንግስቲ ዘካይዶ ዘሎ ስርሒታት በቲ ዝተወጠኖ ይኸይድ ምህላዉን፡ "ኣብ ሓጺር እዋን" ክዛዘም ምዃኑን ተዛሪቡ።

ዝርርብ ቅድሚ ምክያዱ ምርግጋእ ክፍጠርን "ገበነኛታት ክትሓዙን" ድማ ኢሉ።

በቲ ግጭት ዝተፈናቐሉ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ሱዳን ኣትዮም ምህላዎም ይፍለጥ።

እቶም ግዳያት መን'ዮም?

እቲ ጃምላዊ ቅትለት ብ9 ግንቦት ከምዝተፈጸመ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ።

"ኣብ ክልል ትግራይ፡ ምዕራባዊ ዞን ኣብ እትርከብ ማይካድራ እትብሃል ከተማ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ምናልባት'ውን ኣማኢት ሰባት ብካራ ወይ ብጎዘሞ ከምዝተቐትሉ" ክብል እቲተሓላቒ ጉጅለ ጠቒሱ።

"ብዲጂታል ክረጋገጽ ዝኸኣለ ሬሳታት ኣብቲ ከተማ ተደርብዩን፡ ብቃሬዛ ክውሰድን ዘርእዩ ዘስካሕክሕ ስእልታትን ቪድዮታትን" ከም ዝተዓዘበ እቲ ትካል ሓቢሩ።

እቶም ካበይ ዝመጹ ምዃኖም ዘይተፈልጡ ግዳያት ኣብቲ ግጭት ኢድ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ከይኮኑ ከምዘይተርፉ ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

እቲ ትካል ከምዝበሎ፡ መሰኻኽር "ናይ ካራን ጎዞሞን ዝበሉ በላሕቲ ብረታት" ህራም ዘለዎ ሬሳታት ከም ዝተዓዘቡ ተዛሪቦም። ገለ ካብቶም መሰኻኽር፡ እቲ መጥቃዕቲ በቶም ኣብ ሉግዲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ብሰራዊት ምክልኻል ዝተሳዕሩ ሓይልታት ህወሓት ከም ዝተፈጸመ ገሊጾም ድማ ኢሉ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ኣንገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ከተማታት መቐለን ዓዲግራትን ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ።

"ሰባት ናብዚን ትብትን እናበሉ ይሃድሙ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ዝዓበየ ሳዕቤን ናይቲ ግጭት ምፍንቓል'ዩ። ሓቂ'ዩ ዝሞቱ ኣለዉ፡ እንተኾነ ግን ቁጽሪ የብልናን። ንክትኣልዮ ዓቢ ኩነታት'ዩ" ይብል ዶ/ር ደብረጽዮን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እንታይ በለ?

እቲ ኣብ ኢድ ህወሓት "ዘስካሕክሕን ጫካንን ግፍዒ" ዝተፈጸመሉ ከባቢ ሓራ ወጺኡ ከምዘሎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ።

"ገበናት ምፍጻምን ፍትሒ ምግሃስን፡ ነቲ ስሱዕ ጃንዳ ንቡር'ዩ" ክብል ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝሃቦ መግለጹ ተዛሪቡ።

ብዛዕባ ኣባላት ሰሜን እዚ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ ኣእጋሮምን ኣእዳውን ብምእሳር ዝተቐትሉ ከምዘለዉን፡ "እቲ ጭካነ ልብኻ ዝሰብር'ዩ" ኢሉ።

ሎሚ ኣብ ትዊተር ከምዝገለጾ ድማ፡ ነቲ ክልል ዘመሓድር መንግስቲ ንምትካእ ንዶ/ር ሙሉ ነጋ ነቲ ብውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክመርሕ መዚዝዎ ኣሎ።

ዶ/ር ሙሉ ናይቲ ክልል ፈጸምቲ ኣካላት ዝመርሑ ኣካላት ካብቶም ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባት ክምልምል ምዃኑ እውን ተገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሰበስልጣን ትግራይ ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ'ውን ሕጋዊ ፍቓድ ኣውጺኡ ኣሎ።

ሕቡራት መንግስታት ብወገኑ፡ ኣብቲ ናይ ኵናት ዞባ ኣገልግሎት ተሌኮምንኬሽን ምቁራጹን መንገዲ ብምዕጻውን ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ዕንቅፋት ኮይንዎ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣመዓባብላ እቲ ኵናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።