ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ጎንጺ ብዝተኣሳሰር ኣስታት 250 ሰባት ተአሲሮም

ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕግርግር ክፈጥሩ ተሊሞም ነይሮም ብዝብል ዝተጥርጠሩ ኣስታት 250 ሰባት ከምዝተኣሰሩ፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ፡፡
ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ዓስኪሮም ንዘለው "ዘረግቲ ሰላም" ዝበሎም መራሕቲ ህወሓት ንምቁጽጻር ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ኲናት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን እዩ አጋጢሙ ዘሎ፡፡
ብኻልእ ወገን፡ ኮምሽን ፖሊስ ፌደራል ተደለይቲ እዮም ዝበሎም 96 ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓል ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከምዘውጸአ ገሊጹ፡፡
ፖሊስ፡ ኣብ እዚ ሰሜን ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ክሕደት ሃገር ፈጺሞም ኢሉ ንዝኸሰሶም ንላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ንምሓዝ እዩ ነቲ መእሰሪ ፍቓድ ኣውጺኡ ዘሎ።
ቅድሚ እቲ ፍጻሜ ግን ፕረዚደንት መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል "መንግስቲ ፈደራል ከጥቅዓና ምድላዋቱ ወዲኡ ኣሎ። ንሕና ከኣ ነብስና ክንከላኸልን መኪትና ክንስዕርን ተዳሊና ኣሎና" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ትግራይ ብዘካየዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ ክብል ከሲሱ'ሎ፡፡ እንተኾነ እቲ ክሲ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን መንግስቲ ፈደራል እውን ምላሽ ኣይሃበሉን ዘሎ።
ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ካትሪን ሶዚ፡ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ቐረባት ይውዳእ ብምህላው፡ ክልቲኦም ሓይልታት ረድኤት ንዝጸዓና መካይን ክሓልፉ ክፈቕዱ ተማሕጺና፡፡
ቅድሚ'ዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ጎንጺ ምውልዑ፡ ኣብ ትግራይ ብመግቢ ረድኤት ዝነባበሩ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከምዝነበሩ ይግለጽ።
ማሕበረሰብ ዓለም፡ እቲ ኣብ መንጎ እዞም ሓይልታት ዝተወለዐ ጎንጺ ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየስዓበ፡ ፍልልያቶም ብልዝብ ንክፈትሑዎ ዝቐረበ ጻውዒት ክሳብ ሕጂ ኣወንታዊ ምላሽ ኣይረኸበን ዘሎ።
ዘሎ ምዕባለታት
- ብሰንኪ እዚ ሕጂ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ንሱዳን ክስደዱ ከምዝኽእሉ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ይገልጻ ኣለዋ።
- ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ናይ ኵናት ዞባ ኣገልግሎት ተሌኮምንኬሽን ምቁራጹን መንገዲ ብምዕጻውን ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ዕንቅፋት ኮይንዎ ከምዘሎ ገሊጹ።
- ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ክውሰድ ብዝኣዘዞ ስጉምቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ ኲናት ይቕጽል ኣሎ፡፡ ዛጊት ብወገን ኽልቲኦም ሓይሊታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
- ዶ/ር ሙሉ ነጋ ነቲ ብውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝተጣየሸ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክመርሕ ተመዚዙ፡፡
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ሰፊኑ ዝነበረ ወጥሪ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ዝነበረ ሰሜናዊ እዚ ብ3 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ድሕሪ ምባሉ ናብ ቅሉዕ ውግእ ኣቲዮም።
ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







