ቅልውላዉ ትግራይ፡ ‘ሲቪላውያን ብጃምላ ተቐቲሎም’ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ

"ብዓሰርተታት ምናልባት'ውን ኣማኢት" ሲቪላውያን ኣብቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ብጃምላ ከምዝተቐትሉ ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።
ገለ መሰኻኽር ንህወሓት ዝድግፉ ሓይልታት ከም ዝፈጸምዎ'ኳ እንተገለጹ፡ ኣምነስቲ ግን እቲ ቅትለት ብመን ከምዝፈጸመ ከረጋግጽ ከምዘይክኣለ ገሊጹ'ሎ።
ሰብመዚ ክልል ትግራይ፡ ትማሊ ሮቡዕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ግብረመልሲ፡ ሓይልታት ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ሲቪላውያን ከምዘይፈጸሙ ተዛሪቦም ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ክልል ትግራይ ውግእ ከምዝተወለዐ ይዝከር።
ዛጊት ክልቲኦም ወገናት ነቲ ብኣምነስቲ ዝወጸ ጸብጻብ ግብረመልሲ ኣይሃብሉን ዘለዉ።
እቲ ዝተባህለ ጃምላዊ ቅትለት፡ እቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይግለጽ።
ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስትን ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ንነዊሕ ዝኸደ ወጥሪ ተፈጢሩ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 03 ሕዳር ናብ ግጭት ምምርሑ ይፍለጥ።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዛጊት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ኣትዮም ምህላዎም ተፈሊጡ።
ኣምነስቲ እንታይ'ዩ ኢሉ?
እቲ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ መሰላት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ብ9 ሕዳር፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ፡ ምዕራባዊ ዞን ኣብ እትርከብ ማይካድራ እትብሃል ከተማ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ምናልባት'ውን ኣማኢት ሰባት ብካራ ወይ ብጎዘሞ ከምዝተቐትሉ" ከምዘረጋገጸ ጠቒሱ።
"ብዲጂታል ክረጋገጽ ዝኸኣለ ሬሳታት ኣብቲ ከተማ ተደርብዩን፡ ብቃሬዛ ክውሰድን ዘርእዩ ዘስካሕክሕ ስእልታትን ቪድዮታትን" ከም ዝተዓዘበ እቲ ትካል ሓቢሩ።
እቶም ግዳያት ኣብቲ ግጭት ኢድ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ከይኮኑ ከምዘይተርፉ ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ።
ኣብቲ ትካል ዳይረክተር ምብራቕን ደቡባውን ኣፍሪቃ ዝኾነ ደፕሮስ ሙቸና፡ "ዘስካሕክሕ ትራጂ" ክብል ብምግላጽ፡ መንግስቲ መስመር ቴለፎን ናብ ንቡር ክመልሶን፡ ተቖጻጸርቲ ክኣትዉ ከፍቅድን ተማሕጺኑ።
እቲ ትካል ከምዝበሎ፡ መሰኻኽር "ናይ ካራን ጎዞሞን ዝበሉ በላሕቲ ብረታት" ህራም ዘለዎ ሬሳታት ከም ዝተዓዘቡ ተዛሪቦም። ገለ ካብቶም መሰኻኽር፡ እቲ መጥቃዕቲ በቶም ኣብ ሉግዲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ብሰራዊት ምክልኻል ዝተሳዕሩ ሓይልታት ህወሓት ከም ዝተፈጸመ ገሊጾም ድማ ኢሉ።
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።
ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







