ሕቡራት መንግስታት፡ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር መገዲ ክኸፈት ንመንግስቲ ሓቲቱ

ኣገልግሎት ታክሲ ከተማ ዝወሃበሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ተበጻሒ ክኸውን፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝሓተተ ኣሶሽየትድ ፕረስ ገሊጹ፡፡

ምስቲ ወኪል ዜና ጻንሒት ዝገበረ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሳጂድ መሓመድ ሳጂድ ‘‘ብቕልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበጻሒ ምግባር ንደሊ፤ መግብን ነዳድን ብቕልጡፍ የድልዩ እዮ’’ ኢሉ፡፡

ኣብ ትግራይ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ‘‘ ኣዝዩ ከቢድ እዋን’’ የሕልፉ ከም ዘለዉ ዝገለጸ ሳጂድ መሓመድ፡ ክልኦት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ እውን ኣብ ጸገም ከም ዝወደቑ ተዛሪቡ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ትግራይ ባኒ (ሕብስቲ) ኣብ ዝሽየጠሎም ድኳናት ነዋሕቲ ሪጋታት ይረኣዩ ከም ዘለዉን፡ ቀረብ ዝጸዓና መካይን ኣብ ዶባት ተኸልኪለን ከም ዘለዋን ሳጂድ መሓመድ ሳጂድ ንኤፒ ተዛሪቡ፡፡

ኣብቲ ክልል ኣስታት 900 ሰራሕተኛታት ረዲኤት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን፡ ምስ ህዝቢ ዓለም ንምርኻብ ይጽዕሩን ሓገዝ ክረኽቡ ይምሕጸኑ ከም ዘለዉን እቲ ሓላፊ ገሊጹ፡፡

ርክብ ንምግባር ድማ ‘‘ትሸዓተ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዕስራ ዝኾኑ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ክልተ ቤት ፍሕፈታት ተሞርኲሶም ኣለዉ’’ ኢሉ፡፡

ብተወሳኺ ኣስታት 1000 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ በጻሕትን ካልኦትን ኣብቲ ክልል መገዲ ተዓጽዩዎም ከም ዘለዉን ገሊጹ፡፡

ምዕጻው መገዲ ኣየር፤ መገዲታት፣ ኣገለግሎት ኢንተርነትን ባንክን ድማ ‘‘ነቶም ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ደለይቲ ሓገዝ፡ ሓገዝ ንምብጻሕ ከቢድ ገይሩዎ’’ ኢሉ፡፡

እቲ ጸገም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን ክፍታሕ ዝኽአለሉ ዕድል ዘይ ምርኣዩ ድማ ከምዘሻቕሎ ሳጂድ መሓመድ ተዛሪቡ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተወለዐ ኲናት መንግስታት ትግራይን ፌደራልን ሐዚ እውን ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡

እቶም ተጻባእቲ ሓይሊታት ኲናት ደው ክብሉን ፖለቲካዊ መፍትሒ ክናድዩን ብማሕበረ ሰብ ዓለም ዝቐርቡ ዘለዉ ምሕጽንታታት ዛጊድ ሰማዒ ኣይረኸቡን፡፡

ብምኽንያት እቲ ጎንጺ ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ስለዝተዓጸዉ ነበርቲ ከምዝተሸገሩን ባንኪ ብዘይ ምህላዉ ገንዘብ ኣውጺኦም ክተዓዳደጉ ከም ዘይከኣሉን ወኪል ቢቢሲ ካብ ትግራይ ገሊጹ፡፡

ብተመሳሳሊ ሕጽረት ነዳዲ ከምዘጋጠመን፡ በዚ እንተቐጺሉ ኣብ መጓዓዝያታት ጸገማት ከም ዝፈጥር'ውን ተሓቢሩ፡፡

ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ብዘይ ምህላዉ፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ሰባት ደሃይ ቤተሰቦም ክፈልጡ ከም ዘይከኣሉን፡ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘለውን ብምግላጽ ኣገልግሎት ስልክን ኢነተርነትን ክኽፈቱ ብማሕበራዊ ሚድያ ኣቢሎም ይጉስጉሱ ኣለዉ፡፡