ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ንልዕሊ 100 ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ መሃያ ይኸፍል ኣሎ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣክስዮን ማሕበር እቲ ኵናት ምስ ተጀመረ እውን ኣገልግሎት ከምዘየቋርፀን ንዓማዊሉ የገልግል ምህላዉን ገሊፁ ኣሎ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ዓማዊሎም ዘዋህለልዎ ገንዘብ ኣውፂኦም ይጥቀሙ ምህላዎም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ተዛሪቡ።
ይኹን እምበር እቲ ሕብረተሰብ ቆጢቡ ክጥቀም ስለዝግበኦ ካብቲ ዘዋህለሎ ልዕሊ 10 ሽሕ ብር ንኸየውፅእ ከምዝተገብረ ገሊፁ።
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣክስዮን ማሕበር ኣብ ትካሉ ዝግልገሉ ልዕሊ 70 ሽሕ ጡሮተኛታት ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ምኽፋል ከምዝጀመረ እውን ሓላፊ እቲ ትካል ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሰራዊት ፈደራልን ሰራዊት ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ባንክታት መንግስትን ውልቀን ስለዝተዓፀዋ: ብርክት ዝበለ ሰብ ንናብራ ዘድልዩ ነገራት ንምዕዳግ ኣዝዩ ከምዝተፀገመ ይገልፅ ኣሎ።
እቲ ትካል ነቲ ፀገም ንምቅላል ልዕሊ 100 ሽሕ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ክልል ትግራይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ: ናይ ወርሒ ጥቅምቲ መሃያኦም ምኽፋል ከምዝተጀመረ: ሓላፊ እቲ ትካል ኣይተ ሙሉጌታ ተዛሪቦም።
ደደቢት ነቲ ወርሓዊ መሃያ በቶም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ 200 ጨናፍሩ ኣቢሉ ይሰርሕ ከምዘሎ ይገልፅ።
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣክስዮን ማሕበር: ነቲ መሃያ ንምኽፋል ካብ ህዝቢ ዘዋህለሎ ገንዘብ ኣቢሉ ይጥቀም ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ይኹን እምበር ኣብቶም ካልኦት ባንክታት መንግስትን ውልቀን ዘለዎ ገንዘብ ኣውፂኡ ናብ ረብሓ ንምውዓል እውን ኣብ ዘተ ከምዝርከብ ኣካያዲ እቲ ትካል ይገልፁ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







