ኢትዮጵያ፡ ንሰሙን ኣብ ዝዘለቐ ኲናት ዝበጽሐ ጉድኣት

ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ፌዴራልን ካብ ዝውላዕ ሰሙኑ ዘቑጸረ ኲናት፡ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ጎንጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ 'ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ' ብምባል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እቲ ክልል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምስ ኣወጀ እዩ ጥቅምት 24/2013 ናብ ስሩዕ ኲናት ተኣትዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ 8 ቦታታት ውግእ ከምዝተኻየደ ገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ተኸታተሊ ውግእ፡ ልዕሊ 500 ዕጡቓት ከምዝተቐትሉን 29 ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ፡ ኣዛዚ ሰሜን እዝ ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩም ምዝራቡ ፋና ጸብጺቡ።
ሮይተርስ ብወገኑ፡ ንሓደ ወተሃደራዊ መኮንን ብምጥቃስ፡ ኣብ ቁጽሪ ኣፈላላይ እንተሃለዎ'ኳ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ኣውጺኡ።
ሮይተር ወሲኹ፡ ብፍላይ ኣብ ዳንሻ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሰለስተ ናይ ድህንነት ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ወተሃደራት ፌዴራል መንግስቲ ከምዝተቐተሉ ጸብጺቡ።
ከምኡ'ውን ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ኣብቲ ኲናት ከምዝቖሰሉን፡ ብውሕዱ ልዕሊ 200 ወተሃደራት ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገበረሎም ከምዝርከብን ኤኤፍፒ ካብ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝረኸቦ ሓበሬታ ምዃኑ ብምግላጽ ሓቢሩ።
እዚ በቲ ሓደ ወገን ዝንገር እንትኸውን፡ ብወገን ክልል ትግራይ ዛጊድ ብዛዕባ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ዝተውሃበ ሓበሬታ የለን።
ከምኡ'ውን እቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢ፡ መስመራት ቴሌፎን ኮነ ካልእ መራኸቢ መይላታት ዝተዓጽዉ ብምዃኖም፡ ኣብ ሰብን ንብረተን ዝበጽሐ ጉድኣት ኣይፍለጥን።
ሮይተርስ፡ ንሓደ ዲፕሎማት ኣዛሪቡ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ግን፡ ኣብቲ ኲናት ብውሕዱ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ተዋጋእቲ ከምዝሞቱ ኣመልኪቱ።
ምምዝባላት
ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዛጊድ ኣስታት 6 ሺሕ ሰባት ናብ ሱዳን ከምዝተመዛበሉ ይዝረብ ኣሎ።
ብፍላይ ኤኤፍፒ፡ ንሓላፊ ኤጀንሲ ሱደተኛታት ሱዳን ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሱዳን እናተሳገሩ ይርከቡ።
ሱዳን፡ እቲ ኲናት እንተቐጺሉ፡ ልዕሊ 200 ሺሕ ተመዛበልቲ ስደተኛታት ንምቕባል ከምእትግደድ ተገሚቱ ኣላ።
እዚ ሰሙኑ ዘቑጸረ ኲናት፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ኣብታ ሃገር ኮነ ኣብቲ ዞባ፡ ቅልውላው ከየስዕብ ዝሰግኡ ዓለምለኸ ትካላት ኮነ ሃገራት ዓለም፡ ተኹሲ ብቕልጡፍ ደው ክብልን እቲ ጸገም ብዘተ ክፍታሕን ይሓቱ ኣለዉ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ንኹሉ ዝሓቖፈ ዘተ ቅሩብ ምዃኑ እንተለገለጸ'ኳ፡ ካብ ወገን ፌዴራል መንግስቲ ተመሳሳሊ ድሌት የለን።
ቀዳማይ ሚኒስር ኣብዪ አሕመድ ኣብ ትዊተሩ፡ "ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ሕድሕድ ክትኣቱ እያ ዝብል ስግኣት ዘለዎም ሰባት፡ ወድዓዊ ኩነት ናይታ ሃገር ዘይርድኡ እዮም" ዝብል ምላሽ ሂቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







