ኤምባሲታት ኣመሪካን እንግሊዝን፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ጎንጺ ክሃድእ ተማሕጺኖም

ምንጪ ስእሊ, US EMBASSY/TWITTER
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ትግራይ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ዝውሰድ ዘሎ ግብረ መልሲታት ብቅጽበት ክሃድእ ጸዊዑ።
እቲ ኤምባሲ ብናይ ትዊተር ገጽ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር ጽሑፍ፡ ኩሎም ንድሕነትን ውሕስናን ዜጋታት ቀዳምነት ክህቡ ከም ዝግናባ ኣትሪሩ ተላብዩ።
ብተመሳሳሊ ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ክልቲኦም ወገናት ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቑጠቡን ብፍላይ ንጹሃን ዜጋታት ከይጉድኡን ተማሒጺኑ።
እቲ ኤምባሲ፡ ሰራሕተኛታቱ ናብ ከባብታት ትግራይን ሰሜን ኣምሓራን ከይጉዓዙ ኣጊዱ ኣሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን በቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ጎንጺ ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣህመድ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ፈጺሞም" ምባሉ ይዝከር።
መንግስቲ ትግራይ ድማ፡ 'መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ኣዊጁ' ብምባል ይኸስስ።
በዚ ኩነታት መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ነፈርትን ተሽከርከርትን ኣጊዱ ኣሎ።
ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህትን ኢንተርነትን ከምኡ'ውን ቴሌፎን ተቛሪጹ ይርከብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







