ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩ ኣተሓሳሲቡ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ዝምዕብል ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ከም ዘተሓሳሰቦን ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎን ኣፍሊጡ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዶክተር ዳንኤል በቀለ “ሓይልታት ጸጥታ ፌደራልን ክልል ትግራይን ድሕነት ንጹሃት ዜጋታት ከውሕሱን ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ይምሕጸን” ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ “እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዜጋታት መግቢ፣ መድሃኒትን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎትን ዝረኽብሉን ምሉእ ዕጽዋ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ከወግድን ይግባእ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ድማ፡ ትግራይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝተዓቖቡላ ክልል ምዃና ክዝንግዑ የብሎምን ክብል ኣዘኻኺሩ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ እቲ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ሕገ መንግስቲ ንምሕላው ከም ዝኾነ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክእወጅ ወሲኑ እዩ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድማ ሎሚ ነዚ ውሳነ ኣጽዲቑዎ ኣሎ።

እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብጠቕላይ ኢታማጆር ሹም ዝምእዘን ግብረ ሓይሊ ዝመርሖ ኮይኑ፡ “ግብረ ሓይሊ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
መልዐሊ ጎንጺ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን እንታይ’ዩ?
መንግስቲ ፌደራል ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብቲ እዋን ክካየድ ተሓሲቡ ዝጸንሐ መበል 6ይ ሃገራዊ መረጻ ክናዋሕ ብቤት ምኽሪ ወሲኑ።
መንግስቲ ትግራይን ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ህወሓትን ግን፡ እዚ “ብዘይ ኣግባብ ስልጣን ንምንዋሕ” ዝግበር ውሳነ እዩ ብምባል ኣብ ትግራይ ክልላዊ መረጻ ኣካይዶም።
ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ከኣ ህወሓት ብዓብላሊ ድምጺ ከምዝተመርጸ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ እዚ ክልቲኦም መንግስታት ብፍላይ ድሕሪ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ክከላልኡ ጸኒሖም።
መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን መንግስቲ ፌደራል ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስድ ይዳሎ’ዩ ኣሎ ብምባል ክኸስስ ድሕሪ ምጽናሕ “ንሕና’ውን ነቲ ዝመጽአና ኲናት ንምምካት ድሉዋት ኢና” ዝብል መግለጺ ክህብ ጸኒሑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ንምእዋጅ ድሌት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ንኣመራርሓ እቲ ክልል ኣፍልጦ ከም ዘይህቦ ይገልጽ።
ነዚ ክዕዘቡ ዝጸንሑ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ብልዝብ ክፍታሕን ፖለቲካዊ ኣፈላላዮም ብዘተ ንምፍታሕ ቅሩባት ክኾኑን ሓቲቶም እዮም።
እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ትማሊ ኣብ ዘውግሕ ሰዓታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኣብ መቐለ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ኣብጺሖምን “ክዘምቱ ፈቲኖምን” ኢሉ።
በዚ ምኽንያት፡ ሰራዊት ምክልኻል “ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ክወስድ” ከም ዝተኣዘዘ ኣፍሊጡ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ “መንግስቲ ፌደራል ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ምስ ሓይልታት ወጻኢ ተሻሪኹ ሉእላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ሂቡ” ኢሉ ብምኽሳስ ኣብቲ ክልል ዝርከብ ሰሜን እዝ ሓቢሩዎ ክቃለስ ከም ዝወሰነ ገሊጹ።
ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራል ግን፡ እቲ ስርሒት “ኣብ ልዕሊ ርግኣት ሃገር ዝዘርጉ ዘለው ውሑዳት ሰባት ዘነጻጸረ” እዩ ይብሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ነፈርትን ምንቅስቓስ ካብን ናብን ተኣጊዱ ኣሎ። ኣገልግሎት ኢንተርነትን መብራህትን ከምኡ’ውን ቴሌፎን እውን ተቛሪጹ ኣሎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







