ብኣንፈት ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኵናት ተኻይዱ ከምዝነበረ ተገሊጹ

ሰራዊት መንግስታት ፈደራልን ሓይልታት ክልል ትግራይን ብኣንፈት ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኵናት ተኻይዱ ከምዝነበረ ምንጭታትና ገሊጾም።
ትማሊ፡ ካብ ክልል ዓፋር ናብ ከባብታት ሓይቂ መሳሕልን ጨርጨርን ዘእቱ ከቢድ ኲናት ከምዝወዓለ ሓለፍቲ ጸጥታ ክልል ትግራይ ሓቢሮም።
ብኻልእ ምንጪ ግን ኣይተረጋገጸን።
ብኻልእ ወገን እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝቐነየ ውግእ ይቕጽልን ድምጺ ከቢድ ብረት ካብ ርሑቕ ይስማዕን ከምዘሎ፡ ኣብ ሰቲት ሑመራ ዝርከብ ወሃቢ ርእይቶ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያን ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት እውን ብወግዒ ኣይተገልጸን ዘሎ።
ኣብቲ ክልል ሓይሊ ኤለክትሪክ ተመሊሱ ከምዘሎን፡ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ግን ከምዘይተመልሰ ምንጭታትና ሓቢሮም።
ክሳብ ሕጂ ኣብ መቐለ፡ ኩነታት ህዱእ ከምዘሎን፡ ሰብ ዕለታዊ ዋኒኑ የካይድ ከምዘሎን ተሓቢሩ።
እንተኾነ፡ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ባንክ ተዓጽዩ ብምህላው፡ ሰብ ገንዘብ ከውጽእ ብዘይምኽኣሉ ሃለኽቲ ነገራት ክገዝእ ጸጊሙዎ ከምዘሎ ምንጭታትና ገሊጾም።
እቲ ኵናት መዓስ ተጀሚሩ
ኣብዚ ሰሙን፡ ናብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ኣብ መቐለ፡ አብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ምክልኻል ሃገርን ጎንጺ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ብምኽሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ብሮቡዕ ምሸት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዕውት ስርሒት ከምዘተኻደ ተዛሪቡ።
እቲ መጥቃዕቲ ተፈኒውዎ ዝብሃል ሰራዊት ምክልኻል ሰሜን እዚ ኣብ ጎኑ ከም ዝተሰለፈ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዝሓበረን፡ እቲ ኲናት ብወገን ምዕራብ ትግራይ ይቕጽል ከም ዘሎን ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ወተሃደራዊ ዒላማታት መንግስቲ ክልል ትግራይ ንምውቃዕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ክህሉ ስለዝኽእል፡ "ዘይተሓስበ ሓደጋ ከይመጽእ [ሰባት] ኣብ ከተማ ተኣኪብኩም ከይትንቀሳቐሱ አተሓሳስብ" ክብል ኣጠንቂቑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ቅድሚ እቲ ክስተት መንግስቲ ፈደራል ከጥቅዓና ይዳሎ ስለዘሎ ነብስና ክንከላኸልን ኵናት እንተጋጢሙ ከኣ መኪትና ክንስዕርን ተዳሊና ኣሎና ክብል ጸኒሑ እዩ።
ማሕበረ ሰብ ዓለም እዚ ህይወትን ንብረትን ዘዕኑ ሓደገኛ ኵናት ብዘተን ልዝብን ንክውዳእ ክጽውዕ ጸኒሑ ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







