"እዚ ኵናት ምምጽኡ ሃንደበታዊ ኣይኮነን" ፕሮፌሰር ኣወል ኣሎ

ፕሮፌሰር ኣወል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, ፕሮፌሰር ኣወል ኣሎ

ኣብ ብሪጣንያ፡ ዩኒቨርስቲ ኪል መምህርን ተንታኒ ፖሊቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ዶክተር ኣወል ኣሎ ቃሲም፡ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ሓጺር ጻንሒት መንግስቲ ፌዴራልን ክልል ትግራይን ናብ ኲናት ዝመርሖም መሰረታዊ ነገር ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፍልልይ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ቢቢሲ፡ - እቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ክልል ትግራይን ፌዴራል መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት ሳልሳይ መዓልቱ ሒዙ ኣሎ። ናብዚ ዓይነት ውግእ ከምርሑ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ዶ ገሚትደካ ነይርካ? ጸገሞም ብዕርቂ ክውድእዎ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ዶክተር ኣወል ኣሎ፦ እቲ ኣፈላላዮም ሱር ዝሰደደ እዩ። ከምዚ ዓይነት ዓሚቚ ኣፈላለይ፡ ውሕሉል ብዝኾነ መገዲ ኣብ እዋኑ ከፍታሕ እንተዘይክኢሉ፡ ሓደገኛ ናብ ዝኾነ ኣንፈት ከምርሕ ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ።

እዚ ኲናት ከምዝመጽእ ብዙሓት ዝገመትዎ እዩ። ሃንደበታዊ ኣይኮነን።

ምናልባሽ ኣብዚ እዋን ክኾን እዩ ኢሉ ዝተጸበየ ዘይክህሉ ይኽእል።

ናይቲ ፌዴራል መንግስቲ ዕድመ-ስልጣን ምስ ኣብቀዐ፡ መረጻ ክሳብ ዝካየድ እቲ ኩነታት ናብዚ ከምዘመርሕ ግን ግልጺ እዩ ነይሩ።

ምኽንያቱ ህወሓት ንውሳነ ፌዴራል መንግስቲ ብምጽራር፡ መረጻ ኣካይዱ እዩ። ንፌዴራል መንግስቲ ድማ፡ ኣይፈልጠካን ኢልዎ ። ስለዚ እቲ ርክቦም እናኸረረ እዩ መጺኡ።

ህወሓት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ፌዴራል መንግስቲ ፡ ስልጣኑ ኣብ ዘብቀዐሉ እዋን። ጸቕጢ ክፍጠር ዝኽእል ኣብዚ እዋን እዩ ኢሉ እዩ ዝኣምን።

ክልቲኦም ንዘተ ቅሩባት ከምዘይኮኑ ዘመላኽቱ ነገራት ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ናብ ድሕሪት ናይ ምምላስ ድሌት ስለዘየለ፡ እቲ ኩነት ናብዚ ኣዝዩ ዘፍርሕ ብቐሊሉ ክዝሕል ዘይኽእል ኲናት ከምዘምርሑ ግልጺ ነይሩ።

ቢቢሲ፡- እቲ ኲናት ከምዚ ብቐሊሉ ክዝሕል ዝኽእል እንተዘይኮይኑ እንታይ ከስዕብ ይኸውን?

ዶክተር ኣወል ኣሎ፦ ክንሪኦ ዝግበኣና ሓደ ነገር ኣሎ። እቲ ኣፈላለዮም እንታይ እዩ?። ኣብ መንጎ ብኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ህወሓትን ዘሎ ኣፈላላይ፡ ናይ ስነ-ሓሳብ እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ኢትዮጵያ ንሓዋሩ እንታይ ክትመስል ኣለዋ፡ እንታይ ዓይነት ሃገረ-መንግስት ክትከል ኣለዎ- ዝብል ከቢድ ኣፈላለይ ዝወለዶ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ህወሓት ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ስልጣን ምስለቐቐ፡ ኣብዪ፡ ስልጣኑ ንምጽናዕ ክብል፡ ህወሓት ናብ ምድፋእን ኣብ ዘመኑ ዝተሰርሑ ናብ ምንእኣስን ኣትዩ። ብሓጺሩ ናይ ህወሓት ሌጋሲ ናብ ምድምሳስ እዩ ኣትዩ። ብፍላይ ድማ፡ ምስ ምፍራስ ኢህወዴግን ምምስራት ብልጽግና ፓርቲን ተኣሳሰሩ ዝተሰርሑ ነገራት፡ ኣብ ስነ ሐሳብ መሰራታዊ ኣፈላላይ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

በበኸባቢኡ ዝረአዩ ጎንጽታትን፡ መንግስቲ ፌዴራል ይፍጠሮም ህወሓት፡ ካብቲ ናይ ሓንሳብ ዝነቕሉን ካብ መንጽር ምስዕዓር ዝረአዩ እዮም።

ኣብዚ ቀረባ ኣብ ወለጋ ዝተፈጸመ ጥራሕ እንተሪኢና፡ ቅትለት ናይቶም ንጹሁን ዜጋታት ምስተፈጸመ፡ ሽዑ ንሽዑ፡ እቲ ቅትለት ምስ ኦነግ-ሸኔ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ድማ ህወሓት ከምዘሎ እዩ ተዘሪቡ።

ርግጽ ኣብ መንጎ ህወሓትን ኦነግን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ርክብ ሓርፋፍ እዩ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ሒደት መዓልታት እዩ ኲናት ተጀሚሩ።

እዚ ኩሉ፡ ዓርሱ ዝኸኣለ ጉዳይ ኣይኮነን። ከም መመኽነይታ ካብ ምቕራብ ሓሊፉ፡ ከም ዋና ምኽንያት ኮይኑ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ዓብዪ ጸገም ካልእ እዩ። ስለዚ እቲ ኲናት ካብ አፈላላይ ስነ-ሓሳብ ዝነቅል ስለዝኾነ፡ ብቐሊሉ ኣብ ሓጺር ጊዜ ዝዝሕል ኣይመስለንን።

ብቐሊሉ ዝዕወት ወገን’ውን ኣይክህሉን።

ውግእ እንተተቐጺሉ ድማ፡ እቲ ሳዕቤኑ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዞባ ሙሉእ ዝተርፍ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ይንቀሳቐስ እዩ ዘሎ። እቲ ምስ ኣብዪ ዘሎ ርክበ’ውን ናይ መንግስቲ ንመንግስቲ መልክዕ የብሉን። ናይ ኣብዪን ኢሳይያስን ውልቃዊ ርክብ እዩ ዝመስል።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ስርዓት ዘለዎ ቅዋም ፍሉጥ እዩ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ መንጎ ናይ ኣብዪ መንግስትን ህወሓትን ዘሎ ኣፈላላይ ስነ-ሓሳብ ብቐጥታ ዝራኸብ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዓሌት ዝተመስረተ ስርዓት ፌዴራሊዝም ንኢትዮጵያ ኣየድልያን እዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘለዎ።

ስለዚ፡ ኤርትራ ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስትን ክልል ትግራይን ዝተወለዓ ኵናት ኢድ የብሉን ክትብል ኣይከኣልን።

ድሕሪኡ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ክስሕብ ጀሚሩ ኣሎ። ኣልሻባብ ከምድሌቱ ክንቀሳቐስ እዩ ማለት እዩ።

ኣብ ሱዳን ዘሎ ጸገም ድማ ዝፍለጥ እዩ። ስለዚ፡ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ጸገም ከምዘስዕብ ጥርጥር የብሉን።

ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣትዮምዎ

ቢቢ፡- እቲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ክዝሕልን ክሃድእን ካብ ክልቲኦም ወገናት ኮነ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል?

ዶክተር ኣዎል ኣሎ፦ ኲናት ክትጅምሮ ቀሊል እዩ። ክትውድኦ ግን ከቢድ እዩ። ናብቲ ኲናት ምስተኣትወ፡ ብህልኽ ንማሕበረሰብ ዓለም ምድማጽ ኣይህሉን።

ገለ ሚድያታት ከምዝጸብጸበኦ፡ መንግስቲ ፌዴራል ሕቶታት ዘተ ከምዘይቕበልን ብጸቕጢታት ጠጠው ከምዘይብልን እዩ። እቲ ጉዳ ይ ብኲናት ጥራሕ ክፍታሕ እዩ ዝደሊ ዘሎ።

ህወሓት’ውን እቲ ነገር ክጓሃሃር ናይ ባዕሉ ተራ ተጻዊቱ እዩ። እቲ ጸገም ብሰላም ክፍታሕ ድሌት ዘለዎ ኣይመስለንን።

እንተኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ኲናት ቀልጢፉ ኣይውዳእን። ዝደኸመ ክህሉ ይኸውን ግን ግልጺ ብዝኾነ መገዲ ተስዒሩ ኣላሽ/የሻል ዝብል ኣይህሉን።

ስለዚ ካብዚ ኲናት ዝኸስብ ኣካል የለን። ኩሉ እዩ ዝጉዳእ። ስለዚ ክግበር ዘለዎ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ክቕመጡ ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ጸቕጢ ክግበረሎም ኣለዎ።

እቲ ጸገም ፖለቲካዊ ስለዝኾነ፡ ናይ ስነ ሓሳብ ስለዝኾነ፡ ኢትዮጵያ እንታይ ትምሰል ዝብል ክልቲኦም ንህዝቢ ኢትዮጵያ እንተዝገድፍዎ።

ቢቢሲ፡- ህወሓት ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብኢድ ኣእታውነት ከኸስስ ጸኒሑ እዩ። እቲ ዶብ እውን ተዓጽዩ እዩ ዘሎ። ንምዃኑ እቲ ዕርቀ ሰላም ኣብ ምንታይ ብርኪ ኣሎ ትብል?

ዶክተር ኣወል ኣሎ፦ መጀመርታ እቲ ቀዳመይ ሚኒስተር ብዝወሰዶም ስጉምትታት ንኢድናዮ ነይርና። ይኹን ምበር ኣብ ኣብ መንጎ መንግስታት ፌዴራል ክልል ትግራይን ዘሎ ርክብ፡ እቲ ዕርቀ ሰላም ፍሕት ከምዘይብል ገይርዎ።

እቲ ጸገም ናይ ዶብ እንተኾይኑ፡ ንሱ ድማ ኣብ መንጎ ትግራይን ኤርትራን እዩ ዝርከብ። እንተኾነ፡ ምስ ክልል ትግራይ እቲ ርክብ ኣይተመሓየሸን። ገና ሕማቕ እዩ ዘሎ።

ከምዝመስለኒ፡ ድሌት ኣብይን ኢሳይያስን ንህወሓት ምጭፍላቕ እዩ ነይሩ። እዚ እቲ ቀንዲ ፖሊሲ እዩ።

ኣብቲ ናይ 1998 ዓ/ም ኲናት ስለዝተሳዕረ፡ ኢሳይያስ ንህወሓት መሊሱ ክስዕሮ እዩ ዝደሊ።

ንኣብዪ ድማ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከተግብሮ ዝሃቀኖ ስነ-ሓሳብ፡ ህወሓት እዩ ዕንቅፋት ኮይኑኒ ኢሉ’የ ዝኣምን።

ስለዚ ክልቲኦም፡ ናይ ሓባር ጸላኢ ገይሮም እዮም ዝርእዩዎ።

ስለዚ፡ ኣስመራ’ውን ልክዕ ከም ኣዲስ ኣበባን መቐለን፡ ኣካል እቲ ኲናት ኮይና እያ ምባል ጌጋ ኣይኮነን።

እቲ ተሳትፎ ክንዲ ምንታይ ዝኣክል እዩ ዝብል ግን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክንግምግም ኣይንኽእልን።

ቢቢሲ፡-ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምስቲ ዕርቀ ሰላም ብዝተኣሳሰር፡ ሽልማት ኖቤል ክረክብ ካብ ዝሓጸዩ ሓደ ኢኻ። ሕዚ ብኸመይ ትግምግሞ?

ዶክተር ኣወል ኣሎ፦እቲ ደብዳበ እንትጽሕፍ፡ ኣብቲ እዋን ብዝረእኽዎ ተበጊሰ እየ ከምኡ ሓሲበ። ብዙሕ ጊዘ፡ ሓደ ጊዘ እንሰርሖ ስራሕ ካልእ ጊዜ ተመሊስና እንትንሪኦ፡ ጌጋ ኾይኑ ክስመዐና ይኽእል እዩ።

ሕዚ’ውን እንተኾነ፡ ኣብዪ በቲ ዝሰርሖ ስራሕ ኣፍልጦ ምውሃቡ ሕማቕ እዩ ኢለ ኣይሓስብን። እቲ ጸገም ግን ሙሉእ ንሙሉእ ክፍታሕ እዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን።

እንተኾነ፡ እዚ ኣፍልጦ እንተተዋሂብዎ ንቐጻሊ ዝሐሸ ስራሕ ክሰርሕ ይኸውን እዩ ዝብል ግምት ነይሩኒ።

እቲ ዝነበረኒ ግምትን ትንታነን ጌጋ እዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር ሕጹይ ገይረ ደብዳበ ምጽሓፈይ ኣየጣዕሰንን።

ኣብዪ እቲ ሽልማት ተዋሂብዎ፡ ከምቲ ሕዚ ንሪኦ ዘለና ኲናት ክእውጅ እንተሎ፡ ብኡ ልክዕ እዩ ብዓለምለኸ ‘እንታይ ወሪድዎ?’ ተባሂሉ ዝሕተት።

ቢቢሲ፡ እቲ ኲናት ምስተኸፍተ ኮነ ቅድሚኡ፡ ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህወሓት መሪር ተቓውሞ እዮም ዘስምዑ ዘለዉ። ኣብቲ ኲናት’ውን፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ይሳተፉ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኲናት ንክእውጅ፡ ካብ ብልጽግና-ኣምሓራ ውሽጣዊ ጸቕጢ በጺሕዎ’ዶ ክኸውን ይኽእል?

ዶክተር ኣዎል ኣሎ፦ ከምኡ ዓይነት ጸቐጢ የለን ኣይበሃልን። ህወሓት ንኢትዮጵያ ሓደጋ እዩ፡ ክጠፍእ ኣለዎ ገለ ዝብል እዩ ዝስማዕ ካብኣቶም። ሕዚ ምስቲ ኣብ ወለጋ ዝተፈጸመ’ውን ከምኡ እዩ ተስተውዒሉ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ስጉምቲ ክትወስድ ኣለካ ኢሎም ጽልዋ ምፍጣሮም ዝገርም ኣይኮነን። ከምኡ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

እቲ ዝተወለዐ ኲናት፡ ካብዚ ዝነቐለ ከኸውን ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ነዚ ድማ ብዙሕ ታሪኻዊ ምኽንያታት ኣለው። ሓደ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ህብረ-ብሄራዊ ፌዴራሊዝም፡ ፖሊቲከኛታት ኣምሓራ ኣይደልዩዎን።

ምስ ግዝኣት መሬት ተኣሳሰሩ ድማ፡ ኣብ ዶብ ዝጸንሐ ዘካትዕ ዛዕባ ኣለዎም።

ብኣውርኡ ግን፡ ኣሃዳዊ ዝበሃል ስርዓት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ከይመጽእ ዝቃወሙ ካብ ዘለዉ ሓይልታት ሓደ ስለዝኾነ፡ እቲ ጎንጺ ካብኡ እዩ ዝጅመር።

ቢቢሲ፦ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠሩ ዘለዉ ጎንጽታት ቅትለታትን ማእሰርትን፡ እዚ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝህቅኖ ሓሳብ ተቓውሞ ከምዝገጠሞ ገይርካ ምውሳድ’ዶ ይከኣል?

ዶክተር ኣወል ኣሎ፦ ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ዘሎ ምክፍፋልን ምቅርሓንን፡ ገለ ሓይልታት እታ ሃገር ክተኽልዎ ንዝደልዩ ስርዓት ንምምችቻው ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ድማ፡ መንግስቲ ኣብዞም ቅትለታትን ጎንጽታትን ኢድ የብሉን ክብል ይኸብደኒ እዩ።

እቲ ዝሃልቕ ዘሎ ሰብ ግን መን ይቐትሎ ከምዘሎ፡ ዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮ ኣለዎ።

ቢቢሲ፦ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኢህኣዴግ ዝነበረ ሰብ እዩ። ተኸታሊ ስርዓት ፌዴራሊዝም ከምዝኾነ እውን እዩ ዝዛረብ። እንታይ እዩ እቲ ከሳብ ናብ ኲናት ዘምርሕ ናይ ስነ-ሓሳብ ኣፈላለይ?

ዶክተር ኣወል ኣሎ፦ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከከም ዝጠዓሞ እዩ ዝዛረብ። ግልጺ ዝኾነ ናይ ፖሊቲካ ስነ ሓሳብ የብሉን።

አሃዳዊ ኣተሓሳስባ ንዘሰጉሙ ሰባት እንትዛረብ፡ ብናቶም ቋንቋ እዩ ዘውሪ። ምስ ካልኦት እንተዛርብ ድማ ካልእ ይዛረብ።

ካብቲ ዝዛረቦን ዝገብሮን ተበጊስካ እንክትርእዮ ግን፡ ንፌዴራሊዝም ዝድግፍ ሰብ ኣይኮነን። ንኣብነት ፓርቲ ብልጽግና ዝተዋቐረሉ መገዲ ነዚ ዝጻረር እዩ።

ብዝተወሰነ ብርኪ ዝተማእኸለን፡ ናቱ ስልጣን ዘጉልሕን ዓይነት መዋቕር ፖለቲካ እዩ ክሃንጽ ዝደሊ፤ ብግልጺ ክዛረቦ ግን ኣይደልን።

ምስ ህወሓት እኳ እንተነበረ፡ ነቲ ዝሓለፈ ስርዓት ኣብዚሑ ዝወቕሰሉን ዝነቕፈሉን ምኽንያት፡ ንህወሓት ብምንቃፉ ብብዙሕ ሰብ ተቐባልነት ስለዘርክብ እዩ።