"ብወገን ምዕራብ ትግራይ ውግእ ይቕጽል ኣሎ" ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

መራሒ ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ሎሚ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ቀሪቡ ብወገን ምዕራብ ትግራይ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጹ።
“ብደቡብ ትግራይን ዓፋርን እውን ሰራዊት የእትዉ ኣለዉ፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ውግእ ክለዓል ይኽእል እዩ” ድማ ኢሉ።
ኣብ’ቲ ብወገን ምዕራብ ትግራይ ኣሎ ዝበሎ ውግእ፡ “ሓይልታት ኣምሓራን ፌደራልን ይገጥሙና ኣለው” ኢሉ።
ኣብ ኢድ እዚ ሰሜን ንዝጸንሐ “ዳርጋ ኩሉ ኣጽዋር” ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ኣትዩ’ሎ ክብል’ውን፡ ተዛሪቡ።
“ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኣጽዋር ህዝቢ ትግራይ ክቕጥቀጥ የብሉን። ኣብ ትግራይ ዘሎ ብረታት ንድሕንነት ህዝቢ ትግራይ እዩ ክውዕል። ምሉእ ኣጽዋር ኣለና ሕዚ። ብብረት ካብኦም ኣይንሰንፍን እንተዘይበሊጽና ” ኢሉ።
ምስ ኣባላት ሰራዊት እዚ ሰሜን “ብምትሕብባር” ይሰርሑ ከምዘለዉ’ውን ገሊጹ’ሎ።
ነዊሕ ርሕቐት ዝኸይድ ኣጽዋር ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ “ነቶም ሰላምና ዘይደልዩ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ዝእዝዙ ኣብ ዘለውዎ’ውን ክነርክበሎም ንኽእል ኢና። ዘለና ኣጽዋር ኣብ ልዕሊኦም ክነፍስሶ ኢና” ኢሉ።
ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝጸንሑ ገለ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ናብ ኤርትራ ከምዝሰገሩ ዝገለጸ እቲ መራሒ፡ እቶም ወተሃደራት "ካብ ኣብ ትግራይ ትጸንሑ ናብ ኤርትራ ስገሩ ስለዝተብሃሉ እዮም ሰጊሮም" ክብል ሓቢሩ።
ትማሊ ምሽት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዓወት ነመዝግብ ኣሎና ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ይኹን እምበር ኣስማት እቲ ቦታታት ኣይጠቐሰን።
ማሕበረሰብ ዓለም እዚ ኵናት እዚ ሰብን ንብረትን ከይዕነወ ብዝቐልጠፈ ደው ኢሉ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘተ ክኣትው ይጽውዕ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







