ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣትዮምዎ

ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣትዮምዎ

ትማሊ ተዂሲ ዝተሰምዓላ ከተማ መቐለ ሕጂ ኣብ ህዱእ ኩነታት ምህላዋ ተሓቢሩ። ይኹን እምበር ኣብታ ክልለ ጥቡቕ ጸጥታዊ ኩነታት ምህላው ተፈሊጡ።

ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ እውን ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ “ህወሓት ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ጥቕዓት ፈጺሙ” ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።

ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣትዮምዎ

እንተኾነ፡ መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ: ኣብ ልዕሊ ትግራይ "ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስድ ተዳልዩ’ሎ" ክብል ከሲሱ ነይሩ።

ኣብ’ታ ክልል፡ ሕጂ’ውን ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ከም ተቋሪጹ እዩ ዘሎ።

ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣትዮምዎ

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ እዩ።

እንተኾነ፡ ኣብ’ዛ ክልል ቁጽጽር ዘይብሉ መንግስቲ ፌደራል ብኸመይ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከምዘፈጽሞ ንጹር ኣይኮነን።

ፖለቲካዊ ወጥሪ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን