‘መንግስቲ ፌደራል ሓይሊ ክጥቀም ይዳሎ ኣሎ’ ክብል ዶ/ር ደብረጽዮን ከሲሱ

ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምትፍናን ዝርከብ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ 'ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ናብ ምውሳድ ተሰጋጊሩ'ሎ' ክብል ከሲሱ።
መራሒ ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶክተር)፡ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ 'ናይ ሓይሊ ስጉምቲ' ክወስድ ከምዝኽእል ብምእንፋት "ህዝቢ ድልውነቱ ከሐይል" ጸዊዑ።
"እዚ ኹሉ ጸቕጥታት፡ እዚ ኹሉ ናይ ሚድያ ወፍርታት፡ እዚ ኹሉ ኢኮኖሚያዊ በትሪ እናብጸሐ ከይኣኽሎ፡ ሕዚ ድማ ብሓይሊ ክጭፍልቕ እየ ኢሉ ይንቀሳቐስ እዩ ዘሎ። ብዙሓት ምልክታት'ውን ኣሎ" ኢሉ።
መንግስቲ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን፡ ነንርእሶም "ዘይሕጋዊ እዩ" ብዝብል ብወግዒ ርክባቶም ከምዝበተኹ ድሕሪ ምግላጾም፡ ምስሕሓቦም ዓሪጉ'ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ 19 ጥቅምቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ክዛረብ እንከሎ "ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ሓይሊ ዘሎ ጉዳይ፡ ብሕግን ብሕግን ጥራይ ክምለስ እዩ" ዝብል ሓጺር መልሲ እዩ ሂቡሉ። ናብ ኲናት ክኣቱ ድሌት ከምዘይብሉ ገሊጹ ነይሩ።
ቅድም ክብል፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ለውጢ ስልጣንን ኣሰላልፋን ምስገበረ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ድሕሪ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ሕጋዊ ተቐባልነት ስለ ዘይብሉ፡ ንኣቃውማን ኣሰላልፋን ሓይልታት ምክልኻል ክልውጥ ኣይክእልን'ዩ ኢሉ ነይሩ።
ንሓድሽ ምክትል 'ሰሜን እዝ' ሰራዊት እታ ሃገር ብ/ጀነራል ጀማል መሓመድ ካብ መቐለ ከም ዝምለስ ኣገዲድዎ ምንባሩ ይዝከር።
ብድሕሪ'ዚ ፍጻሜ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነዚ መግለጺ ናይ ክልል ትግራይ፡ ኣንጻር ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ መግለጺ "ክእርሞ" ሓቲቱ።
ካልእከ እንታይ ኢሉ?
ዶ/ር ደብረጽዮን: "ምልክታት፡ ምድላዋት ኣለዉ እዮም። እቲ ሓደ ምልክት፡ ዳርጋ ኹሉ ሰራዊት ተዳሎ እዩ ተባሂሉ" ክብል እንተገለጸ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
እቲ መራሒ ወሲኹ፡ ፈላማይ ድላይ መንግስቲ ትግራይ ሰላም ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ሰራዊት ኣዳሊና ኢና፡ ሚሊሻና ኣደሊና ኢና፡ ፍሉይ ሓይልና ኣዳሊና ኢና። ውግእ ከነትርፍ ኢና ተዳሊና። ክንዋጋእ እንተኾይንና ግን፡ ክንስዕር ኢልና ተዳሊና ኢና" ክብል ተዛሪቡ።
ድሕሪ'ቲ መግለጺ፡ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ'ውን "ኣንፃር ህልውናና ዝተሰለፉ ሓይልታት ግሁድ ምትእኽኻብ ይገብሩ ምህላዎም ግልፂ ኮይኑ [ኣሎ]" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ "ምእንተ ህልውናን ደሕንነትን ትግራይና ኣብ ልዑል ተጠንቀቅ ኣለና። … ህዝብና በብኸባቢኻ ውዳበታትካ ኣሰጣጢምካ ንኹነታት ብንቅሓት ክትከታተል ይግባእ" ኢሉ።
ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ውድብ ህወሓት፡ ማእከላይ ኮሚቴኡ ብቀዳም ናይ ሓደ መዓልቲ ኣኼባ ከምዘካየደን "ቁልፊ ውሳነታት" ከምዘሕለፈን እኳ እንተተገለጸ፡ ብዘይተለመደ መልክዑ ግን፡ ዝርዝር ናይ'ቲ ውሳነታት ብዝምከልት መግለጺ ኣይተውሃበሉን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







