እንካን ሃባን መንግስቲ ክልል ትግራይን ምኒስትሪ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, SCREENSHOOT
ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ለውጢ ስልጣንን ኣሰላልፋን ገይሩ ኣሎ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ድሕሪ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ሕጋዊ ተቐባልነት ስለ ዘይብሉ ኣቃውማን ኣሰላልፋን ሓይልታት ምክልኻል ክልውጥ ኣይክእልን'ዩ ብምባል ነጺጉዎ።
'እዋናዊ ቅዋም' ብዝብል ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓቖፈ መግለጺ ከኣ፡ ኣብ ትግራይ፡ ካብ ወተሃደራዊ መዓስከር ወጻኢ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ሓድሽ ኣመዳድባን ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ይጠቅስ።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ብ'ሰሜን እዝ' ዝፍለጥ ሓይሊ ምክልኻል ሃገር ከም ምክትል ኣዛዚ ኮይኑ ክመርሕ ንዝተላእከ ብርጋዴር ጀነራል ጀማል መሓመድ ብሓይልታት ጸጥታ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መሊሱዎ።
ሚኒስትሪ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?
ብድሕሪ'ዚ ፍጻሜ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ እቲ ተግባር ኣንጻር ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ብልዑል መስዋእቱ፣ ሉኡላውነት ሃገርን ዞባዊ ሰላምን ብምኽባር ዘኹርዕ ታሪኽ ዝሰርሐ ሰራዊት ልምዓትን ሰላምን ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ርእሲኡ ባህሪያውን ሰብ ሰርሖን ጸገማት ህዝቢ ብጉልበቱን ንዋቱን እናተሳተፈ ዝምክት፣ ኣንጻር ሓይልታት ግብረ ሽበራን ዘረግቲ ሰላምን ዝቖመ ሃገራዊ ሓይሊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቶም "ሰላምን ድሕነትን ሃገር ዘይደልዩ ጉጅላውያን ሓይልታት" ዝበሎም ኣንጻር ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ንዘውጽእዎ መግለጺ ክእርምዎ ጸዊዑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ መንግስቲ ፈደራል "ዳግማይ ምውድዳብ፡ ብዝብል ሽፋን ንህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ይሰርሕ ኣሎ" ብምባል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎድኑ ተሰሊፉ ንኽቃለስ ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።
ኣስዒቡ እውን፡ "ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ተሻሪኹ ደም ከፋስስና ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ" ክብል እውን ይኸስስ።
እቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ጠርዚ ከይዓርግ፡ ከም ፕሮፌሰር ሼትል ትሮንቮልን ክራይስስ ግሩፕን ዝኣመሰሉ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ቆላሕታ ክህቦ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

ንባብ ብወተሃደራዊ ኪኢላታት
ስሞም ክጽራሕ ዘይደልዩ ገዳይም ወተሃደራዊ ኪኢላታት፡ እቲ ኩነታት ካብ ሰላማዊ መገዲ ወጻኢ ናብ ሓይሊ ከም ዝማዕበለን፡ እቲ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ምቅይያር ወተሃደራዊ ኣሰላልፋ ናብ ኲናት ዝእንፍት ኮይኑ ከም ዝስመዖም ንቢቢሲ ገሊጾም።
እቶም ምንጭታት ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ኣመራርሓ ዝጸንሑ ዝበዝሑ ተወለድቲ ኦሮሞን ትግራይን ነባር ወተሃደራዊ መኮንናት ይባረሩ ከም ዘለዉ እውን ይዛረቡ።
ቀንዲ ሓላፍን ምክትልን ሰሜን እዚ ብጉልባብ ጥሮታን ናይ ምደባ ለውጥን ካብ ቦቶኦም ከም ዝተላዕሉ ከኣ ከም መረዳእታ ይጠቕሱ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ግን እቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘውጸኦ መግለጽን ዝገብሮ ዘሎ ተግባርን ንስምን ክብርን ሓይልታት ምክልኻል ዝድውንን ኣንጻር ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ዘይሕገ መንግስታዊ ብምዃኑ ብሕጊ ከም ዝኸዶን ከም ዝውድኦን ኣብሪሁ።
ነቶም፡ 'ብዝተፈላለየ መራኸቢታት ንክብርን ተግባርን ሓይልታት ምክልኻል ዝድውንን ዘራኽስን መግለጺ የውጽኡ ኣለው' ዝበሎም ከኣ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ጸዊዑ ኣሎ።
ሓድሽ ወተሃደራዊ እዚ
እቶም ኣብ መግለጺ መንግስቲ ክልል ትግራይ ርእይቶኦም ክህቡ ዝተሓተቱ ነባራት ወተሃደራዊ ኪኢላታት ኣብቲ ናይ መንነነት ሕቶ ዝለዓለሉ ከባቢ ወልቃይት ዝሕቆፍ 'ሰሜን ምዕራብ' ዝተሰምየ ሓድሽ ወተሃደራዊ እዚ ምጥያስ፡ ነቲ ክልል ትግራይ ምስ ሱዳን ዘራኽባ ዶብ ንምዕጻውን ምስ ሓይልታት ደገ ቀጥታዊ ርክብ ንምግባርን ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።
ሓደ ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወተሃደራዊ ተንተንቲ ከኣ "ናይ ጊዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ድሕሪ ሕዚ ብሰላምን ብዘተን ዝፍታሕ ነገር የለን" ክብል፡ ልዑል ተኽእሎ ኵናት ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስቲን ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ፡ ብፍላይ ድሕሪ ምርጫ ክልል ትግራይ እናዓረገ መጺኡ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ምብጽሑ ክራይስስ ግሩፕ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።
ክልቲኦም ሓይልታት ኣፍልጦ ተኸላሊኦም፡ ተተፋኒኖም ብምህላዎም ከኣ፡ ንፖለቲካዊ ኩነታት እዚ ዞባ'ዚ ዝከታተሉ ፖለቲከኛታት ህይወትን ሃብትን ሃገር ዘባኽን ዘየድሊ ጎንጺ ከይኽሰት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለው።
ክራይስስ ግሩፕ ክልቲኦም ሓይልታት ሓይልን ምትፍናንን ገዲፎም ጉዳዮም ብዘተን ልዝብን ክፈትሑዎ ኣትሪሩ ተማሕጺኑ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







