ኢትዮጵያ፡ ሓደ ካብ ዝኣደሙ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ 14 ዓመት ተፈሪድዎ

ኣብይ ኣሕመድ ምስ ተቓወምቲ ወተሃደራት ስፖርት እናሰርሐ

ምንጪ ስእሊ, Walta TV

ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ 66 ወተሃደራት ተዓጢቖም ናብ ቤተ መንግስቲ ዝመረሹ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 14 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱሎም።

እቶም ወተሃደራት ከም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 30 መስከረም፡ ምስ ዕጥቆም ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመረሹ እንትኸውን፡ መንግስቲ ወሰኽ መሃያ ከምዝሓተቱ ገሊጹ ነይሩ።

ጽንሕ ኢሉ ግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቶም ወተሃደራት ክቐትልዎ ናብ ቤትጽሕፈቱ ከምዝመጹ እዩ ተዛሪቡ።

ነዚ ኣመልኪቱ፡ ወተሃደራዊ ዓቃቢ ሕጊ ሻምበል ሃይለማርያም ማሞ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተውሃበ መግለጺ "እዚ ናይ ሎሚ ብይን መምሃሪ ክኸውን እዩ" ኢሉ ።

ጠበቓ ናይቶም ተኸሰስቲ ድማ ንገሊኦም ይግባይ ከምዝሓትት ኣፍሊጡ'ሎ።

ሓደ ተኸሳሲ ናይ 14 ዓመት ማእሰርቲ ዝተፈርዶ ክኸውን ከሎ፤ እቶም ዝተረፉ 65 ድማ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 13 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ተበይንዎም።

"ወተሃደራዊ ስነምግባር ብምጥሓሶም" ከምዝተፈርዶም ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል፤ ዳይረክተር ፍትሒ ኮለኔል መሸሻ አረዳ ገሊጹ።

እቶም ዝተፈረዶም 66 ወተሃደራት፡ ገለ ካብቶም ወተሃደራዊ ክዳን ደንቢን ቀይሕ ቆቢዕን መሊሶም፡ ምስ ዕጥቆም ናብ ቤተመንግስቲ ዝመረሹ 200 ወተሃደራት እዮም።

ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብቲ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቶም ወተሃደራት 'ፑሽ ኣፕ' ዝበሃል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክሰርሑ ብምእዛዝ ነቲ ኩነታት እኳ እንተህደኦ፤ ጽንሕ ኢሉ ግን በቲ ኩነታት ሕጉስ ከምዘይነበረ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ተዛሪቡ እዩ።

"ገለ ኣባላት ሰራዊት ናብ ቤተመንግስቲ ተዓጢቖም ምምራሾም ዘይሕጋዊ ጥራይ ከይኮነስ ሓደገኛ እውን እዩ፤ ምኽንያቱ ዕላመኦም ነቲ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ምትዕንቓፍ እዩ" ኢሉ ነይሩ።

እቲ ኩነታት ምስሃድአ፡ ገለ ሓይልታት ከይቀተልናዮ ኣምሊጡና ክብሉ ከምዝተሰምዑ'ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ ነይሩ።

ብዛዕባ ኣብቲ 'ተቓውሞ' ዝተሳተፉ ዝተረፉ ወተሃደራት ዝተፈልጠ ነገር የለን።