ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ሰራዊት ብኽፋል ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክንቀሳቐስ ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian press agency
ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ናብ ዘተኣማምን ደረጃ ስለዝበጽሐ ሰራዊት ካብ ሰሜን ናብ ካልኦት ከባቢታት ምንቕስቓሱ ኣገዳሲ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ኣዛዚ እዚ ምዕራብ ሜጀር ጀነራል ኣስራት ደኔሮ፡ ገሊጹ።
ላዕለዎት መኮነናት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ትማሊ ንሃገራዊ ማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብሰንኪ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት ዝበዝሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ክዕስክር ተገይሩ እንተነበረ'ኳ፡ ሐዚ ኣብ ካልኦት ከባብታት ዝተኸሰተ ጎንፅን ዕግርግርን ንምህዳእ ክንቀሳቐስ ከምዝተገብረ ወሲኾም ሓቢሮም።
ብመሰረት እቲ ውሳነ ኣብ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ማእከላይ እዚ ተላዒሉ ብእዚ ሰሜን ጥራይ ክሽፈን ተገይሩ ኣሎ።
ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ናጻ ዝኾነሉ ሰራሕቲ ሪፎርም ይካየድ ከምዘሎ'ውን ኣዛዚ ፍሉይ ወፍሪ ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ሞላ ሃይለማርያም ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ናይዚ ምምሕያሻት ኣካል ዝኾነ፡ ቁጽሪ እዝታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ 6 ናብ 4 ተነክዩ ኣሎ።
ክልተ እዚታት ክንከዩ እንተተገብረ'ኳ፤ ካልኦት ክልተ እዚታት ሓይሊ ባሕሪን ፍሉይ ወፍሪ ሰራዊትን ዘጣይሽ ኮሚቴ ከምዝተጣየሰ ካብ መግለጺ እቶም ላዕለዎት መኮነናት ምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







