ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ሰራዊት ብኽፋል ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክንቀሳቐስ ተወሲኑ

ላዕለዎት መኮነናት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian press agency

መግለጺ ስእሊ, ላዕለዎት መኮነናት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ

ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ናብ ዘተኣማምን ደረጃ ስለዝበጽሐ ሰራዊት ካብ ሰሜን ናብ ካልኦት ከባቢታት ምንቕስቓሱ ኣገዳሲ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ኣዛዚ እዚ ምዕራብ ሜጀር ጀነራል ኣስራት ደኔሮ፡ ገሊጹ።

ላዕለዎት መኮነናት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ትማሊ ንሃገራዊ ማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብሰንኪ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት ዝበዝሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ክዕስክር ተገይሩ እንተነበረ'ኳ፡ ሐዚ ኣብ ካልኦት ከባብታት ዝተኸሰተ ጎንፅን ዕግርግርን ንምህዳእ ክንቀሳቐስ ከምዝተገብረ ወሲኾም ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ውሳነ ኣብ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ማእከላይ እዚ ተላዒሉ ብእዚ ሰሜን ጥራይ ክሽፈን ተገይሩ ኣሎ።

ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ናጻ ዝኾነሉ ሰራሕቲ ሪፎርም ይካየድ ከምዘሎ'ውን ኣዛዚ ፍሉይ ወፍሪ ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ሞላ ሃይለማርያም ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ናይዚ ምምሕያሻት ኣካል ዝኾነ፡ ቁጽሪ እዝታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ 6 ናብ 4 ተነክዩ ኣሎ።

ክልተ እዚታት ክንከዩ እንተተገብረ'ኳ፤ ካልኦት ክልተ እዚታት ሓይሊ ባሕሪን ፍሉይ ወፍሪ ሰራዊትን ዘጣይሽ ኮሚቴ ከምዝተጣየሰ ካብ መግለጺ እቶም ላዕለዎት መኮነናት ምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።