ሶማልያ፡ ሓደ ካብ መስረቲ ኣልሸባብ ተኣሲሩ

ሙኽታር ሮቦው

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሙኽታር ሮቦው

ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝነበረን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክካየድ ተመዲቡ ኣብ ዘሎ ዞባዊ ምርጫ ክወዳደር ምድላዋት ክገብር ዝጸንሐን ወልቀሰብ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐየደ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ሙኽታር ሮቦው ዝተባህለ ሶማላዊ፡ ሓደ ካብቶም ፕረዚደንት ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ንምዃን ዝህቅኑ ዘለዎ ቀንዲ ተወዳደርቲ'ዩ። ስለምንታይ ከም ዝተኣስረ ግን ዛጊት ብንጹር ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ (ኣሚሶም) ዝኾኑ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝኣሰርዎ እውን ቢቢሲ ሶማልያ ዝረኸቦ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ንሱ ብሓሙስ ኣብ ከተማ ባይዶዋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓትን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ግጭት ተፈጢሩ ምንባሩን፡ ተዂሲ ከም ዝተሰምዐን እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም። ኣብታ ከተማ ዘለዉ መስመራት ተለፎን ተቛሪጾም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣፈኛን ምክትል መራሒ ኣልሸባብን ኮይኑ ዘገልገለ ሙኽታር ሮቦው፡ ኣብቲ ምርጫ ከይሳተፍ ኣጊድዎ ነይሩ'ዩ።

ይኹን'ምበር ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር፡ ነቲ እገዳ ዕሽሽ ብምባል ኣብቲ ምርጫ ክወዳደር ኣፍቂዱሉ።

ንሱ፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ክፈጥሮ ዝደሊ ጽልዋ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ይንገር።

እዚ ናይ ሕጂ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ድማ፡ ንህቡብነቱ መሊሱ ዝድርዕን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲን ናይ ወጻኢ መሻርኽቱን ዝያዳ ጽልኣት ዝፈጥር ከኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣብ ሶማልያ ብዛዕብኡ ዘሎ ርእይቶ ዝተኸፋፈለ'ዩ።

ገለ ሰባት ኣብቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝግበር ቃልሲ ክጠቅም ይኽእል'ዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ግን ሓደ ካብ መስረትቲ ናይቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ምንባሩ ብዓይኒ ጥርጠራ እዮም ዝርእይዎ።