መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ነፈርትን ተሽከርከርትን ኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY COMM. OFFI.
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ብክልላዊ ቴሌቪዥናት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "መንግስቲ ፌደራል ንህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ምስ ሓይልታት ወጻኢ ተሻሪኹ ሉኣላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ይህብ ኣሎ" ክብል ከሲሱ።
ዝኸፍአ ኲናትን ዕንወትን ቅድሚ ምብጽሑ ከኣ ምስ ኣባላት ሰሜን እዝ ብሓባር ኮይኑ ክቃለስ ከምዝኾነ ኣፈሊጡ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ "ሰራዊት ሰሜን እዚ፡ ምስ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ ክሰርሕ ወሲኑ" ክብል ገሊጹ። እንተኾነ ካብ መንግስቲ ፈደራል ምላሽ ስለዘይተዋህበ እቲ ሓበሬታ ኣይተረጋገጸን።
መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብቲ ክልል ዝተኸልከሉ ዝብሃሉ መምርሒታት'ውን ኣሕሊፉ ኣሎ። በዚ መሰረት
- ኣብ ውሽጢ ትግራይን፡ ናብ ትግራይን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ሰራዊት ከምዝተኸልከለ
- ናብ ትግራይ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት በረራ ኣየር ከምዘይፍቀድ፡
- ነዚ ብምጥሓስ ብኣየር ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ጉድኣት ንምብጻሕ ዝግበር ምንቅስቓስ እንተጋጢሙ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከምዝውሰድ
- ኣዘዝትን ኣባላት ሰራዊት ካብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ይምጽኡ ግቡእ ክንክን ከምዝግበረሎም
- ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከምዘይህሉ ዝብሉ እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሰራዊት ምክልኻል፡ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ከምዝተዋህቦ ሓቢሩ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ከኣ ነብሰይ ክከላኸል እየ ኢሉ።
ቅድም ኢሉ፡ ክራይስስ ግሩፕ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል፡ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ኣፈላላይ ብዘተ ክፈትሑ እንተዘይክኢሎም፡ ናብ ኲናት ክኣትው ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቁ ነይሩ።
ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ትካላትን'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንክፍታሕ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክካየድ ከተሓሳስቡ ቀንዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







