ሕብረት ኣፍሪቃ ኩሎም ወገናት ጎንጺ ካብ ዘጓሃህሩ ተግባራት ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ

ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ በቲ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 32 ሰባት ከምዝሞቱ ክሕብር ከሎ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ብወገኖም፡ እንተወሓደ 54 ከምዝበጽሑ ይዛረቡ።
ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ኣራርሳ መርዳሳ ንሃገራዊ ቴለቪዥን ከምዝገለጾ፡ ብሰንበት ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ንጹሃን ዜጋታት 32 እዩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ዘቐመጦ ቁጽሪ ብምጥቃስ፡ እንተኾነ ብዝሒ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል ይሕብር።
ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማህማት፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዘጋጠመ ሞት ንጹሃን ዜጋታት ኮኒኑ’ሎ።
እቲ ሕብረት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጉጅለታት ተሓተትቲ ክገብር ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ዝፍጠሩ ጎንጽታት እናተጋደደ ምምጽኡ ዘዘኻኸረ መግለጺ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ “ኩሎም ኣካላት ጎንጽታት ካብ ዘጓሃህሩ ተግባራት ክቑጠቡ ኣለዎም” ኢሉ።
ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ጎንጺ ንምህደእ ጻዕሪ ምግባር ከምዘድልይ ብምሕባር ድማ፡ ንኹሉ ዘሳትፍን ናብ ብሄራዊ ዕርቂ ዝወስድን ዘተ ፖለቲከኛታት ክካየድ ከምዘለዎ ገሊጹ።
እዚ ኣብ ዘይኸውን ግን እቲ ዘይምርግጋእ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ስግኣት እቲ ዞባ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ሙሳ ፋኪ ኣጠንቂቑ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ንክሰፍን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከምዝሕግዝ ድማ፡ ተዛሪቡ።
ዓለም ለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብ 54 ዘይውሕዱ ተወለድቲ ኣምሓራ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተሉ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነቲ ከባቢ ገዲፉ ምስወጽአ ኣባላት ኦነግ (ግንባር ናጽነት ኦሮሞ) ከምዝኾኑ ዝግመት ዕጡቓት፡ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ እቲ ትካል ይሕብር።
ሰራዊት ምክልኻል ንምንታይን ብኸመይን ነቲ ከባቢ ገዲፉ ክወጽእ ከምዝኸኣለ፡ ክጻረይ ይግባእ ኢሉ’ሎ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።
በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ሰባት፡ ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ከምዝርከብዎም’ውን፡ ኣፍሊጡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







