ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ 'ጃምላዊ ቅትለት' ከም ዝተፈጸመ ሰብመዚ ኣረጋጊጾም

ካርታ ክልል ኦሮሚያ

ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈጸመ “ጃምላዊ ቅትለት” ቁጽሮም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሰብመዚ’ቲ ክልል ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዞን፡ ጉሊሶ ዝተባህለ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ “ሰላማውያን ሰባት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብጅምላ ተቐቲሎም” ክብል ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ በቲ ዘሕዝን ፍጻመ ከም ዝጓሃየ ብምግላጽ፡ “ኣካላት ጸጥታ ናብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ከባቢ ተዋፊሮም ኣለዉ” ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተዛሪቡ።

ቁጽሪ ናይቶም ብዙሓት ምዃኖም ዝተነግረሎም ግዳያት፡ ዛጊት ብንጹር ከምዘይተፈልጠን፡ ይጻረ ከምዘሎን ኣፈኛ ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ብዙሕ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። እንተኾነ ግን፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኣካል ኣጻርዮ እቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ክሳብ ዝልእከልና ንጽበ ኣለና” ኢሉ።

ገለ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ካብ 50 ክሳብ 60 ዝኾኑ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሶም።

ኣፈኛ ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ

ምንጪ ስእሊ, BIIROO DHIMMOOTA KOMUNIKEESHINII OROMIYAA

መግለጺ ስእሊ, ኣፈኛ ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ

እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ቅትለት፡ ኦነግ ሸኔ ብዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ ዝተፈጸመ’ዩ ክብሉ ሰብመዚ’ቲ ክልል ከሲሶም ኣለዉ።

እቶም ግዳያት፡ ኣኼባ ክትሳተፉ ተባሂሎም ምስ ተኣከቡ፡ ቦምባታት ከምዝተደርበየሎም ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዘለዎም ኣቶ ጌታቸው ጠቒሱ።

እቲ መጥቃዕቲ “ኣዝዩ ጭካነ ዝተመልኦ’ዩ” ክብል’ውን ገሊጽዎ። እቲ ከባቢ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ክፍጸመሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ልዕሊ ኦነግ ሸኔ ዝውሰድ ዘሎ ኣድማዒ ስጉምቲ ሓዪሉ ከም ዝቕጽል” ብምጥቃስ፡ ነቲ “ሽበራዊ” ዝበሎ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።

እቲ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት’ውን፡ ንዕጡቕ ጉጅለ ሸኔ ናይ ሎጂስትኪስ፡ ፋይናንስን ዕጥቅን ደገፍ ከምዝገብረሉ ኣቶ ሽመልስ ከሲሱ።

መራሕቲ ህወሓት ነቲ ዝጸንሐ ክሲ ክነጽግዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።

መንግስቲ ጸጥታ ከስፍን ብዘይምኽኣሉ፡ ንድኽመታቱ ናብ ህወሓት ከሳብብ ይፍትን ኣሎ ክብሉ ብወገኖም ክኸሱ ጸኒሖም’ዮም።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ግዳያት ተወላዶ ብሄር ኣምሓራ ምዃኖም ብምጥቃስ “ዓሌታዊ መጥቃዕቲ’ዩ” ክብል፡ ዘለዎ ቁጠዐ ገሊጹ’ሎ።