ወጥሪ መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብኸመይ'ዩ ናብዚ ዘለዎ ዓሪጉ?

ሓይሊ ጸጥታ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ሰሙን፡ ናብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ኣብ መቐለ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ምክልኻል ሃገርን ጎንጺ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ብምኽሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ብሮቡዕ ምሸት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዕውት ስርሒት ከምዘተኻደ ተዛሪቡ።

እቲ መጥቃዕቲ ተፈኒውዎ ዝብሃል ሰራዊት ምክልኻል ሰሜን እዚ ኣብ ጎኑ ከም ዝተሰለፈ ዝገልጽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ኲናት ብወገን ምዕራብ ትግራይ ይቕጽል ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ድማ፡ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ሓንቲ ነፋሪት ቦትኡ ኣብ ዘየነጸሮ "ከባቢ መቐለ ደንዳብ ኣካይዳ" ዝብል መግለጺ ብርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል ዝተዋህበ መግለጺ ብክልላዊ ቴሌቭዥናት ተቓሊሑ።

እንተኾነ፡ ብገለልተኛ ምንጪ ኣይተረጋገጸን::

ዝጸንሓ እንካ ሃባ

ርእሰ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ: ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ሕዳር 2 2013 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) "መንግስቲ ፈደራል ሓይሊ ክጥቀም ይዳሎ ኣሎ" ብምባል ህዝቢ ትግራይ ንመኸተ ክዳሎ ጸዊዑ ነይሩ።

ኣብቲ ንመንግስታዊ ሚድያታት ጥራሕ ዝተዋህበ መግለጺ ዶክተር ደብረጽየን፡ "ንሕና ምስ ፈደራል ዘሎና ጉዳይ ብሰላም ክንፈትሖ ኢና ንደሊ። ግን ከኣ ነብስና ንምክልኻልን ኲናት እንተጋጢሙና ከኣ መኪትና ንምስዓር ብዝከኣለና ተዳሊና ኣለና" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ኣብዪ ኣሕመድ ዝኾነ ኲናት ኣብ ዘይብሉ ዓዲ፡ ንመላእ ሓይልታት ምክልኻል ክዳሎ ኣዚዙ" ብምባል ይዳሎ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ምስ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ብሕግን ሕጋዊ መዳይን ጥራሕ ክፈትሖ ምዃኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣነጺሩ ነይሩ።

ቅድም ክብል'ውን፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ክልላዊ መረጻ 'ዘይሕጋዊ' እዩ ብምባል፡ እንተኾነ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ በዚ ምኽንያት ናብ ኲናት ከምርሕ ድሌት ከም ዘይብሉን ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ከም ዝደልን ገሊጹ'ዩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ትግራይ መረጻ ምስ ተኻየደ፡ እቲ መረጻ ዘይሕጋውን ዘይጸንዕን እዩ ኢሉዎ ዝጸንሐ ባይቶ ፌደሬሽን ነቲ ሓድሽ ቤት ምኽርን ፈጸምቲ ኣካላትን ኣፍልጦ ስለ ዘይህቦም፡ ናይ'ቲ ክልል ዓመታዊ ባጀት ብህወሓት ንዝምራሕ መንግስቲ ኣይህብን -ዝብል ውሳነ ወሲኑ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ፌደራልን ትካላት ፌደራልን'ውን ምስቲ ክልል ዝኾነ ዓይነትን ርክብ ከም ዘይህልዎም ገሊጹ።

ድሕሪ እዚ መንግስቲ ትግራይ እቲ ውሳነ፡ 'ኲናት ከም ዝተኣወጀና ይቑጸር' ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ርክብ ብኸመይ ኣብዚ በጺሑ ?

ኣብ 1991 ዓ.ም ኣብ ምእላይ ስርዓት ደርግ መሪሕ ተራ ዝነበሮ ህወሓት፡ ምስ ሰለስተ ውድባት ተሻሪኹ ልፍንታዊ ገዛኢ ግንባር ኣቚሙ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝነበሮ ፌደራላዊ ሰልፊ ኦህዴድ/ሕጂ ሰልፊ ብልጽግና ኦሮሞ ከኣ ሓደ ካብኦም ነይሩ።

ኣብ መንጎ ኣዴፓን ኦህዴድን ዝተፈጥረ ምውዳድ፡ ህወሓት 'ዘይመትከላዊ ልፍንቲ' ኢልዎ ነይሩ።

እተን ኣርባዕተ ውድባት ኣብ ውሽጠን ብዙሕ ወጥሪ ስለ ዝነበረን መን ናብ ስልጣን ይምጻእ ኣብ ዝብል እውን ብዙሕ ክትዕ ነይሩወን።

ኣብ ምሕደራ ኢህወዴግ ብዝተፈጥረ ቅርታ ብህዝባዊ ናዕቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን መጺኡ።

ብድምጺ ተሳዒሩ ኣብቲ ልፍንቲ ዝነበሮ ግደ እናተዳኸመ ዝመጽአ ህወሓት፡ ጠቕሊሉ ናብ ትግራይ ክኸይድ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣን ምስ ሓዘ ድማ ምስ ገዳይም መራሕቲ ህወሓት ምቅዳው ክስኣን ጀሚሩ።

ንሱ'ውን፡ ንብዙሓት ኣብ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰበ ስልጣን ብጥሮታ ሰንዩዎም።

ኣብ ትግራይ ከም ዘሎ ዝግለጽ ብህግሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ ብሕጊ ዝድለ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ነበር ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ 'ሃቡና፤ ኣይንህብን'፡ ካልእ እቲ ዓብዪ ክልቲኦም መንግስታት ከዋጥጦም ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ።

መንግስቲ ትግራይን ምሁራት ትግራይን፡ ብጉልባብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘነጻጸረ ማእሰቲ እዩ ዝፍጸም ዘሎ ብምባል ክቃወሙዎም ከለው፡ በዚ ጥፍኣት ህወሓት ንበይኑ ዘይኮነ ከም ኢህወዴግ ኢና ክንሕተተሉ ዝግባእ ይብሉ።

ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣትዮምዎ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣካል እቲ ስርዓት ዝነበረሉ ብህወሓት ዝምእዘን ዝነበረ ናይ 27 ዓመታት ምሕደራ 'ናይ ጸልማት ዝበን' ኢሉ እዩ ዝገልጾ።

ካልኦት ኣመራርሓ እተን ዝተረፈ ሰለስተ ውድባት ድማ፡ ገሊኦም ተለኣኣኽቲ ኢና ነይርና እንትብሉ ገሊኦም ብግዕዝይና ዝጥርጠሩ ድማ ምስቲ ሓድሽ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ኣካል ስለ ዝዓረዩ ኣይሕተቱን ዘለዉ- ዝብሉ ቅረታት ካብ ፖለቲከኛታት ይስምዑ ነይሮም።

ንኢህወደግ ናብ ሓደ ሰልፊ [ብልጽግና] ምቕያር ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘጋጠመ ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ ካልእ መራሕቲ ህወሓትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪን ዘረሓሐቖም ዛዕባ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ጉዳይ ምንዋሕ መረጻ መጺኡ። ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብሰንኪ ኮቮድ-19 መረጻ ኣናዊሕዎ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ከኣ ለበዳ ኮቪድ እናተኸላኸልና ምርጫ ከነካይድ ኢኣነ ክብል ነጺጉዎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ "ግደፉ ኣዴታት ከይተንብዑ" ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግን ኣብ ውሳኔኡ ጸኒዑ መረጻ ምስ ኣካየደ፡ ድሕሪ እቲ ምርጫ ክልቲኦም መንግስታት ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተኸላሊኦም ኣብ ዘይእውጅ ናይ ቃላት ኲናት ጸኒሖም።

ወጥሪ ኢትዮጵያ ብኸመይ ምስ ኤርትራ ይተኣሳሰር?

መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ክሳብ 2018 ንኢትዮጵያ ክመርሕ ዝጸንሐ ብህወሓት ዝምእዘን ሓይሊ ድሕሪ ኩናት ዶባት 1998-2000 ን18 ዓመታት ኣብ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት እዩ ጸኒሑ።

ብ2018 ካብ ቀዳማይ ሚኒስር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ሰላም ጻውዒት ምስ ቀረበሉ ከኣ "ደጊም ወያነ ጌም ኦቨር" ብምባል ነቲ ናይ ዕርቂ ጻውዒት ተቐቢሉዎ።

እቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ንህወሓት ብዕርቂ ስለ ዘይጸንበረ ከኣ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ዝጸንሐ ምፍጣጥ ቀጺሉ።

ሓደ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ማዕከናት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ከኣ "ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ፖለቲካዊ ኩነታት ስለ ዘገድሰና አእዳውና ኣጣሚርና ኣይክንርእን" ክብል ተዛሪቡ።

ዘረብኡ ከኣ ብብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ 'ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ከም ምእታው እዩ ዝቑጸር' ክብሉ ርእይቶ ሂቦሙሉ።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ብ19 ሓምለ 2020 መንእሰያት ኤርትራ ናብ ዝስልጥንሉ መዓስከር ሳዋ በጺሑ።

ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንሳዋ ዝበጽሐ መራሒ ድሕሪ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኮንጎ ካቢላ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ካልኣይ እዩ።

ምብጻሕ ኣቢይ ንሳዋ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣዕሪጉዎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን ካብ 12-14 ጥቅምቲ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ንመደበር ሓይሊ ኣየር ደብረ ዘይት ምብጽሑ ካልእ ስክፍታን ሻቕሎትን ወሲኹ።

ደብረጽዮን ኣብቲ ናይ ሕዚ መግለጺኡ፡ "ንደቂ ዜጋታት'ኳ ምርኣይ ዘይፍቀድ ሚስጢራዊ ቦታ፡ በትሪ እናወጣወጠ ንዝውዕል ዘሎ ሰብ ኣርእይዎ" ክብል እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትግራይ፡ ቅረታን ጥርጣረታትን ከም ዝፈጠረ ኣንጸባሪቑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይን ፖለቲከኛታት እታ ክልልን መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ተሻሪኹ ንትግራይ ንምንብርካኽ ይሰርሕ ከም ዘሎ ክኸሱ ጸኒሖም ኣለው።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ምድልዳል ሰላምን ምሕዝነትን ብዝብል ኣርእስቲ ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኢ መግለጺ፡ "በዚ ሓዲሽ ለውጢ ጌም ኦቨር ዝተባህለ ዝወደቐ ጉጅለ ወያነ፡ 'ዓሻስ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት' ከም ዝበሃል ክልል ትግራይ ተቛዳሲት ናይዚ ተፈጢሩ ዘሎ ለውጥን ምዕባለን ንኸይትኸውን ጅሆ ብምሓዝ፡ ግዳይ ንምግባራ፡ ኣብ ጸወታ ንድየት ምጽንሑ ርኡይ እዩ" ብምባል ናይ ጻዕረ ሞት ቁዘማን ምዕልባጥን ንመንኮርኮር ታሪኽ ንድሕሪት ክመልስ ኣይክእልን እዩ ኢሉ።

ነዚ ምላሽ ብዝመስል ድማ፡ ዶ/ር ደብረጽየን ኣብ መግለጺኡ፡ "ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብቲ ናይ ብልጽግና ኣሃዳዊ ኣመራርሓ ብወግዒ'ዩ ዘይኣተወ እምበር ምስቲ ስርዓት ኮይኑ ንውግእ ይሸባሸብ ኣሎ" ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኣሃዱታቶም ዝኾብለሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮነ መንእሰያት ይገፍፍ ከምዘሎ ርጡባት ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ፍጻሜ መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ንነዊሕ ድሕሪ ምፍጣጥ ናብ ኩናት ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብምዃኑ ዝያዳ ስግኣትን ስክፍታን ከምዝፈጥር እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ትግራይ ኣብ ድሮ እቲ ጎንጺ

ንመግለጺ ዶክተር ደብረጽዮን ስዒቡ፡ ተወሳኺ ሕቶታት ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ፡ ኣባል ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪን ጉጅልኡን "ካብ ከፈልቲ ግብሪ ትግራይ ዝተኣከበ ባጀት ብምንካይ: ንትግራይ ዝኣትዉ ኢንቨስተራት ብምኽልካልን መገዲ ብምዕጻውን ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንመንግስትን ህዝብን ትግራይ ንምንብርካኽ ክሰርሑ ጸኒሖም" ክብል ከሲሱ።

መንግስትን ህዝብን ትግራይ ብኹለንትነኦም ከም ዝተዳለው ብምግላጽ ከኣ፡ "ካብ ሰሜን ይኹን ካብ ደቡብ ክቐብሩና ዝመፅኡ ፀላእቲ፤ ክቐብሩና ኣይኽእሉን። የግዳስ ንሳቶም እዮም ክቕበሩ" ብዝብል ምድላው ከም ዝተገብረ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ትግራይ እዚ ንምባል፡ እንታይ ሓድሽ ነገር ተርእዮ ስለዘሎ እዩ? ተኩታዃይ መግለጺዶ ኣይከነን? ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብፍላይ 'ብመንነት ኣስመላሽ ኮሚቴ' ሕቶ ዝቐረበሎም ከባብታት ብሓድሽ ወተሃደራዊ እዚ ክመሓደሩ ምንቅስቓስ ይግበር ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ።

እዚ ቅድም ክብል፡ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዝመሓላለፍ ዝኾነ ይኹን ሓደሽቲ ውሳነተት ከም ዘይቅበል ምስቲ ዘፍለጦ ዝኸይድ እዩ።

ደብረጽዮን፡ መንግስቲ ፈደራል፡ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ስግኣት ኣብ ዘይብሉ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ምእዛዙ ንህዝቢ ትግራይ ንምንብርካኽ ዘለዎ ጥሙሕ ዘርኢ እዩ ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ጽባሕ እዚ መግለጺ ድማ፡ እቲ ወተሃደራዊ ጎንጺ ተወሊዑ።