ስለምንታይ እዩ ኣቓልቦ ዓለም ኣብ ዶክተር ቴድሮስ ዓሊቡ?

ቴድሮስ ኣድሓኖም

ምንጪ ስእሊ, FABRICE COFFRINI

ፕረዚደንት ትራምፕ 'ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንለቨዳ ኮሮና ቫይረስ ዝግባእ ሓበሬታን መጠንቀቕታን ኣብ ምሃብ ዛሕሊ ነይሩዎ' ዝብል ነቐፌታ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ገለ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ሰብ ሞያ ጥዕናን ሓደ ሓደ ተንተንትን ከምኡ'ውን ተመራመርቲ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝርገሐን ለበዳን ኮሮና ቫይረስ (ኮቪድ 19) ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ሕቶታት የልዕሉ ኣለዉ።

ምክትል ቀዳማይ ምኒስተርን ምኒስተር ፋይናንስን ጃፓን ታሮ ኣሶ፡ ንውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ቻይና ብዘለዎ ቅርበት ከም ኣካል ትካል ጥዕና ቻይና ገይሮም ይቖጽሩዎ ከምዘለው ይጠቅስ።

ሰበስልጣን ታይዋን ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣቐዲሙ ዝግባእ መጠንቀቕታ ኣይሃበን ዝብል ወቐሳታት የቕርቡ።

ታይዋን ኣብ ጉዳይ ኮሮና ቫይረስ ከምቲ ዝግባእ ተርኣ ከይትጻወት ብሰንኪ ጸቕጢ ቻይና ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ምግላላ ትካል ጥዕና ዓለም ኣቓልቦ ኣይሃቦን ክትብል ትነቅፍ።

ሓደ ሓደ ነቐፍቲ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ውሃን ዝተኸስተ ኮሮና ቫይረስን ኣቐዲሙ ኣስጋእነት እዚ ሕማም ተዛሪቡ ዘይተሰምዐን ጸኒሑ ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝሞተ ዶክተር ወንልያንግ ክኽውል ዝፈተነ መንግስቲ ቻይና ልዑል እምነት ብምሕዳሩ የይነቕፍዎ።

ካልኦት ካኣ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ "ኮሮና ቫይረስ፡ ህጹጽ ዓለማዊ ጥዕናዊ ጉዳይ ምዃኑ ኣብ ምሕባር ዝሒሉ" ክብሉ ከምዝነቕፉዎ ኒውዮርክ ታይምስ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትህቦ ሓገዝ ከምእትንክዮ ምስ ኣፈራርሐ፤ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ኣብዚ ዓለም ንሕማም ኮሮናቫይረስ ሓቢርና እንምክተሉ ዘለና እዋን፡ ነቲ ሕማም ከም መሳርሒ ፖለቲካ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን" ክብል ንዘረባ ፕረዚደንት ትራምፕ መልሲ ሂቡሉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ገሊአን ሚድያታትን ተንተንትን 'ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ነቲ ሕማም ሸለል ክብሎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ስለምንታይ እዩ ሕጂ እቲ ሕማም ኣብ ኣመሪካ ዝተላብዐ ሕማም ንምኽዋል ኣቓልቦኡ ናብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሰጊሩ?' ዝብል ሕቶታት ኣልዒለን እየን።

ዝወርዶ ዘሎ ነቐፌታ መሰረት'ዶ ኣሎዎ?

እቲ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ውድብ ጥዕና ዓለም ተረኺቡ ዘሎ ምፍጣጥ ንምንታይ ኣብ ሕጂ በጺሑ ተወሊዑ?

ቴድሮስ፡ ብ 2017 ዓ.ም.ፈ ብልዑል ድምጺ ብልጫ ዳይረክተር-ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ዝተመርጸ - ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ መራሒ እዩ። መዝነቱ ከኣ ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሕ'ዩ።

ይኹን እምበር ሕጂ ፕረዚደንት ኣሜሪካን ሓደ ሓደ ሚድያታትን ተንተንትን ክነቕፍዎ ጀሚሮም ኣለው።

መሰረታዊ መጐተ ፕረዚደንት ትራምፕ ሰለስተ እዮም፦

1) "ው.ጥ.ዓ. ንፍጥነት ዝርገሐን ለበዳን ኮሮናቫይረስ ኣቐዲሙ ክሕብረና ነይሩዎ"

2) "ናህሪ ናይቲ ለበዳ ምስ ተፈልጠ ንካብ ቻይና ዝኣትዋ ነፈርቲ ክንክልክል እንከለና፡ ዶክተር ቴድሮስ ንስጕምትናተቓዊሙዎ"

3) "ኣካይዳ ዶክተር ቴድሮስ ናይ ቻይና ወገን (ጸግዒ) ይወስድ ኣሎ" ዝብል እዩ።

በዞም ዝተገልጹ መሰረታት፤ ትራምፕ ን ው.ጥ.ዓ. ዝወሃብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ደው ክብል ከምዝኽእል ከፈራርሕ እንከሎ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ግን "ነቲ ሕማም ሓቢርና ክንቃልሶ'ምበር መሳርሒ ፖለቲካ ክንገብሮ የብልናን" ክብል መሊሱ ኣሎ።

ሓደ ሓደ ተመራመርቲ፡ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ክንፍትኖ ኢና ምስበሉ ድማ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ሚድያ ቀሪቡ፡ "ኣፍሪቃ መፈተኒ ክታበት ኣይክትከውንን እያ። እዚ ናይ ገዛእቲ ኣተሓሳስባ ከብቅዕ ኣለዎ። ኩሉ ሰብ ሕብርን ዓሌትን ብዘየገድስ ማዕረ እዩ!" ክብል ተሪር ምላሽ ሂቡ።

ሰራሕተኛ ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪን ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛን ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪቃን ከኣ ንዶክተር ቴድሮስ ደጊፎም ምላሽ ሂቦም።

ሓጺር ድሕረ ባይታ

ኮቪድ-19 ብዝሓለፈ ታሕሳስ (2019) ኣብ ሓንቲ ዉሃን ዝተባህለት ከተማ ቻይና'ዩ ጀሚሩ። ሽዑ እቲ ተላጋቢ-ሕማም ሓድሽ ብምንባሩ ንዓለም ብርግጽ ኣዘንጊዑዋ'ዩ።

ተቐማጦ ናይታ ከተማ ን 11 ሰሙን ተዓጽዮም ኣሕሊፎምዎ፣ መንግስቲ ቻይና ድማ በቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ - ጽኑዕን ስሉጥን ብምንባሩ - ብመራሕቲ ው.ጥ.ዓ. ተናኢዱ'ዩ።

ከም ሓቁ፡ ንዓለም'ውን ኣብነት ክዀኑ ክኢሎም። ነዚ ጕዳይዚ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን መሳርሕቱን መስኪሮምሉ'ዮም። ንሃገራት ዓለም ድማ ኣብነት ቻይና ንክኽተሉ ኣብ መድረኽ ወጺኦም ኣተሓሳሰቡ።

እቲ ብ ው.ጥ.ዓ. ዝውሃብ ዝነበረ መተሓሳሰቢ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ንክኽተልኦ ሰጋእ-መጋእ ኢለን'የን፣ ምናዳ ምምሕዳር ኣመሪካ.።

ኣብ ገዛ ተዓጸዉ፡ ካብ ሰብ ተገለሉ፡ አእዳውኩም ብሳሙና ደጋጊምኩም ተሓጸቡ ንዝብሉ ምኽርታት፡ ደንጒዮም እዮም ተኸቲሎምዎ። ስለዝኾነ ው.ጥ.ዓ. ብ 11 መጋቢት'ዩ ነቲ ሕማም ፓንደሚክ (ዓለማዊ ለበዳ) ኢሉ ዝሰምዮ - ሽዑ ከኣ ደንጒዩ ዝብል ርእይቶታት ኣሎ። ስለዚ እቲ ጕዳይ ዝተሓላለኸ ምዕባለ ኣይነበሮን ክበሃል ኣይከኣልን።

እምበኣርከስ እቲ ምስሕሓብ ካብ ሽዑ'ዩ ዝጅምር ክበሃል ይክኣል። እቲ ሕማም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ኣመሪካ.፡ ምስ ኣተወ ኵሎም መራሕቲ ዘድሊ ስጕምትታት ክወስዱ ኣብ ተብ-ተብ ኣተዉ፣ ስለ ዝደንጐዩ ግን እቲ ሕማም ከምዝሰዓሮም እዩ ዝዝረብ።

መብዝሕትኦም መራሕቲ ሃገራት ኣብቲ ው.ጥ.ዓ. ጸጸኒሑ ዝዛረበሎም ዝነበሩ ኣርእስትታትን ምኽርታትን ረዓሙ። ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ግርህ ኢሉ ቀልጢፉ ኣይተቐበሎን።

እቲ ሕማም ኣብ ኣሜሪካ ኣትዩ ምስ ተጋህደን ምስ ሳዕረረን ግን ምምሕዳር ትራምፕ፡ ካብ ቻይና ዝግበር በረራታት ሰረዞ። ዶክተር ቴድሮስ ግን እቲ ግብራዊ መልሲ ከምኡ ክኸውን ኣይነበሮን ክብል ነቐፈ።

ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ ይብሉ ተንተንቲ፡ ው.ጥ.ዓ. ቻይና ንኣተሓሕዛን ኣልያን እቲ ሕማም ዝተኸተለቶ ኣገባብ ከም ቅቡል ምውሳዱ - ንመንግስቲ ኣሜሪካ ኣይተዋሕጠሉን።

ቴድሮስ ኣድሓኖም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ከም ሓቂ እቲ ሕማም ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ውሃን ቻይና ምስተኸስተን ዓለማዊ ስግኣት እዩ ምስተባህለን፡ መንግስታት ዓለም ኣቐዲሞም ክዳለውሉን ስትራተጂ ከውጽእሉን ይግባእ ነይሩ'ዩ፤ ግን ኣይገበሩዎን ዝብሉ ኣለው።

ይኹን እምበር እዚ ቫይረስ እዚ፡ ንህዝቢ ዓለምን መንግስታትን ዕድል ዘይህብ ሓደገኛን ቅልጡፍን ብምዃኑ ዘመኻኽሕ ኣይኮነን።

ክግበር ዘለዎ ኩለን መንግስታት ዓለም ኩለንትናዊ ዓቕመን ኣወሃሂደን ነዚ ለበዳ እዚ ንምምካት ክተሓባበራ ጥራሕ እዩ ዘለወን።

ሕጂ እገለን እገለን ተባሂልካ እትነቓቐፈሉ እዋን ኣይኮነን። ኩሉ ዓቕሚ ኣብ መኸተ ኮሮና ኮቪድ-19 ጥራሕ'ዩ ክቐንዕ ዘለዎ። ዓለምና ሓባራዊ ጸገማታ ዓቕማ ኣወሃሂዳ ክትገጥሞ እንተዘይኪኢላ እቲ ዕንወት ዘሰምብድ ክኸውን እዩ ዝብሉ ተንተንቲ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንከም ዉድብ ጥዕና ዓለም ዝኣመሰላ ዓለማዊ ውድባት ምድጋፍን ብውሁድ ዓቕምን ክእለትን ከምቲ ንኢቦላን ካልእ ለበዳን ንምግጣም ዝተገብረ ሓባራዊ ስራሕ ምድጋም ጥራሕ'ዩ እቲ ፍታሕ ይብሉ።

ጕዳይ ቻይና

መንግስቲ ቻይና፤ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ስልጣን ንክመጽእ ደጊፎምዎ'ዮም። እዚ ግን ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግብኦ ጕዳይ ኣይኰነን። እቲ ምርጫ ብክፉት'ዩ ተኻዪዱ፣ ብዕሊ ድማ ዶክ. ቴድሮስ ብክብ ዝበለ ብልጫ ድምጺ ተዓዊቱ'ዩ።

ሓንቲ ማርታ ምክሳሊ ዝተባህለት ናይ ግዝኣት ኣሪዞና (ኣመሪካ) ሰኔቶር ንዶክተር ቴድሮስ ካብ ትጸምዶ ጸኒሑ'ሎ። ብዕለት 2 ሚያዝያ ዶክተር ቴድሮስ ካብ ሓላፍነቱ ንክወርድ ከም ዝጸውዐት ዝዝከር'ዩ።

ምኽንያት ጠለባ ድማ "ዶክተር ቴድሮስ በቲ መንግስቲ ቻይና ብሕቡእ እትሰርሖ ስራሓት ስለ ዝዓገበ" ትብል። ቴድሮስ ንቻይና ይከላኸለላ ኣሎ ብምባል ኣብ መድያ ኣሜሪካ ከሰሰቶ።

እቲ ኣብ ኣሜሪካ ወሪዱ ዘሎ ናይ ኮሮና ቫይረስ መዓት ብቐጥታ ምስ ኵነታት ቻይና ኣተሓሒዛ፡ ዶክተር ቴድሮስ ድማ ነቲ ጕዳይ ይሽፍነሎም ኣሎ በለት።

ሓደ ሪክ ስኮት ዝተባህለ ብጻያ ሰኔተር ከኣ ደገፉ ስለዝሃበ እቲ ጉዳይ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ክርአ ኣሎዎ ብምባል ኣወዓውዖ። ሓደ ሓደ ሸነኻት ከኣ ዶክተር ቴድሮስ ሞያተኛ ፖለቲከኛ (career politician) እምበር ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓለማዊ ለበዳ ክገጥምን ክመርሕን ዝኽእል ሕክምናዊ ብቕዓትን ተመኩሮን ይጎድሎ'ዩ ዝብሉ እውን ኣለው።

ዶክተር ቴድሮስ "መንግስቲ ቻይና ብዘይ ሕብእብእ ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ መኪታ'ያ፡ እኹል ሓበሬታ'ውን ኣቕሪባ'ያ" በሃሊ'ዩ። እዚ ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣይተዋሕጠሎምን።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን፡ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ

ኢሞገን ፎልከስ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብ ጄነቫ፡ ኣብ ዓለምና ምስ ዘሎ ናይ ምዕራብን ምብራቕን ፖለቲካዊ ኣጠማምታ፡ ዶክተር ቴድሮስ ነቲ ክብሎ ዝደሊ ብዝሓሸ መገድን ጥበብን ከቕርቦን ክብሎን ምሓሸ ክብል ተዛሪቡ።

መንግስቲ ቻይና ኣብቲ ንኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ዘቕረቡዎ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ሕማም ዝተኸስተሉ ዕዳጋ ፍርያት ባሕሪ ኮነ ብዛዕባ እቲ ሕማም ኣህጉራዊ ለበዳ ክኸውን ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ዝሃበ'ሞ ዝተዓፈነ ጸኒሑ ንባዕሉ በቲ ሕማም ተለኺፉ ዝሞተ ዶክተር ሓበሬታ ኣየቕረቡን ተባሂሎም ይወቀሱ እዮም።

እቲ ኾይኑ'ቲ ግን፤ ሕጂ ዓለም ነቲ ዝወረደ መዓት ክትመሃረሉን ንከይድገም ነብሳ ክትውድብን ናይ ምክልኻል ዓቕማ ከተማዕብልን ጥራሕ እዩ ዝግባእ ይብሉ መኸርቲ ሊቃውንቲ። ኩነታት ምስተረጋግአ ግን ዶክተር ቴድሮስ ኮነ ውድብ ጥዕና ዓለም ጉድለት እንተጸኒሑዎ ንትምህርትን ተመኩሮን ነገራት ክምርመርን ክጻረን ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።

ኣብዚ ጕዳይዚ ሓድ-ሓደ ክንግንዘቦም ዝግብኣና ሓቅታት ኣሎዉ፡-

• ርግጽ'ዩ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ዝበዝሐ ፊናንስያዊ ሓገዝ ን ው.ጥ.ዓ. ከም እትህብ - $400 ሚልዮን ብ 2019 (15% ናይ ዓመት ባጀት)።

• ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም መሳርሒ ፖለቲካ ዀይኑ ከምዘሎ።

• ብዙሓት መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብዚ ብትራምፕ ዝተላዕለ ክሲ ዛጊት ኢደን ኣየእተዋን ዘሎዋ።

• እቲ ለበዳ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ስለ ዘሎ ኣቓልቦ ዓለም ነቲ ቫይረስ ኣብ ምጥፋእን ክታበት ኣብ ምምሃዝን ክዓልብ ይግባእ።

ዋና ጸሓፊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እዚ ተላዒሉ ዘሎ ንትርኽ ጊዜኡ ከም ዘይኰነ ቃሉ ኣስሚዑ ኣሎ።

ብሓጺሩ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም "ነቲ ለበዳ ኣቃሊልኩም ስለ ዝረኣኹሞ ንዓና ኣዳህሊልኩምና" እዩ ዝብል፡ ይኹን እምበር እቲ ዓለማዊ ትካል ጥዕና ነቲ ለበዳ ኣቃሊሉ ከም ዘይረኣዮ እቲ ብ 30 ጥሪ 2020 ዘውጽኦ፡ እቲ ሕማም ንኹሉ ዘስግእ ("ኣህጕራዊ ህጹጽነት ዘሎዎ ጉዳይ ህዝባዊ ጥዕና ምዃኑ") የርኢ እዩ።

ግን ሽዑ እውን እንተኾነ እቲ ትካል ደንጒዩ ኢሎም ዝነቕፉዎ ኣለው። እንተኾነ፤ ኣብዚ እዋን እዚ ክኢላታት ጥዕናን ፖለቲከኛታትን ዓለም፡ ነዚ ሕማም'ዚ ብዘይካ ሓቢርካ ምግጣሙ ካልእ ምርጫ የብላን እዮም ዝብሉ ዘለው - እቲ ዘየወላውል ፍታሕ ንሱ ጥራሕ ስለዝኾነ።

ኮሮና
ኮሮና