ጽኑዕ ክትትል ሕክምና (ኣይሲዩ) እንታይ እዩ? ንመንከ የድልዮ?

ጽኑዕ ክትትል ሕክምና

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

ጽኑዕ ክትትል ሕክምና እንታይ እዩ?

ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና፡ ከቢድ ሕማም ዘጋጠሞም ሕሙማት ዝሕከምሉ ክፍሊ እዩ። ኣብዚ ክፍሊ፡ ተሓከምቲ ጥቡቕ ክትትልን ሕክምናን ይግበረሎም።

ኣብዚ ክፍሊ ውሑዳት ተሓከምትን ዝያዳ ሰብሞያ ጥዕናን ይምደቡ። እዚ ድማ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ነብሲ ወከፍ ተሓካሚ፡ ናቱ ዘናብዩዎን ዝሕክምዎን ሰብሞያ መታን ክረክብ እዩ።

ኣብዚ ክፍሊ፡ ፍሉይ ናይ ክትትል መሳርሕታት'ውን ኣለዉ።

ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ንመን የድልዮ?

ሓደ ተሓካሚ ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዝኣትወሉ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለዉ።

ገለ ተሓከምቲ፡ ከቢድ መጥባሕቲ ድሕሪ ምክያዶም ክሳብ ዝሓውዩ ኣብዚ ክፍሊ ይጸንሑ።

ካልእ ድማ፡ ብዝወረዶም ሓደጋ መጉዳእቲ ዝበጸሖም ሰባት፡ ንኣብነት ሓደጋ መኪና ዘጋጠሞም፡ ጽኑዕ ክትትል ክግበረሎም ናብዚ ክፍሊ ይኣትዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ድማ፡ ሕማም ኮሮናቫይረስ ምስሓዞ ዝረኣይዎ ካብ ዝነበሩ ምልክታት ናይ ምምሕያሽ ለውጢ ሰለዘየርኣየ እዩ ናብ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ኣትዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ረስኒ ሓዊሱ ምልክታት ናይቲ ሕማም ክረኣዮ ስለዝቐጸለ እዩ ብሰንበት ናብ ሆስፒታል ኣትዩ።

ኮሮናቫይረስ ንሳምቡእ ከጥቅዕ ዝኽእል ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚሰስተር ቦሰስ ጆንሰን ድማ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት የጋጥሞ ኣሎ።

እንተኾነ፡ ዛጊት ናይ ምስትንፋስ መሳርሒ (ቬንቲሌተር) ኣይጥቀምን ዘሎ።

ኣብዚ ክፍሊ፡ እንታይ ክንክን ይበግረልካ?

ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዝኣቱ ሰብ ኩሉ፡ ናይ ምስትንፋስ መሳርሒ (ቬንቲሌተር) የድልዮ እዩ ማለት ኣይኮነን።

ገለ ተሓከምቲ፡ ቅልል ዝበለ CPAP ዝበሃል ናይ ምስትንፋስ ሓገዝ ክግበረሎም ይኽእል።

እዚ ቀሊል መሳርሒ ዝግበረሎም ሰባት ከኣ፡ ከምቶም ቬንቲሌተር ዝግበረሎም ሰባት ዘይኮነስ፡ ነቒሖም ብዘይ መደንዘዚ ክሕከሙ ይኽእሉ።

ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዝኣትዉ ሰባት፡ ሰብነቶም ምስ ብዙሕ መሳርሕታት ክራኸብ እዩ ዝግበር። ናብ ሰብነቶም ዝተፈላለየ ገመዳት፣ ቱቦታት ተዘርጊሑ ይረኣይ።

እዚ ከኣ፡ ኩነታት ናይ ኣካላቶም ከመይ ይኸውን ከምዘሎ መምቁጽጻር ዝግበር እዩ። ተሓከምቲ፡ ብሱር ደሞም መድሓኒትን መግብን ይትከለሎም።

ኣብ ናይ ሞትን ሕውየትን ኩነታት ጥዕና ንዝበጽሑ ተሓከምቲ ከኣ፡ ንገለ ተግባራት ናይ ልብን ሳምቡእን ተኪኡ ዝሰርሕ ECMO ዝበሃል መሳርሒ ክግበረሎም ይኽእል።

ኣብ ብሪጣንያ፡ እዚ መሳርሒ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸር እዩ።

ካብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ሓዊኻ ምውጻእ

ሓደ ሰብ ሕይሽ ምስበሎ፡ ካብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ናብ ካልእ ክፍሊ ሕክምና ናይቲ ሆስፒታል ይውሰድ።

እዚ ድማ፡ መታን ካልእ ጽኑዕ ክትትል ዘድልዮ ሰብ ክኣትዎ እዩ። ገለ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ሓውዮ ምካብቲ ክፍሊ ይወጽኡ። ካልኦት ድማ ሰሙናት ኣዋርሕን ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ክጸንሑ ይኽእሉ።

ኮሮና
ኮሮና