ኮሮናቫይረስ፡ "ከም ኣማኒ ኣብ ገዛ ኾይንካ ምጽላይ ኣይርድአካን"

ጡዋፍ ኣብሪሃ ኣብ ጸሎት ትካፈል ዘላ ኣደ ቖልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ ሃይማኖት ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ ሕብረሰተብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ዝኾነ መዓት ብጾምን ጸሎትን፣ ብስግደትን ሱባኤን ፈውስን ምሕረትን ከም ዝርከብ ይኣምን።

ሕማማት ኮነ ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ምስ ዝኽሰቱ፣ ስግኣት ኲናትን ስደትን ምስ ዝበዝሕ፡ በቲ ንዘመናት ዝሰረቶ ማሕበራዊ እምነቱ ዝገልጸሉ ምህለላ፣ ዝክር ዝኣምኖም መላእኽትን ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ ጾምን ቅዳሴን ብምክፋልን ክዓግቶ ይትስፎ።

ብፍላይ ኣዋርሕ መጋቢትን ሚያዝያን፡ ንኣመንቲ ክርስትና ፍሉይ ቦታ . . . ረዚን ትርጉም ኣለወን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፡ ናይ 'ዓብዪ ጾም' ወይ 'ጾም ኣርብዓ' ኣዋርሕ ኢላ ኣብ እተኽብረን፣ ምእመናን ብጾምን ስግደትን ናብ እግዚኣብሄር ክቐርቡ፣ ኣብ ኣጸድ ቤተክርስቲያን ክእከቡ እያ ትደልዮም።

ሕጂ ግን፡ ዓበይቲ ምትእኽካብ ሰባት ነቲ ዘሎ ኩነታት ከኽብዱዎ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሉ ስለ ዝስጋእ፡ ንግዝኡ እምነቶም ብልቢ ገይሮም ናብ ፈጣሪኦም ክጽልዩ እምበር ብብዝሒ ክንቀሳቐሱ ወይ ተኣኪቦም ከምልኹ ኣይተባባዕን።

እዚ ብምኽንያት ፖለቲካ ዝመጽአ ዘይኮነ፡ ብባህሪኡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ኲናት ኣዊጁ ብዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጥሮ ዘሎ ጽልዋ ብምኽባዱ'ዩ።

ኣብ ዓለም ኣዝዮም ብዙሓት ፍሉጣት ዝኾኑ ሕማማት ብመልክዕ ለበዳ ተራእዮም፤ ፈውሲ እንትርከቦም ድማ ጠፊኦም።

ብ1980ን ዝጠፍአ ተመሓላላፍን ቐታልን ሕማም በዲዶ (Smallpox)፡ ሓደ ካብቶም ዘሰንብዱን ስግኣት ዓለም ዝኾኑን ቫይረሳት ነይሩ።

እዚ ቫይረስ ኣብ እዋን ኲናት ፈረንሳን ህንድን [1754-1767]፡ ከም ባዮሎጂያዊ ኣጽዋር ተገይሩ ተወሲዱ'ውን ይፈልጥ። እዚ ቫይረስ ካብ ምድረ ገጽ ጠቕሊሉ ቅድሚ ምጥፍኡ 300 ሚሊዮን ሰባት ኣጥቂዑ'ዩ።

ሕማም ኤችኣይቪ ኤድስ፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ኢቦላን ካልኦትን ክጥቀሱ ዝኽእሉ፡ ልክዕ ከም ኮቪድ-19 ብቫይረስ ዝመሓላለፉ ሕማማት'ዮም።

እዞም ሕማማት ኣብ ዝተርኣይሉ እዋን ግን፡ ተኣኪብኻ ምምላኽ ኮነ ምምህላል ገቲኦም ኣይፈልጡን።

ብኣንጻሩ ራብዓይ ወርሑ ዝሕዝ ዘሎ ኮቪድ-19 ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ሕማም ግን፡ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ክታበት ኣይተረኽቦን።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ዳርጋ ኣንጻር ኩሎም ማሕበራዊ ምትእስሳራት ዝዘመተ ክመስል፡ ንብዙሓት ልሙዳት ተግባራት ደቂ ሰባት ደው ኣቢሉዎምን ደው ክብሉን የገድድ ኣሎ።

ነባሪት ከተማ መቐለ ጓል 53 ዓመት ወይዘሮ ለምለም ጸጋይ፡ ኣብ መስርዕ ነዚ ቫይረስ ተቓላዒ ዝኾነ ዕድመ ይርከባ።

መዓልታዊ ኢድካ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ፣ ኣብ እተሐንጥሰሉ ወይ እትስዕለሉ እዋን ጥንቃቐ ምግባር ዝብሉ መከላኸሊ መገዲታት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ምቕባል ኣየጸገመንን።

ክውሓጠለን ዘይኽኣለ ሓደ ነገር ግን ሰብ ብብዝሒ ዝርከበሉ ቦታ ስለ ዝኾነ 'ናብ ቤተኽርስቲያን ኣይትኺዱ' ዝብል ጊዝያዊ ውሳነ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያን መንግስትን እዩ።

"ከምዚ ዝበለ ጥፍኣት ዓለም መጺኡና ኣብ ክንዲ ተኣኪብና ንጸሊ፣ ምሕረት ንለምን ዝብሉታስ፡ ኣብ ገዛኹም ኾፍ በሉ ኢልካ ምኽልኻል ታይ ማለት'ዩ? ጸሎት ኣብ እነጽዕቐሉ፣ እንምህለሉ ግዘ ከም ዘለና'ዶ ረሲዖማቶ?" እየን ዝብላ።

ወሲኸን፡ "ክሳብ ሕዚ ዝሓለወና ኣምላኽ'ዶ ሐዚ ከየጥፍአና? እዚ ግዘ ከም ምሕላፉ ክሓልፍ'ዩ፤ ብጸሎት ድማ" ይብላ።

እዚ፡ ኣብ ልቢ መብዛሕቲኡ ኣማኒ ዘሎ ዝንባለ እዩ።

ብ24 መጋቢት 2020 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተክርስቲያን ቦሌ መድሃኒኣለም፡ ካህናት ቤተክርስቲያንን ህዝብን ተኣኪቦም፤ ኮሮናቫይረስ ንምጥፋእ፣ ሰባት በዚ ቫይረስ ከይልከፉን ከይሞቱን ብዝብል ነታ ከተማ ዕጣን ቤተክርስቲያን ብምዕጣን ጸሎት ገይሮም።

ካህናት ቤተክርስቲያን ቦሌ መድሃኒኣለም ኮሮናቫይረስ ንምጥፋእ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕጣን ብምዕጣን ጸሎት ገይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ኢትዮጵያ ታበጽህ እደዊሃ ኀበ እግዚአብሔር'

ገዳማት፣ ሃይማኖታዊ በዓላት፣ ውቅር ኣብያተ ክርስቲያን መሳጊድን፡ እቶም ቀንዲ መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ኢትዮጵያ እዮም።

ኣብ ትግራይ ጥራሕ፡ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ውቅር ኣብያተ ክርስቲያን ጥንታዊ ገዳማትን ኣለዉ ተባሂሉ ይእመን።

ብዙሓት ተመራመርትን በጻሕቲ ዓድን እንተኽኢሎም ክድህስሱዎን ክርእዩዎም ዝምነዩዎ፡ 'ጽላት ቅድስቲ ማርያም' እውን 'ቅድስቲ ከተማና' ኢሎም ኣብ ዘኽብሩዋ መንበር እዚ ጽላት ኣብ ዝኾነት ከተማ ኣኽሱም ይርከብ። ዋላ ሓደ ሰብ ግን ፈጺሙ ነዚ ጽላት ክርኢ ኣይፍቀደሉን።

እታ ሃገር፡ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ንዝመጽኡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ተቐቢላ ምትእንጋዳ እተመስክረሉ ዓብዪ መስጊድ ኣልነጃሺ'ውን ኣለዋ።

ስለዚ መብዛሕትኡ ሕብረሰተብ እዛ ሃገር፡ ዓለም ዘጥፍእ ሕማቕ ግዘ'ውን እንተመጽአ፡ ኢትዮጵያ ኢዳ ናብ እግዚኣብሄር እያ እትዝርግሕ ኢሉ ይኣምን።

ኩሉ በብእምነቱ፡ ኣብ መርዓን ተስካርን፣ በዓላትን ድግሳትን ምርኻብ ጥራሕ ዘይኮነ ሓደ ዓይነት ዝገብሮ፤ ኩሎም ሃይማኖታዊ ኣምልኾታቱ ብሕብረት ዝፍጸሙን ዝሳለጡን ምዃኖም'ውን እዩ።

ምክትል ኣመሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ጽዮን ኣኽሱም፡ በኩረ ሊቃውንቲ ጎደፋ መርሃ፡ ንኮሮናቫይረስ 'መዓት እዚ ዘመን' ኢሎም ይጽውዑዎ።

ምኽንያት እዚ መዓት ይብሉ፡ "ኣይትስረቑ እንትብለና ስለ ንሰርቕ፣ ኣይትዘሙው እንትብለና ስለ ንዝሙ፣ ምሕደራ ጎዲሉ ፍትሒ ስለ ዝተስኣነ፣ ሰብ ከም ሰብ ክብሪ ስኢኑ እናተቐጥቐጠ፣ ኣብ ዕንጸይቲ እናተሰቐለ፣ ንብረቱ እናተዘረፈ እናርኣና፡ ሰብ ሓዚኑ፤ ሰብ ክሓዝን ከሎ እግዚኣብሄር ክሓዝን ግድን እዩ። ከምዚ ዓይነት ክበዝሕ እንከሎ ኸኣ መከራ እዩ ዝሰድድ"።

ቤተክርስቲያን ከም እትብሎ፡ ግብሪ ሰብ እንትሓምቕ ፈጣሪ ቑጥዕኡ ብውሑጅ፣ ካልእ ግዘ ብኣንበጣ፣ ሓደ ግዘ ብባርኖስ፣ ካልእ ግዘ ድማ ኲናት ወይ ብሕማም እዩ ዝገልጽ።

ከም እምነት በኩረ ሊቃውንቲ ጎደፋ መርሃ፡ "ከምዚ ዝበለ መዓት ከጋጥም ከሎ ህዝበ ክርስቲያን ንስሐ ኣትዩ፣ ብንብዓት፣ ጾምን ጸሎትን ንእግዝሄር ይቕሬታ እንትሓትት'ዩ መፍትሒ ዝመጽእ፤ ነዚ ሕማም ግን ማዕዳ ሓካይም'ውን ክስማዕ ኣለዎ"።

መገዲታት ምክልኻል ምልባዕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቀለልቲ እዮም።

ብቐንዱ፡ ኢድካ በብግዚኡ ብግቡእ ብምሕጻብ ጽርየትካ ምሕላው፣ ንሰላምታ ኢድ ንኢድ ዘይምጭብባጥ፣ ምትእኽኻባት ምጉዳልን ምውጋድን ጥራሕ እዮም።

እዚ ኩሉ ሕብረተሰብ ተቐቢሉ ከተግብሮ ከም ዘለዎ ዝገልጹ በኩረ ሊቃውንቲ ጎደፋ መርሃ፡ "ኢድካ ምሕጻብ'ኮ ናይ ቤተክርስቲያንና እዩ፤ ጽሬት ትፈቱ እያ። ንጹህ ልቦና፣ ንጹእ ኣእሚሮ፣ ክዳን፣ እግርን ኢድን እምበር ዝረስሐ ነገር ኣይትደልን። ስለዚ እዚ ክነኽብሮ ይግባእ" ይብሉ።

ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ጸሎት፤ ኣዲስ ኣበባ 10 ነሓሰ 2019

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ከም ኣማኒ ኣብ ገዛ ኾይንካ ምጽላይ ኣይርድአካን"

ኣብ ኢትዮጵያ ካልእ ብዙሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ሃይማኖት እስልምና እዩ።

ኣመንቲ፡ እዚ ለበዳ ክሳዕ ዝሓልፍ ድማ፡ ዕለተ ዓርቢ ዝካየድ ስግዳን ጅምዓት ሓዊሱ ሰብ ዝእከበሎም ሃይማኖታዊ ፍጻሜታት ንግዚኡ ደው ክብሉ ምምሕዳር ጉዳያት እስልምና ኣዚዙ ኣሎ።

"ከም ኣማኒ ኣብ ገዛ ኾይንካ ምጽላይ ኣይርድአካን" ዝብሉ ጸሓፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ: ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ መሓመድ፡ "ግን ኣማኒ ወይ እምነት ክህልው አንተኾይኖም እቱ ሰብ ክህሉ ኣለዎ" ብማለት እቲ ውሳነ ልክዕ ምዃኑ ይዛረቡ።

እስልምና ይኹን ኻልኦት እምነታት ቐጻሊ ደው ኢለን ዝኸዳ፡ እቲ ዘጽልልኦ ሰብ ብህይወት ምስ ዝነብር ከም ዝኾነ ዝዛረቡ ሓጂ መሓመድ፡ ኩሉ ሰብ ነዞም ውሳነታት እምነትኩም ሕደጉ ዘይኮነ ንከይትሓሙ ንግዝኡ ኣይትተኣከቡ ዝብሉ ምዃኖም ክርድኦ ኣለዎ ይብሉ።

"ቅድሚ እዚ ሕማም መስጊድ ምዃድ ዝኽልኽለና ኣይነበረን፡ ግን ድማ ሃንደበት ለበዳ ተኸሲቱ። ሓቂ'ዩ በዚ ምኽንያት ኣይትኺድ ክትበሃል ከለኻ ይስምዓካ'ዩ። በትሪ ሒዙ ዝኸይድ ዝነበረ እታ በትሪ እንተስኢኑዋ ተጎምቢሑ'ውን ክኸድ ይኽእል እዩ።

''ግን ካብዚ ለበዳ ክንድሕን እንተኾይንና፡ መድሓኒታ ምርሕሓቕን ምሕጻብን እንተኾይና ንሳ ክንገብር ኣለና። ሰብ ንምንታይ መጥባሕቲ ይገብር? ደልዩ ኣይኮነን መድሓኒታ ንሳ ስለ ዝኾነት እያ" ኢሎም የገንዝቡ።

መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከምዚ እንተበሉ'ውን፡ ከም ወይዘሮ ለምለም ዝበሉ ገለ ምእመናን ግን፡ እዚ ግዘ ኣብ ገዛ ኾፍ ዘብል ኮይኑ ኣይወርደሎምን።

ኢትዮጵያ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከም ዝረኸበት ካብ ዝገለጸትሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ቀረባ መዓልታት፡ ሕብረሰተብ ክገብሮ ዝግባእ ጥንቃቐ ኣመልኪቱ ዝተመሓላለፈሉ መምርሒ ኣብ ምትግባር ንኡድ ኣይነበረን። ፕሬዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ነዚ ምዝንጋዓት ነቒፋቶ ምንባራ ይዝከር።

ፕሬዝደንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ፡ ሃገሩ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ኣብ ዝወደሰቶም ስጉምታት፡ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ደው ከብሉ እንተኣዘዘ'ውን፡ ኣብያተ እምነት ግን "ሓቀኛ ድሕነት" ዝርከበሎም ቦታታት'ዮም" ብማለት ክፉታት ክኾና ፈቒዱ'ዩ።

ገለ ምስ ሃይማኖቶም ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት'ውን፡ ከምዚኣ ክትኾነሎም'ዮም ዝደልዩ።

"ናብ ፈጣሪና ክንመጽእ ከለና በይንና ኾይንና ክንመጽእ እዩ ዝግባእ፡ ኣብ ጎንኻ ሰብ እንተሃሊዩ ክተውግዕ፣ ሰብ'ውን ክትሓሚ ትኽእል። ስለዚ ምትእኽኻብ ኣየድልን" ዝብሉ በኩረ ሊቃውንቲ መርሃ ጎደፋ፡ ነዛ ቀጣን ግዘ ምስጋር ዝከኣል ሓካይም ዝህቡዎ ማዕዳ ብምቕባል እዩ ኢሎም።

"ኣብ ዓለም፡ ባህታዊ ይኹን ቀሺ ዋላ ካልእ፡ ኩሉ ናብ ሕክምና ከይከደ ዝነበረ የለን። ስለዚ ሽኮር ኣለኒ፣ ጸቕጢ ደም ወይ ኩሊት ኣለኒ ዝብል እግዚኣብሄር ነጊሩዎ ዘይኮነ ሓኪም ነጊሩዎ እዩ። እዚ ግበር እዚ ክኣ ኣይትግበር ይብሎ፡ ብኡ መሰረት ክኣ ይጉዓዝ።

. . . ሐዚ'ውን ንሳ እያ ትበሃል ዘላ። ሓኪም ኮሮናቫይረስ መድሓኒቱ ምስ ሰብ ዘይምርኻብ፣ ንጽህናኻ ምሕላው'ዩ እንተይሉካ ግድን እዚ ክግበር ኣለዎ። ስለዚ ምስ ሃይማኖት ተጻብኦ ዘለዎ ነገር ኣይኮነን" ብማለት ምትህልላኽ ከም ዘየድሊ የገንዝቡ።

'እምነት የድሕን'ዩ፤ ዘይምጥንቃቕ'ውን ይቐትል'

መንግስቲ ትግራይ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ከከም ኣድላይነቱ ክናዋሕ ዝኽእል ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣዊጁ ተግባራዊ ምዃን ካብ ዝጅምር ሸውዓተ መዓልቲ ኮይኑዎ።

እዚ ኣዋጅ፡ ልዕሊ 10 ሰብ ዝርከበሎም ምትእኽኻባት ዝሓውስ በብግዝኡ ምዕባለታት ዘርእይ ኽልኸላታት ዝሓዘ እዩ።

ግን ድማ፡ ከም ምህለላ ዝበሉ ዓበይቲ ምትእኽኻባት ከመይ ደው ክብሉ ይግባእ ኣብ ዝብል ዘዕግብ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ብዘይምስርሑ፡ እቲ ሰብ ዝተኸፋፈለ ስምዒት፣ ገሊኡ ድማ 'ህልኽ' ዝመስል ነገራት ክገብር ከም ዝዕዘብ፡ ሓደ ሽሙ ክንጠቕሶ ዘየፍቀደልና ወሃቢ ርኢይቶ ይዛረብ።

"ስለ ዝተጠንቀቕኻን ስለ ዝኣመንካን ትድሕን ኢኻ። ብዘይ ዝኾነ መረዳእታ ሓደ ቤተክርስቲያን ኣይትኺድ ዝብለኒ እንተኸይኑ፡ ኣብ ውልቃዊ መሰለይ ምእታው ክኾነኒ'ዩ። እንተኾነ ንባዕልና ክንብል ጥንቃቐ ክንገብር ስለ ዘለና፡ እቲ ውሳነ እቕበሎ" ይብል።

ከም ናቱ ትዕዝብቲ እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ብናይ ባዕሉ መሓውራት ተጠቒሙ ጸቕጢ ከሕድር እንትፍትን፡ ሰብ እዚ ሕማም ኣስጋኢ ምዃኑ እናፈለጠ'ውን ናብ ህልኽ ክኣቱ ከም ዝርእዮ ይዛረብ።

"ዝግደስ መንግስቲ መጺኡ ክሳዕ ንብል፡ መንግስቲ እዚ ሕማም ንምቁጽጻር ዓብዪ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ። ግን ናይ ሰባት እምነት'ውን ክኽበር ኣለዎ፤ ቤተክርስቲያን እተሕልፎ ዘላ መልእኽቲ ሰብ ይቕበል እዩ ዘሎ፤ እቲ ጸገም መንግስቲ ብኻልእ መገዲ ኣቢሉ ጽልዋ ከሕድር እንትፍትን'ዩ።

ኣብ ዝኾነ እዋን እምነት የድሕን'ዩ፤ ዘይምጥንቃቕ ግን ይቐትል እዩ፤ ክንጥንቀቕ ኣለና" ኢሉ።

ኮሮና
ኮሮና