ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክንጥቀም'ዶ ይግባእ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ትካል ጥዕና ዓለም ከም ዝብሎ፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፡ ኩሉ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ግድን ኣይኮነን።
እዚ መሸፈኒ ገጽ ክጥቀሙ ዘለዎም ሰባት፡ ዝስዕሉን ዘሀንጥሱን እንተኾይኖም ወይ ድማ፡ በዚ ሕማም ዝተጠርጠረ ሰብ ወይ ነቲ ሕሙም ዝከታተሉ ሰባት ጥራሕ ክኾኑ ኣለዎም።
እዞም ሰባት፡ መሸፈኒ ገጽ ጥራሕ ምጥቃሞም'ውን እኹል ኣይኮነን።
ብስሩዕ ኢዶም ብማይን ሳሙናን ክሕጸቡ ኣለዎም፤ ወይ ኣልኮሆል ዘለዎም ፈሰስቲ ተጠቒሞም ኢዶም ከጽርዩ ይግባእ።
ብተወሳኺ ትካል ጥዕና ዓለም፡ እዚ መሸፈኒ ገጽ ዝጥቀሙ ሰባት፡ ከመይን መዓዝን ክጥቀሙ ኣለዎም? ብኸመይ መገዲ ከወግዱ ይግባእ? ዝብል ኣገባብ ክፈልጡ ይግባእ ይብል።
ዝስዕሉ ወይ ዘሀንጥሱ ሰባት ከምኡ'ውን ግድን ብኮሮናቫይረስ ናብ ዝተጠርጠሩ ሰባት ክቐርቡ ዘለዎም ሰባት ዝጥቀሙዎ መሸፈኒ ገጽ፡ ብቐሊሉ ብረሃጽ ስለ ዝበላሸዩ ቐልጢፎም ክውገዱ ወይ ክቕየሩ ይግባእ።
ስለ ዝኾነ፡ እዞም ምልክታት ክሳዕ ዘይርኣኹም ኩሉ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም የብሉን።
ስግኣት እዚ ሕማም ንምውጋድ ግን ካብ ዝስዕሉ፣ ዘሀንጥሱ ወይ ረስኒ ዘለዎም ሰባት ዝህልወኩም ምትንኻፍ ምውጋድ፣ ኢድኩም ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ ወይ ድማ ተሃዋስያን ዘወግዱ ኣልኮላት ምጥቃም የድሊ።
ብተወሳኺ፡ ኢድኩም ከይተሓጸብኩም ዓይንኹም፣ ኣፍንጫኹምን ኣፍኩምን ዘይምንካእ፣ ምጭብባጥ ኢድ ምውጋድን ካልኦት ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ዝሕግዙ ጥንቃቐታት ምግባርን ኣይትዘንግዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







