መዓዛ መልኣኩ፡ ብሰናይ ፍቓዳ ምስማዕ ንዘይክእሉ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ እተምህር ግድስቲ

ምንጪ ስእሊ, Meaza Melaku
ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምእታዉ ምስ ተሰምዐ፡ ገለ ግዱሳት፡ ኣብ ናይ ሰራይ ፍቓድ ስራሕቲ ይዋፈሩ ኣለው።
ካብ መንጎ እዚኦም፤ ምስማዕ ንዘይክእሉ (ጽሙማን) ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ኣብ ፌስ ቡክ ብምልክት ቋንቋ እተምህር ዘላ መዓዛ መልኣኩ ትጥቀስ።
ከምዚ ዓይነት ጉድኣት ኣካል ዘለዎም ሰባት፡ ብዛዕባ እዚ ሕማም ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝጽገምሉ ኩነታት ሰፊሕ ምዃኑ ትዛረብ።
"በዚ ምኽንያት ኣነ'ውን ሓላፍነተይ ክፍጽም ስለ ዘለኒ በታ ዝኽእላ ነዚ ተግባር ክፍጽም ወሲነ" ትብል።
Content is not available
View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።End of Facebook post
መዓዛ ብቐንዱ ብዛዕባ እቲ ሕማም ኣመልኪቶም ካብ መንግስቲ ዝወሃቡ መግለጺታትን ክግበሩ ዝግበኦም ጥንቃቐታትን ብናይ ምልክት ቋንቋ እናተርጎመት ተሕልፍ።
ሃገራዊ ሚድያታት፡ ምስዚ ቫይረስ ተኣሳሰሲሩ ንጽሙማን ዜጋታት እኹል ሓበሬታ ምሃብ ክሳብ ዝጅምሩ እዚ ስረሐይ ክቕጽለሉ እየ ድማ ትብል።
መዓዛ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ምልክት ቋንቋ ቀዳማይ ድግሪ ረኺባ፤ ካልኣይ ድግሪ ድማ ብፍሉይ ድሌት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ተማሂራ።
ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሓምሻይ ሰብ ብምርካቡ፡ መንግስቲ ንዝቕጽሉ 15 መዓልታት መባእታውን ካልኣይ ደረጃን ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸው፣ ህዝባዊ ዋዕላታትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ከይካየዱ ኣጊዱ'ዩ።
ብተወሳኺ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት መንግስታዊ ኣውቶብሳት ንተጉዓዝቲ መሐለዊ ጽርየት [ናይ ኢድ ሳኒታይዘር] ከቕርቡ ከም ዝግባእ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







