ኣብ ኣፍሪቃ ብኮሮና ቫይረስ ፈላማይ ሞት ተመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ግብጺ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፉ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ዝጸንሐ ጀርመናዊ በጻሒ ዓዲ ብምሟቱ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዘጋጠመ ፈላማይ ሞት ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
እቲ ወዲ 60 ዓመት ጀርመናዊ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ግብጺ ምስበጽሐ እዩ ረስኒ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ናብ ሆስፒታል ምስተወሰደ ድማ፡ ብኮሮና ቫይረስ ከምዝተታሕዘ ተረጋጊጹ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ጸኒሑ።
ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ከምዝጸብጸቦ፡ እቲ ግዳይ ሓያል ጸገም ምስትንፋስ ኣጋጢምዎ ነይሩ።
እቲ ተሓካሚ፡ ንበይኑ ተፈልዩ ክሕከመሉ ናብ ዘለዎ ክፍሊ 'ኣይከይድን' ድሕሪ ምባሉ ሞት ከምዘጋጠሞ ተገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ግብጺ፡ ኣብታ ሃገር 48 ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ኣረጋጊጹ እዩ።


ዛጊት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ነዚ ዝስዕብ ይመስል።
ኣብ ግብጺ - 48
ኣብ ኣልጄርያ - 17
ኣብ ሰኔጋል- 4
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ - 3
ኣብ ሞሮኮ - 2
ኣብ ካሜሩን - 2
ኣብ ቱኒዝያ - 1
ኣብ ቶጎ - 1
ኣብ ናይጄርያ - 1




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







