"ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ኢትዮጵያዊያን እንፈልጦ የብልናን" ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣቡዳቢ

ምርመራ ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዝሓለፈ ብዓርቢ፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ካብ ዝተገለጹ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሀገራት፡ እቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ተገሊጹ ነይሩ።

ሎሚ ሰንበት፡ ብዛዕባ እቶም ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ዝተባሃሉ ኢትዮጵያዊያ ዝምልከት ዝተሓተተ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣቡዳቢ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፈልጥን ገና ሓበሬታ ይጽበዩ ከምዘለዉን ገሊጹ።

"ንሕና'ውን ከማኹም ብሚድያ ካብ ምስማዕ ወጻኢ ዝኾነ ሓበሬታ የብልናን" ኢላ ኣብ ኣቡዳቢ ተወካሊት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኑሪያ መሓመድ።

ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝርዝር መብርሂ ክህብዎም ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪቦም ምህላዎም'ውን ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ 13 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦምን ካብኦም ክልተ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑን ገሊጹ።

Presentational grey line
Presentational grey line

እቲ ኤምባሲ፡ ዋላ'ኳ ብዛዕባ ኩነታት እዞም ኢትዮጵያውያን ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብሉ እንተገለጸ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ግን ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጽ "እቶም ክልተ ኢትዯጵያውያን ንዓመታት ኣብኡ ክነብሩ ዝጸንሑን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝኾነ ጉዕዞ ከምዘይገበሩን ኣረጋጊጸ ኣለኹ" ኢሉ።

ነዚ ዝገለጸት፡ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ኢትዮጵያ ሊያ ታደሰ ክትከውን እንከላ፡ ሎሚ ኣብ ትዊተራ ኣብ ዝዘርገሓቶ ጽሑፍ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን ከምብሓድሽ ተመርሚሩ እቲ ቫይረስ ከምዘይብሉ ተረጋጊጹ ኢላ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዛጊድ 45 ሰባት ኣብታ ሃገር ብኮሮና ተታሒዞም ምህላዎም ኣፍሊጣ። እቶም ሰባት፡ ተወሺቦም ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ምህላዉ ተገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንኣርባዕተ ሰሙን ዕጹው ክኸውን ተገይሩ'ሎ።

ዜጋታታ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝገብርዎ ጉዕዞ ክንክዩ እውን ምዒዳ።