ፈላማይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣሜሪካ ተጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዝ'ዩ ዝተባህለ ፈላማይ ክታበት ኣብ ኣሜሪካ ተጀሚሩ።
ኣሶሽየትድ ፕረስ፡ ኣብ ሲያትልን ዋሽንግተንን ኣርባዕተ ሕሙማት መናእሰይ እቲ ንፈተነ ዝተዳለወ ክታበት ከም ዝተውሃቦም ጸብጺቡ።
እታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ጓል 43 ዓመት ተቐማጢት ሲያትል ኮይና፡ "ዝኾነ ነገር ንምግባር እዚ ጽቡቕ ዕድል'ዩ" ኢላ።
እቶም ሰብ ሞያ፡ እዚ ክታበት ይኹን ካልኦት ኣብ መጽናዕቲ ዘለው ክታበታት እቲ ሕማም ይፍውስ ድዩ ዝብል ንምፍላጥ ኣዋርሕ ክወስድ'ዩ ኢሎም።
እዚ ንፈተነ ኣብ ወለንተኛናታት ዝተውሃበ ክታበት ድማ፡ ነዚ ሕማም ካብ ዘቃልዕ ቫይረስ ተቐዲሑ ዝተወስደ ዘይጓዳእ 'ጀነቲክ ኮድ' ዝሓዘ ነቲ ቫይረስ ዘየቃልዕ'ዩ ተባሂሉ።
እዚ ፈላማይ ኣብ ወድ ሰብ ዝተገብረ ፈተነ ኮይኑ፡ ነዚ ስራሕ ዘሳልጥ ዘሎ ኩባኒያ ባዮቴክኖሎጂ ሞደርና ቴራፒቲክስ፡ እቲ ክታበት ዝተፈላለየ መስርሕ ፈተነ ተኻይድሉ'ዩ ኢሉ።
ኣብ ኮሌጅ ለንደን በዓል ሞያ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ጆን ትሪጎንግ፡ "እዚ ክታበት ቅድም ኢሉ ዝነበረ ቴክኖሎጂ'ዩ ተጠቒሙ" ብምባል፡ "ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ክንጥቀሞም እንኽእል ነገራት ብምጥቃም ደረጅኡ ሓሊዩ እዩ ተሰሪሑ፤ እዚ ክታበት ዝወስዱ ሰባት ድማ ናይ ቀረባ ክትትል ክግበረሎም እዩ" ኢሉ።
ዶክተር ጆን ብተወሳኺ፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእል ክታበት ኣብ ልዕሊ ወድ ሰብ ክፍተን ምግባር ፍጥነት ዝተርኣዮ ነገር'ኳ እንተኾነ፡ ግን ድማ ኣንጻር እቲ ቫይረስ እምበር ኣንጻር ሓድሕድና ኣይኮንናን ንጓየ ዘለና ኢሉ።
ንከም ንፍዮ ዝበሉ ቫይራሳት ዝወሃቡ ተመሳሰልቲ ክታበታት ካብ ዝሞተ ወይ ዝተዳኸመ ቫይረስ እቲ ሕማም'ዮም ተማሂዞም።
እዚ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ፈተነ ዝርከብ ክታበት ኤምኣርኤንኤ-1273 ግን፡ ካብቲ ኮቪድ-19 ዘስዓበ ቫይረስ ተወሲዱ ዝተሰርሐ ኣይኮነን።
እኳ ድኣስ፡ ተመራመርቲ ካብቲ ቫይረስ ዝተቐድሐ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተሰርሐ ሓጺር ጭራም ጀነቲካዊ ሓበሬታ [ጀነቲክ ኮድ] ብምውሳድ ዝመሃዙዎ እዩ።
እዚ ረኽሲ ብምውጋድ ስርዓት ምክልኻል ሕማም ንምምዕባል ክሕግዝ ይትስፎ። እንተኾነ፡ እዚ ክታበት ንኣገልግሎት ክውዕል 18 ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







