ዶናልድ ትራምፕ ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ ኾይኑ

ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ በዓልስልጣን ብራዚል።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦ በዓልስልጣን ብራዚል።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ናይ ዋይት ሃውስ ዶክተር ተዛሪቡ።

ፍሉይ ዶክተር ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሲን ኮንሊ "ሎሚ ንጎሆ ዝረኸብክዎ ውጽኢት እቲ መርመራ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነጻ ከም ዝኾነ ዘርኢ እዩ " ኢሉ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ምርመራ ዘካየደ ንጉጅለ ልኡኽ ብራዚል ኣብ ፍሎሪዳ ረኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ።

እንተኾነ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ጉጅለ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ተረኺቦም እዮም።

ካብ መንጎኦም፡ ናይ ቀረባ ሓጋዚ ፕረዚደንት ብረዚል፡ ፋብዮ ዋጂንጋርተን ይርከቦም።

ወዲ 73 ዓመት ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዝኾነ ናይቲ ሕማም ምልክት ከምዘይተርኣዮ ብምግላጽ ንርእሱ ፈልዩ ክጸንሕ ኣይመረጸን።

እንተኾነ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ መግለጺ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ዝተልዓሉዎ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ከምዝምርመር እዩ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ናይቲ ቤተ መንግስቲ ዶክተር ከምዝበሎ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ እዩ መርመራ ገይሩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ዝኾነ ምስ እቲ ቫይረሰ ዝተረኽቦ ስብ ዝተተናኸፈ፡ ንዓርሱ ን14 መዓልታት ንበይኑ ፈልዩ ክጸንሕ [ክውሽብ] ይእዝዝ።

ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ 2700 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኸውን፡ ዛጊድ 54 ሰባት በቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሃገራዊ ህጹጽ ኣዋጅ ዝኣወጀ ኾይኑ፡ ነቲ ቫይረስ ንምግታእ ድማ 50 ቢልዮን ዶላር ሰሊዑ።

ብርክት ዝበሉ ጉጅለ ልኡኻን ብራዚል፡ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ተራኸቡ ድሕሪ መዓልታት መርመራ ገይሮም በቲ ቫይረስ ተጠቒዖም ተረኺቦም።

ካሊእ ምስ ኣባላት እቲ ጉጅለ ዝተራኸበ ከንቲባ ማያሚ ፍራንሲስ ሱሬዝ ድማ፡ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሐዘ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ጉጅለ እቲ ልኡኽ፡ ምስ ጓል ፕረዚደንት ትራምፕ ኢቫንካ ትራምፕን ወዲ ሰበይቱ ጃረድ ኩሽነርን እውን ተራኺቦም ነይሮም እዮም።

ዛጊድ ብዛዕበኦም ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።

እዚ ከምዚ እናሀለወ፡ ምስቶም ጉጅለ ልኡኻት ዝተራኸበ ሴኔተር ሪፓብሊካን፡ ሊንድሰይ ግራሃም፡ ንልዑል ጥንቃቐ ክብል ንዓርሱ ወሺቡ ይርከብ።

በዓልቲ ገዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ስፐይን እቲ ቫይረስ ተረኺቡዋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, በዓልቲ ገዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ስፐይን እቲ ቫይረስ ተረኺቡዋ

ካልኦት ፖለቲከኛታትከ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ በዓልቲ ገዝኡ እቲ ቫይረስ ምስተረኸባ፡ ንዓርሱ ፈለዩ ቀንዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መርመራ ካከይድ ኳ እንተሓተተ፡ ዝኾነ ምልክታት ከይተርአዮ ምርመራ ምክያድ ትርጉም የብሉን ተባሂሉ።

ከምኡ ድማ፡ ኣብ ስፐይን፡ በዓልቲ ገዛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ቫይረስ ተረኺቡዋ።

ስፐይን ኣብ ኤውሮፓ፡ ካብ ጣልያን ቀጺላ በቲ ቫይረስ ብብርቱዕ ዝተጠቕዐት ሃገር እያ።

እዚ ከምዚ እናሀላወ ድማ፤ ሚኒስተር ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ናዲን ዶሪስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ቫይረስ ስለዝተረኸባ፡ ንበይና ተፈልያ ቀንያ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓተታት ጥራይ ዓሰርተ ዜጋታት እንግሊዝ በቲ ቫይረስ ሞይቶም። ብድምሩ ቁጽሪ መወትቲ ናብ 21 ክብ ኢሉ።

ከምኡ ድማ፡ በቲ ቫይረስ ብብርቱዕ ኣብ ዝተጠቐዐት ኢራን፡ ምክትል ሚኒስትር ጥዕና ሓለዋ በቲ ቫይረስ ተለኺፋ ተባሂሉ።

ኣብታ ዓዲ፡ ዛጊድ 600 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

መግለጺ ቪድዮ, ካብ ኮሮና ቫይረስ ዝሓወየት ሰበይቲ